banner

ታሪኽ ገዳም ደብረ ኮል አቡነ ቡሩከ ኣምላክ!

ታሪኽ ገዳም ደብረ ኮል አቡነ ቡሩከ ኣምላክ!

ገዳም ደብረ ኮል ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ኃይሊ ከባቢ መራጕዝ ይርከብ። መሥራቲ ናይዚ ገዳም’ዚ ድማ አቡነ ቡሩከ ኣምላክ እዩ። ወለዲ አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣቦኡ ንጉሥ ቴዎቅሪጦስ፣ ኣደኡ ኸኣ ንግሥቲ ሚሊዳማ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ሰብ ሕጊ ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ዝኾኑ ወለዲ፡ ውላድ ስኢኖም ወትሩ ይጽልዩ ስለዝነበሩ፡ ነዚ ቅዱስ ኣቦ ብዕለት ሓደ ግንቦት ወለዱ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ተጠሚቑ ኸኣ ‘ዓምደ ሚካኤል’ ዝብል ስም ተሰየመ። ዓምደ ሚካኤል፡ ብኣካልን ብመንፈስን ምስ ደልደለ፡ ወለዱ እኳ ኸመርዕውዎ እንተ ፈቐዱ፡ ንሱ ግና ወዲ ንጉሥ ምድሪ ካብ ምዃን ወዲ ንጉሥ ሰማይ ምዃን መረጸ።

ብፍቓድ እግዚኣብሔር ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ካብቲ ዝነበሮ ግዝኣት ሮማ ናብቲ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ኣብሳዲን ዝነበርዎ ‘ስብዓ’ ዝተባህለ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ደብረ ማርያም መጽአ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ግብረ ዲቁና ኣጺፊፉ ምስ ተማህረ መዓርገ ዲቁና ካብ ጳጳስ ኣባ ሚካኤል ተሠየመ። ድኅሪ 5ተ ዓመት ካብ አቡነ አብሳዲ ኣልባሰ ምንኵስና ምስ ተቐበለ ኸኣ ‘ቡሩከ አምላከ’ ዝብል ስም ምንኵስና ተዋህቦ።

አቡነ ቡሩከ ኣምላክ፡ ትምህርቱ ምስ ኣጻፈፈን ብጸጋ ምስ ዓበየን ‘ሥልጣነ ክህነት’ ካብ ጳጳስ ሚካኤል ተቐብአ።
ኣብ ደብረ ማርያም፡ ብተጋድሎን ጽኑዕ ብሕትውናን ርድእናን ብዝተፈላለየ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ብትግሃትን ትሕትናን ምስ ኣገልገለ፡ ናብታ ብልምላሜኣ ተበሃጊት፡ ማየ ሕይወት ዝርከባ ማኅደረ ንጹሓን ጻድቃን ዝኾነት ደብረ ኮል ሙራደ ቃል መጽአ። ኣብዚ ደብረ ኮል፡ ጽኑዕ መንፈሳዊ ተጋድሎን ተኣምራትን እናፈጸመ ን63 ዓመታት ተቐመጠ። ከምኡ’ውን ንደብረ ኮል መዕረፊኡ ገይሩ እናተዘዋወረ ኣብ ምድረ ኣግዓዚ ስብከተ ወንጌልን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ኣስፍሐ። መርኣያ ናይዚ ድማ ብስም ቅድስት ድንግል ማርያም ታቦት ኣብ ውሽጢ ገዳም ከምኡ ኸኣ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ታቦት ኣብ ዓዲ ጋርፋ ተኸለ። ሎሚ ኣብ ገዳም ዝርከብ ታቦት እምበር ኣብ ዓዲ ጋርፋ ዝተተኽለ ታቦት ብዘመን ግራኝ ስለዝነደደ የለን። 

“ዳግማይ መጣዕ ሊባኖስ” ዝተባህለ አቡነ ቡሩከ ኣምላክ፡ በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦ ጸጋ፡ ንሱ ኣብ ዝወዓሎን ዝኃደሮን ዘዕረፈሉን ዝረገጾን ዝፍልፍሉ ፈወስቲ ማያት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ማየ ጸሎት ኮይኖም ድማ ሕሙማንን ድዉያንን እናተፈወሱሎም ይርከቡ ኣለዉ። ንኣፍልጦን ንምልላይን ዝኣክል ሓሓደ ኣብነታት ንምጥቃስ፦

