banner

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ !

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ !
ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርሚያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ኽትወልድ ኢኻ’ በሎ። ምስ ተንሥአ ኵሉ’ቲ ዝረኣዮ ንዘመደ ማርያም ነገራ። ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ኢሎም ብጸሎትን ምህለላን፡ ምጽዋትን ምቕባል ኣጋይሽን ይነብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግና ሽግርን ኃዘንን ስለ ዘጋጠሞም ከም ኣቦና ኣብርሃምን ኣደና ሣራን ካብ ዓዶም ተሰዲዶም ናብ ጣጥያ (ንኡስ ዞባ ዱባርዋ እምኒ ጸሊም) ከዱ። ኣብዚ ጊዜን ቦታን ስደቶም ድማ ኣብ 1 መስከረም 1425 ዓ.ም. ‘ብፁዓ አምላክ’ ተወልደ።

ተውሳክ፡ . . . ገዳማት ደብረ ምዕዋን ወደብረ ኰዳዱ ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ !

ገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ

      በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ

ገዳም ደብረ ኮል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ እምኒ ኃይሊ ከባቢ መራጕዝ ዝርከብ ገዳም’ዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብአቡነ ብሩከ ኣምላክ’ዩ ተገዲሙ። ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ ካብ ሮማዊ ኣቦኡ ንጉሥ ቴዎቅሪጦስን ጽርኣዊት ኣደኡ ንግሥቲ ሚሊዳማን ባሕቲ ግንቦት ኣብ ቍስጥንጥንያ ዘሮም ብ1920 ዓ.ም. ተወሊዱ። ወለዱ ቅድሚ ንእኡ ምውላዶም፡ ወላድ ስኢኖም ነዊኅ ዓመታት ይኃዝኑን ይጽልዩን ነበሩ። ዝለመንዎ ዘይከልእ ዝነገርዎ ዘይረስዕ ጐይታ ጸሎቶም ሰሚዑ ንቅዱስ ሚካኤል ከበሥሮም ለአኾ።

ተውሳክ፡ . . .ገዳም ደብረ ኮል ሙራደ ቃል ኣቡነ ቡሩከ ኣምላክ

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍኣ ምብራቕ ካብ ዓዲ ፈለስቲ ኣብ 1760 ሜትሮ ብራኸ ይርከብ። እዚ ገዳም’ዚ ብ1327 ዓ.ም. ብዓቢይ ጻድቕ ኣቦ ኣቡነ እንድርያስ እዩ ተገዲሙ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ለዋሃትን ፈርሃት እግዚኣብሔርን ዘለዎም ሥድራ ማለት ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ኣብ እንድርታ ትግራይ ተወልደ። ኣቐዲሞም ዘአማኑኤልን ኣመተ መንፈስ ቅዱስን ውሉድ ስለዘይነበሮም ኣዝዮም ይኃዝኑ፣ ጾም፣ ጸሎትን ምጽዋትን ብብዝኂ የዘውትሩ ነበሩ። ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ እትጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ከይዶም ውላድ ክትህቦም እሞ መብጽዓ ኪህብዋ ተማባጽዑ። ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ቅዱስ ሚካኤል ብየማና፡ ቅዱስ ገብርኤል ከኣ ብጸጋማ ገይራ ብምምጻእ “ ልደቱ ምስ ልደተይ 1 ግንቦት ዝኾነ ቡሩኽ ሕፃን ክትወልዱ ኢኹም” ኢላ ኣብሠረቶም። “ተወልደ ሕፃን በተፍጻሜተ ቀዳማይ ወርኅ ዘውእቱ ኔሳን በወርኀ ልደታ አመ ሠርቁ ለዓኮን ዘውእቱ ግንቦት ወበጊዜ ልደቱ አብርሀ ቤተ ከመ ፀሐይ ወወድቁ ዲበ ምድር እለ ሀለዉ ውስተ ውእቱ ቤት።’ በዚ ኸኣ 1 ግንቦት 1245 ዓ.ም. ተወልደ።

ተውሳክ፡ . . . ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ኣቡነ እንድርያስ (ሰፍኣ)

