banner

ኣኃዝ ግእዝ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣኃዝ ግእዝ

ኣኃዝ ማለት ዓቐንን ብዝኅን መፍለጢ፡ መምዘኒ፡ መሥርዕ መግበሪ፡ ሕሳብ ቀመር መሥርሒ . . . ቍጽሪ እዩ።

ኣኃዝ ግእዝ፦ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ንምግላጽ፡ ገጻት መጻሕፍቲ ንምምዝጋብ፡ ተርታ ምዕራፋት፡ ፍቕዲ ጥቕሲ መጻሕፍቲ ንምምልካት . . .  ዓቢይ ጥቕሚ ኣለዎ። እንተኾነ ግና ባዶ (ዜሮ) ኣኃዝ ንበይኑ ስለ ዘይብሉን ዓበይቲ ቍጽርታት (ልዕሊ ፲) ከም ሓደ ምልክት ስለዝጸሓፉ ሕሳብ(-+*፥) ንምግባር ኣጸጋሚ እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ኣኃዝ ግእዝ

ፊደላተ ግእዝ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ፊደላተ ግእዝ

  ፊደላት(ሆሄያት)፦ መሠረት ቋንቋ፡ ነጸብራቕ ሥርዓትን ባህልን፡ መልክዕ ድምፅን እዮም።
• ፊደላተ ግእዝ፦ ቍጽሮም ዕሥራን ሽዱሽተን (ሀ - ፐ) ብንጽል፡ ኣርባዕተ ከኣ (ቈ - ጐ) ብድርብ እዮም። ብሓፈሻ ፊደላት ግእዝ ሠላሳ (30) እዮም።

ተውሳክ፡ . . . ፊደላተ ግእዝ

ቋንቋ: ፊደልን ጽሕፈትን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

* ቋንቋ:-

ቋንቋ ማለት ብምዝርራብ ኮነ ብምጽሕሓፍ ንመረዳድኢ ዘገልግል፣ ካብ እግዚአብሔር ንኣዳም ዝተዋህበ ጸጋ እዩ። (ዘፍ. ፪፥፲፱-፳/ 2፥19-20)
እዚ ቋንቋ እዚ መላእኽትን ደቂ ሰባትን እናኣጽንዑ: መልክዑ ብሕሊና እናዘከሩ፡ ረቂቕ ኣካሉ ብልሳን እናረምሰሱ ይግልገልሉ ነበሩ።

ሕዝቢ ዓለም ብምሉኡ ሓደ ቋንቋን ሓደ ዘረባን እኳ እንተ ነበረ፣ ብሰንኪ ኃጢኣት ግና ድኅሪ ምፍራስ ሕንፃ ባቢሎን ብሓደ ቋንቋ ከምዘይሰማምዑ ንምግባር ብዝተፈላለዩ 72 ቋንቋታት ከምዝዛረቡ ኮነ።(ዘፍ. ፲፩፥፩-፲/ 11፥1-10)።

ኣብ ብሉይ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝበዝኀ ቋንቋታት፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና ጸጋ ኾይኑ ኣብ በዓለ ኃምሳ ንቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ መሊእዎም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። (ግብ. ፪፥፬/ 2፥4)።

ተውሳክ፡ . . . ቋንቋ: ፊደልን ጽሕፈትን

ልሳነ ግእዝ (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ

ቋንቋ ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያንን ቀዳሞትን ቋንቋታት ዓለም ምዃኑ፡ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙኅ ምርምራት ዘካየዱ ፈላጣትን ምሁራንን ቋንቋ ዚሰማምዑሉ ሓቂ እዩ። እዚ በብጊዜኡ ብጽሑፋዊ መልክዕ ይኹን ብሥነ ዅዕታ ዝተረኽበ ኣሰር፣ ቀዳሞት ዝገደፍዎ መረዳእታታት ድማ ነዚ ብሂል እዚ ዝያዳ እሙን ይገብሮ። ካብ’ዚ ኅልፍ ኢሎም’ውን ሊቓውንተ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ጠባያት ናይ’ዚ ትውፊታዊ መረዳእታ መሠረት ብምግባር፡ ግእዝ፡ ቋንቋ እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ምንባሩ ይጠቕሱ እዮም።በዚ ኸኣ ፣ “ኣዳማዊ ቛንቋ” ይብልዎ።

Read more: ልሳነ ግእዝ (፩ይ ክፋል)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195