banner

ሌላ ምስ ገዳም ደብረ ሣህል አቡነ ዮናስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ደብረ ሣህል አቡነ ዮናስ

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሰፈር ቅዱሳን፡ ጽንዓት ሃይማኖትን ምንጪ ቃለ እግዚአብሔርን ዝኾኑ ገዳማት ብብዝኂ ኣለዉ። እንተኾነ ካብዞም ገዳማት ግና መዘከርታ ቅርሳ ቅርሲ እናገደፉ ታሪኽ ጥራሕ ዝኾኑ ዘለዉ፡ ብሥርዓተ ማኅበር ሓድነት ዘይመኃደሩ፡ ገዳማውያን ዘይብሎም በብጊዜኡ እናበዝኁ ይኸዱ ኣለዉ። ሓደ ካብዚኦም ድማ ገዳም ደብረ ሣህል ኣቡነ ዮናስ እዩ።
ገዳም ደብረ ሣህል ኣቡነ ዮናስ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ካብ ማይድማ ኣስታት 15 ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ኣብ ዝርከብ በሪኽ ጎቦ ይርከብ።

መሥራቲ ናይዚ ገዳም ኣቡነ ዮናስ እዩ። ኣቡነ ዮናስ ገና ሕፃን ኮይኑ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣነቓቒሕዎ ንዅሉ ግብረ ዓለም ንድኅሪት ገዲፉ ካብቲ ዝተወልደሉ ሃገር ርኂቑ ናብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ምድሪ ወዲ ሠበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና እትበሃል ገዳም ኣተወ። ኣብዛ ገዳም ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህለ ዓቢይ ባሕታዊ ስለዝነበረ፡ ምስ ካልኦት ተመሃሮ ብጊዜ መዓልቲ ይመሃር፡ ለይተ ለይቲ ድማ ‘ጠላቒት’ ኣብ ዝተባህለት ቀላይ እናኸደ ኪጽሊ ይኃድር ነበረ።

 

እዚ ኸኣ ውዳሴ ከንቱ ንኸይኮኖን፡ ንመጻኢ እቲ ቦታ ናቱ ገዳም ከም ዝኸውን ብመንፈስ ስለዝተገልጸሉ እዩ። ገና ከይመንኮሰ ከሎ ካብ ብዝኂ ተጋድሎኡ ኣብዚ ኣብ ውሽጢ ጠላቒት እናጸለየ ኸሎ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱሳን መላእኽቱ ኣኸቲሉ ብምምጻእ ቃል ኪዳን ሃቦ። ኣብዚ ጠላቒት ክሳዕ ሎሚ ዕፁብ ድንቂ ቅርስታት ኣለዉ። ንምሳሌ ፦ ኣሰር ርጋጽ እግሪ ኣቡነ ዮናስ ኣብቲ ኸውሒ ተሣኢሉ ይርከብ። ኮፍ መበሊ ኣቡነ ዮናስ ፣ ካብ እምኒ ቅርጺ ኵርሲ ዘለዋ፡ ኣብቲ ላዕላያ ኸኣ ከም ናይ ዘይቲ ጠለለት ዘለዎ ምልክት ኣሎ።

ብድኅር’ዚ ኣቡነ ድምያኖስ፡ ምርጫ ኣቡነ ዮናስ ንምናኔ ምዃኑ ተረዲኡ መጽሐፈ ብሉይን ሓዲስን፡ መጽሓፈ መነኮሳትን ሥርዓት ምንኵስናን ምስ መሃሮ፡ መዓርገ ምንኵስና ኣልበሶ። ኣቡነ ዮናስ፡ ኣብቶም ኣብ ብዙኅ ቦታታት ዝመሥረቶም ገዳማት፡ ነቶም ብዙኃን ተመሃሮኡን ኣርድእቱን ፋሕ ኣቢሉ ከም ኣበምኔቶም ኮይኑ ደሃዮም ይፈልጥ ነበረ።

እዚ ገዳም ደብረ ሣህል ድማ ከም ካልኦት ገዳማቱ ብሥርዓት ጳኵሚስ ዚመኃደር ዓቢይ ገዳም እኳ እንተነበረ፡ ደኃር ግና ብምኽንያት ገበርቲ ክፉእ ጸላእቲ ዝኾኑ ገዛእቲ ‘ግብሪ ክፈሉ፡ ኣይንኸፍልን’ ብዝብል ዘይምስማዕ፡ ነቲ ኣጓዱ ገዳም ብሓዊ ኣቃጸልዎ፣ ነቶም ፈለስቲ’ውን ንገሊኦም ቀተልዎም፣ ንገሊኦም ድማ ሰጐግዎም። ሎሚ ኣብዚ ቦታ፡ ብብዝኂ መነኮሳት ከምዝነበሩ ዘመልክት ዑናታትን ፍርስራስ ኣባይትን ይርከብ እዩ።

ካልኦት ኣብ ደብረ ሣህል ዝርከቡ ቅርሳ ቕርሲ፦ ምልክት ንዳድ ሓዊ ዘለዎ ኣቡነ ዮናስ ዚተኸሎ ታቦት፣ ትራፍ ሓዊ ዝኾነ ኣትሮንስ፣ ጽንሓሕ ኣቡነ ዮናስ . . . ።
ስለዚ ነዚ መሓሪ ማየ ጸሎትን ጸበልን፡ ከምዚ ዝተጠቕሰ ቅርስታትን፡ ኣለዉ ዝበሃሉ ኣግራብን እንስሳ ገዳምን ዘለውዎ ገዳም ደብረ ሣህል፡ ኣብ ርእሲ እቲ ብሚኒስትሪ ሕርሻ ሕዛእቲ ክኸውን ተፈቒድሉ ዘሎ ዘድሊ ዕቃበን ሓለዋን፡ ሓገዝን ሓልዮትን ኪግበረሉ ይግባእ።

ከምዝፍለጥ ገዳም ደብረ ሣህል፡ ዓመት መጽአ ዕለት 17 ግንቦት ይበዓል። ኣብዚ ዕለት’ዚ ድማ ዓዲ ደብረ ሣህልን ካብ ቀረባን ርኁቕን ዝመጹ ምእመናንን ምእመናትን ናብዛ ዚቕድሱላ ንእሽቶ ቤተ ጸሎት ብምምጻእ፡ ብማኅሌትን ቅዳሴን ውዳሴን የብዕልዎ።

                        ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195