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ ዓረዛ ንሸነኽ ደቡብ 33 ኪ.ሜ. ከምኡ’ውን ብመራጕዝ ንሸነኽ ምዕራብ ካብ ዓዲ ብሓይላይ 25 ኪ.ሜ. ኣብ ልዕሊ ሩባ ዑበል እዩ።
መሥራቲ ናይዚ ገዳም’ዚ ኣቡነ እንድርያስ እዩ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱሳን ወለዲ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ደቀምሓረ ኮርባርያ (እገላ ኃመስ)ተወልደ። ኣቐዲሞም እዞም ቅዱሳን ወለዲ ቀሺ መንክርን ፀዳለ ብርሃንን ውላድ ስለዘይነበሮም ናብ እግዚአብሔር ብጸሎት ይምኅፀኑ ነበሩ። ድኅሪ ነዊኅ እዋን ድማ ብሩኽን ዓቢይን ውላድ ከምዝወልዱ፡ ስሙ እውን ‘እንድርያስ’ ከም ዝበሃል ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ ኸኣ ኣቡነ እንድርያስ 29 ሚያዝያ ተጸኒሱ፡ 29 ጥሪ ተወልደ። ከም ኵሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኸኣ ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንጥምቀተ ክርስትና ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ እቲ ማይ ከም ጸባ ፃዕድዩ ተራእየ፣ ገና ካብ ዝውለድ ዚጅምር ኣዘንቲኻ ዘይውዳእ፤ ሰሚዕካ ዘይጽገብ ብጸጋ እግዚአብሔር ዘደንቕ መንፈሳዊ ሕይወት ስለዝነበሮ ንመጻኢ ዓቢይ መንፈሳዊ ኣቦ ከምዝኸውን ርጉጽ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ንምንኵስና ዝበቅዕ ውላድ ከምዝህቦን ከይዱ ክባርኾን ብዝገለጸሉ ራእይ ከይዱ ባረኾ።

ተውሳክ፡. . .ገዳም ወግረ ስኂን ኣቡነ እንድርያስ (ዕፉን)

ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሀሎ አሐዱ ብእሲ በአሐቲ ሀገር እንተ ስማ ቡር ሀገረ መስቀል ዘስሙ ንዋየ እግዚእ ወስመ ብእሲቱ ኂሩተ ማርያም / ኣብ ‘ቡር ሃገረ መስቀል (እንዳ መስቀል)’ ትብሃል ዓዲ፡ ንዋየ እግዚእ ዚብሃል ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኂሩተ ማርያም ይነብር ነበረ። ካብዞም ብሕጊ እግዚኣብሔር ዚመላለሱ፣ ኣዝዮም መንፈሳውያን ክልተ ሰብ ቃል ኪዳን ‘ካብ ወይኒ ወይኒ ይፈሪ’ ከምዝበሃል ብዕለት 17 ኅዳር 1404 ዓ.ም ብሩኽ ውላድ ተወልደ። ስመ ክርስትናኡ ኸኣ ‘ሀብተ እግዚእ’ ተባህለ። ኣብ እዋን ምንኵስናኡ ግና ‘ዮናስ’ ተባህለ፣ ዮናስ ማለት ለዋህ፣ ሕያዋይ ርግብ ማለት እዩ።

ኣቡነ ዮናስ ገና ሕፃን ኮይኑ ኣብ ጒስነት ኣባጊዕ ከሎ፡ ቅድሚ ናብ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ምእታዉ ብመንፈስ ቅዱስ መዝሙረ ዳዊት ተገሊጽሉ፡ ብዘይ ምቍራጽ እናጸለየ ከሎ ናይ ምናኔ መንፈስ ኃደሮ። ሽዑ ነቲ ዅሉ ናይ ዓለም ነገር ንድኅሪት ገዲፉ ካብቲ ዝተወልደሉ ሃገር'ውን ርኂቑ ናብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ምድሪ ወዲ ሠበራ ኣብ እትርከብ ደብረ ሲና እትበሃል ገዳም ኣተወ። ኣብዛ ገዳም ብሥጋ ኣኮኡ ዝብጽሖ ኣቡነ ድምያኖስ ዝተባህለ ዓቢይ ባሕታዊ ረኸበ። ኣቡነ ድምያኖስ፡ ምርጫኡ ንምናኔ ምዃኑ ተረዲኡ መጽሐፈ ብሉይን ሓዲስን፡ መጽሓፈ መነኮሳትን ሥርዓት ምንኵስናን ምስ መሃሮ፡ መዓርገ ምንኵስና ኣልበሶ። ስሙ ድማ ‘ዮናስ’ በሎ።