1. ካብቲ ብዅናት ሸፋቱ ዝተወግአ ጐድኑ ዝወፅእ ማየ ጸሎት ክሳዕ ሎሚ የገልግል ኣሎ፣
2.  ኣብ ሕንብርቲ ሓማሴን ኣብ በትሩ ዝጨብጨበትላ ማየ ጸሎት ኣሎ፣
2. ኣብ ማይ ለሓም መራጕዝ ማይ ሻኻ ዝተባህለ ክሳዕ ሎሚ ማየ ጸሎት ኮይኑ የገልግል ኣሎ፣
3. ኣብ ዓዲ ሓውያ መራጕዝ፣
4. ኣብ ዓዲ ጋርፋ ማየ ሃብተ እግዚእ እናተባህለ ዚጽዋዕ ማይ ክሳዕ ሎሚ ማየ ጸሎት ኮይኑ የገልግል ኣሎ፣
5. ኣብ ሕምብርቲን ኣሰር እግሩ ዝረገጾ ትእምርቲ ዘለዎ ንወገን ሰሜን ሕምብርቲን
7. ኣብ ዓዲ ሸረፈቶ፡ ኣብታ ማይ ዘውፅአላ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፃ ኣላ።
8. ኣብ ሽምድብልቕ፡ ኣብታ ማይ ዘውፅአላ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፃ ኣላ።
9. ኣብ ደቂ ጴጥሮስ፣
10. ኣብ ጕሪታት፣ ኣብታ ማይ ዘውፅአላ ቤተ ክርስቲያን ተሓኒፃ ኣላ።
11. . . . ወዘይመስሎ

ከምቲ እግዚአብሔር ‘ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ’ መዝ. ዝበሎ ንአቡነ ቡሩከ ኣምላክ ጽኑዕ ንዘለዓለም ዝነብር ቃል ኪዳን ኣተወሉ። እዚ ቃል ኪዳን’ዚ ስምካ ዝጽውዐ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዘጽሓፈን ዝሰምዐን፡ ብስምካ ንሽጉር ዝረድአን መባእ ዝሃበን፡ ኣብቲ ብስምካ ዝተጸውዐ ቤተ ክርስቲያን ብትግሃት ዘገልገለን ዝተሳለመን፡ ንማየ ጸሎትካ ብእምነት ዝተሓጽበ . . . በረኸት ሥጋን ድኅነት ነፍስን ክህቦ እየ ዝብል እዩ።

አቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣቐዲሙ 62 ዓመት ኣብ ደብረ ማርያምን ቅድሚኡን፡ ብምቕጻል ድማ 63 ዓመት ኣብ ደብረ ኮል ብጠቕላላ 125 ዓመት ዕድመ ምስ ገበረ፡ በቲ እግዚኣብሔር ዝገለጸሉ ንረድኡ ሃብተ እግዚእ ዕለተ ዕረፍቱን ኵሉ ዘጋጥም ኵነታትን ነገሮ። ልክዕ ንሃብተ እግዚእ ከምዝሓበሮ ድማ ብኣረማውያን ሸፋቱ ዕለት 14 ነሓሴ 1415 ዓ.ም. ብሰማዕትነት ዓረፈ። ካብቲ በቶም ሸፋቱ ዝተወግአ ጐድኑ ዝወፅአ ጽሩይ ማይን ካብ ውሽጢ መቓብሩ ዝፍልፍል ማይን ክሳዕ ሎሚ ሕሙማን እናፈወሰ፡ ድዉያን እናኣሕወየ፡ ኣጋንንቲ እናኣውፅአን ዝተፈላለየ ተኣምራት እናገበረን ይርከብ ኣሎ።

ካብቲ ዝዓረፈሉ ጊዜ ጀሚሮም ድማ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ዝክረ በዓል ልደቱ (1 ግንቦት) ከምኡ’ውን ዕለተ ዕረፍቱ (14 ነሐሴ) ንከኽብሩን፣ ነቲ ዝዓረፈሉ መቓብር ክሳለሙን ጸበሉ ክሰትዩን ክሕጸቡን ካብ ርኁቕ ከባቢታት ከይተረፈ ናብዚ ገዳሙ ደብረ ኮል ምስ መጽኡ እዮም።

ስለዚ ተኻፋሊ ጸሎቱን ቃል ኪዳኑን ምእንቲ ኽንከውን መጽሓፈ ገድሉ ኸነንብብን ናብ ገዳሙ ክነግድን ንገዳሙ ጕልበታውን ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ኽንገብረሉ ይግባእ። ነዚ ንምግባር ድማ ረድኤት እግዚአብሔር ኣይፈለየና!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195