banner

ገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ

      በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ

ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ኃይሊ ከባቢ መራጕዝ ዝርከብ ገዳም’ዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብአቡነ ብሩከ ኣምላክ’ዩ ተገዲሙ። ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ካብ ሮማዊ ኣቦኡ ንጉሥ ቴዎቅሪጦስን ጽርኣዊት ኣደኡ ንግሥቲ ሚሊዳማን ባሕቲ ግንቦት ኣብ ቍስጥንጥንያ ዘሮም ብ1920 ዓ.ም. ተወሊዱ። ወለዱ ቅድሚ ንእኡ ምውላዶም፡ ወላድ ስኢኖም ነዊኅ ዓመታት ይኃዝኑን ይጽልዩን ነበሩ። ዝለመንዎ ዘይከልእ ዝነገርዎ ዘይረስዕ ጐይታ ጸሎቶም ሰሚዑ ንቅዱስ ሚካኤል ከበሥሮም ለአኾ።

ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ድማ ብብሥራት ቅዱስ ሚካኤል ሾብዓተ ነሐሴ ተፀኒሱ ባሕቲ ግንቦት ተወልደ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ብኢድ ኣባ ቄርሎስ ጥምቀተ ክርስትና ክብረ ውልድነት ረኺቡ፡ ስሙ ዓምደ ሚካኤል በልዎ። ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ወለዱ እኳ ከመርዕውዎ እንተ ሓሰቡ፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል፡ ወዲ ንጉሥ ምድሪ ካብ ምዃን ወዲ ንጉሥ ሰማይ ምዃን መሪጹ፡ ካብቲ ዝተወልደሉ ዓዲ መኒኑ ናብ ሃገርና ኤርትራ ስብዓ ዝተባህለ ዓዲ መጺኡ፡ ምስ ኣቡነ ኣብሳዲ ተራኸበ።

ኵሉ ትምህርተ ሃይማኖትን መጻሕፍተ መነኮሳትን እናተማህረ ን15 ዓመታት ጸንሐ። በብእዋኑ መዓርገ ዲቁናን ሥልጣነ ክህነትን ካብ ጳጳስ ኣባ ሚካኤል ምስ ተሸመ ኣብ 22 ዓመት ዕድመኡ ካብ ኣቡነ ኣብሳዲ ኣብ ደብረ ማርያም መዓርገ ምንኵስና ተዋህቦ። ትጉህ መነኮስ ጽኑዕ መናኒ ኾይኑ ብተጋድሎ ን55 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ደብረ ማርያምን ካልኦት ቦታታትን ምስ ኣቡነ ኣብሳዲ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ መበል 62 ዕድሚኡ ናብ ደብረ ኮል (ሙራደ ቃል) ከባቢ መራጕዝ ኣተወ።

‘ኮል’ ማለት ምልዖ ከምኡ’ውን ‘ቤተ ክርስቲያን’ ማለት’ዩ፡ ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብዚ ዓሚቝ ዱር ብአጽንዖ መካን ብብሕትውና ተጸሚዱ ንእግዚኣብሔር ብጾምን ጸሎትን እናኣሥመረ ንኣስታት 63 ዓመታት ተቐምጠ። ታቦተ ማርያም ኣብ ውሽጢ ገዳም፣ ታቦተ ሚካኤል ድማ ኣብ ዓዲ ጋርፋ ተኸለ። ዋላ እኳ እታ ናይ ዓዲ ጋርፋ ብዘመን ግራኝ ነዲዳ እንተዘየላ፡ እታ ናይ ገዳም ግና ግራኝ ስለዘይረኸባ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ደብረ ኮል ኣላ። ዕለት ዕረፍቱ ስለዝፈለጠ፡ ጸሎት እናኣብዝኀ ምስ ጸንሖም፡ ኣብ ዘመነ ሃጸይ ዳዊት ብሸፋቱ ብዅናት ተወጊኡ 14 ነሐሴ ኣብ 125 ዓመት ዕድመኡ ብሰማዕትነት ዓረፈ። ካብቲ ዝተወግአ መሰንገሊኡ ኸኣ ፃዕዳ ማይ ሕይወት ወፅአ። ኣብታ ዕለት እቲኣ ካብ ደቀ መዛምርቱ፣ ብኢድ ኣረማውያን ብዙኃት ተሰይፎም ዓረፉ።

ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብታ ብሕይወቱ ኸሎ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነፀላ ማኅበር ሓድነት ሥርዓተ ጳኵሚስ መሥሪቱ ዝገደማ ገዳሙ ደብረ ኮል ተቐብረ። ካብዚ ዝተቐብረሉ ቦታ ማይ ፈልፊሉ ንብዙኃት ሕሙማትን ድኑሳትን ኪፍውስ ይነብር ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ናብ ብዙኅ ቦታታት ሃገርና ኤርትራ ብስብከት ስለዝበጽሐ፡ ኣብ ዘዕረፈሉን ዝወዓለሉን ዝኃደሮን ዝረገጾን ንሕሙማን ዚፍውሱ ማየ ጸሎታት ኣውፂኡ እዩ። ንኣብነት፦ ኣብ ማይልሓም መራጕዝ ማይ ሻኻ፣ ዓዲ ሓውያ መራጕዝ፣ ዓዲ ጋርፋ ማየ ሃብተ እግዚእ እናተባህለ ዚጽዋዕ ዘሎ፣ ሕምብርቲ (ሓደ ግንቦት ይበዓል’ዩ) ፡ ዓዲ ሸረፈቶ፡ ሽምድብልቕ (14 ነሓሴ ይኽበር’ዩ)፡ ኣብ ደቂ ጴጥሮስ ማይ ዘወፅኦ ከም ዘሎ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር።

ስለዚ ኣብዞም እዚ ቅዱስ ኣቦ ዝተጋደለሎም፡ ተኣምራት ዝፈጸመሎም፣ ብጸሎቱ ማይ ዘውፅኣሎምን ቦታታት፣ ሕዝቢ ምሕረት ይረክብን ተኻፋሊ ጸሎቱን ቃል ኪዳኑን ይኸውንን ኣሎ።
እንተኾነ ግና እዚ ገዳም ደብረ ኮል ገዳማውያን ዝወሓዶ ብዅሉ ምንቅስቓሳቱ ዚዳኸም ዘሎ ገዳም ብምዃኑ ዘተሓሰስብ እዩ።

ዋላ እኳ መነባብሮኡ ካብቲ ዝሃብካዮ እኽሊ ዘብቍል ሃብታም መሬቱ ብማሕረስ እንተኾነ፡ ምንቅስቓሳቱ ግና ድኹም እዩ።
ኣብ ደብረ ኮል ክልተ ኣብያተ ክርስቲያን እታ ሓንቲ ጥንታዊት ክትከውን ከላ እታ ደኅረወይቲ ድማ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን እያ።

ክብረ በዓል ወይ ንግደት ደብረ ኮል ኣብ ዓመት 3 ጊዜ ኾይኑ፡- ሀ. 18 መስከረም ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ፣ ለ. ባሕቲ ግንቦት ልደት ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ፣ ሐ. 14 ነሐሴ ድማ ዕረፍቲ ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ እዩ።
ስለዚ ገዳማትና ምንጪ ኵሉ በረኸትና ስለዝኾና ቍሊሕ ክንብለንን፡ ናብዚ ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ እናመጻእና ተኻፈልቲ ቃል ኪዳኑ ኽንከውን ቅዱስ እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና። በረኸት ኣቡነ ቡረከ ኣምላክ ከኣ ምስ ኵሉና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195