ተውሳክ፡ . . . ገዳም ደብረ ጽጌ ወደብረ ድኁኃን ኣቡነ ዮናስ

ገዳም ደብረ ወርቅ አቡነ ሊባኖስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገዳም ደብረ ወርቅ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ብሸነኽ ደቡብ ካብ ሰርሓ ብእግሪ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን መንገዲ፡ ወይ ውን ብንኡስ ዞባ ጾሮና፡ ካብ ጾሮና ንሸነኽ ደቡብ ብእግሪ ዳርጋ ናይ ኣርባዕተ ሰዓት ምስ ተጓዓዝካ ዝርከብ ገዳም እዩ። ኣብ ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 2275 ሜትሮ ዝርከብ እምባ፡ ኣቀማምጣ መሬቱ ከቢብ ዓንኬላዊ ብእምባ ዝተኸበ መእተዊኡ ብሸነኽ ምዕራብ እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ብ523 ዓ.ም. ብኣቡነ ሊባኖስ ተገደመ።

ኣቡነ ሊባኖስ ትውልዲ ዓዱ ኣብ ቍስጥንጥንያ (ዘሮም) ርእሰ ከተማ ግሪኽ ኮይኑ፡ ኣቦኡ ንጉሥ ኣብርሃም ኣደኡ ንግሥቲ ማርያም (ባዚሊሳ) ይበሃሉ። እዞም ሥድራ ቤት እዚኦም ውላድ ስኢኖም ንብዙኅ ዓመት ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተመላለሱን ንድኻታት እናመጽወቱን ውላድ ክህቦም ንኣምላኽ ይልምኑ ስለዝነበሩ፡ ነዚ ቅዱስ ውላድ ብሠለስተ ሓምለ ሃቦም። ኣቡነ ሊባኖስ ዕድሜኡ ንምስትውዓል ምስ በጽሐ፡ ሥጋውን መንፈሳውን ትምህርቲ ተማህረ። ኣካለ መጠን ምስ ኣኸለ ኸኣ ፍቓድ ሥድራኡ ንኽመልእ ጓል ንጉሥ ቍስጥንጥንያ ተመርዓወ። እንተኾነ ግና “ነቲ ደቁን ንብረቱን ሰበይቱን ኃዲጉ ዝስዕበኒ ዘለዓለማዊ ክብሪ መንግሥተ ሰማይ ኣለዎ” ዝብል ቃል ቅዱስ ወንጌል ዘኪሩ፡ ካብ ኣቦኡን ኣደኡን በዓልቲ ቤቱን ክፍለ ሓሰበ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ እግዚአብሔር ኣምላኽ እቲ ሠናይ ድሌቱ ርእዩ ንቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ሰዲዱ፡ ‘እግዚአብሔር ፈላሲ ኴንካ ክትነብር ኃርዩካ እዩ እሞ ካብ ቤት ኣቦኻን ካብዛ ሃገርን ወፂእካ ሰዓበኒ’ በሎ። ንኣቦይ ክነግሮ እምበር ኢሉ ብልቡ እናሓሰበ ኸሎ፡ ‘ብሕጂ ኣቦኻ እግዚአብሔር፡ ኣደኻ ድማ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን እያ፡ ንዓ ካብዛ ዓለም ናብታ ዘለዓለማዊ ሓጐስ ዘለዋ’ በሎ። በዚ ኸኣ ብቓል መልኣኽ ተሓጕሱ ገለ ነገር ከይተማልአ ነቲ መልኣኽ ስዓቦ እሞ ናብ ግብጺ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ገዳም ናብ ኣቡነ ጳኵሚስ ኣብጽሖ። ካብ ኣቡነ ጳኵሚስ ኣርዑት ምንኵስናን ኣስኬማን ተቐቢሉ ብብሕትውናን ገዳማዊ ሕይወትን ይነብር ነበረ።

ተውሳክ፡ . . . ገዳም ደብረ ወርቅ አቡነ ሊባኖስ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195