banner

ልሳነ ግእዝ ፦ ስም (Noun)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ ፦ ስም

ልሳነ ግእዝ ንምምሃር እቶም ንልሳነ ግእዝ ዘቝሙ መሠረታውያን ዝኾኑ ክፍልታት ምፍላጥ ይግባእ። ንሳቶም ድማ፦
1. ስም
2. ተውላጠ ስም
3. ቅጽል
4. ግሲ
5. መስተዋድድ
6. መስተፃምር
7. ተውሳከ ግሲ
8. ቃለ ኣጋንኖ

1. ስም (noun)

ስም፡- ናይ ኵሉ ንፈጣሪን ፍጡርን፣ ንውልቂ ኮነ ንሓባር፡ ንረቂቅ ኮነ ግዙፍ፡ . . . መጸውዕን መለለይን ኮይኑ ዘገልግል እዩ።
ስም፡ ካብ ነባር ግሲ ኮነ ረባሕታ ግሲ ዝርከብ እዩ።

ስም፡ ኣብ ብዙኅ ከፊልካ ክርአ ይከኣል። ንምሳሌ፦

1. ስመ ባህርይ፦ ፈጣሪ፡ ኣምላክ፡ መንፈስ፡ ነፍስ፡ ብርሃን፡ ጸልማት፡ ሥጋ፡ ብእሲ (ሰብኣይ)፡ ብእሲት (ሰበይቲ)፡ . . . ወዘይመስሎ።
2. ስመ ተፈጥሮ፦ ሰማይ፡ ምድር፡ መልኣክ፡ ሰብእ፡ ፀሐይ፡ ወርኅ፡ ኮከብ፡ እሳት፡ ማይ፡ እንስሳ፡ ኣራዊት፡ ርግብ፡ ኦም፡ እክል፡ ሣዕር . . . ወዘይመስሎ።
3. ስመ ተጸውዖ፦ ኣዳም፡ ወለተ ሚካኤል፡ ገብረ ክርስቶስ፡ ኣሥመራ፡ ኤርትራ፡ ደብረ ሊባኖስ፡ . . . ወዘይመስሎ።
4. ስመ ተቀብዖ (ሢመት) ፦ ንጉሥ፡ ጳጳስ፡ ቀሲስ፡ ዲያቆን፡. . . ወዘይመስሎ።
5. ስመ ንብረት (ብናብራኡ፡ ብኃዳሩ፡ ብጥዕናኡ፡ ብሕማሙ ዚጽውዓሉ)፦ ባዕል (ሃብታም)፡ ነዳይ (ድኻ)፡ ዕውር፡ . . . ወዘይመስሎ።
6. ስመ ግብር (ብተግባሩ፡ ብሥራሑ፡ ብኣካይድኡ ዚጽውዓሉ)፦ ሠናይ፡ ሓሳዊ፡ ርቱዕ፡ ጻድቅ፡ ኃጥእ፡ ምእመን፡ ዓላዊ፡ ፈያታዊ (ሽፍታ)፡ ፈራህ፡ መሐሪ፡ ነጋዲ፡ ልብው፡. . . ወዘይመስሎ።
7. ስመ ዕድመ፦ (ካብ ማኅፀን ኣደ ክሳዕ እርጋን ዘሎ በብዘመናቱ ዚጽውዓሉ)፦ ሕፃን፡ ወሬዛ፡ ኣረጋዊ፡ . . . ወዘይመስሎ።
8. ስመ ኃዳሪ፦ በዓል ቤት፡ ነግድ፡ . . . ወዘይመስሎ።
9. ስመ ማኅደር፦ ሃገር፡ መሬት፡ ርስት፡ ቤት፡ ገነት፡ መንግሥተ ሰማያት፡ ሲኦል፡ ገሃነመ እሳት፡ ማኅደር . . . ወዘይመስሎ።
10. ስመ ኣካል፦ ስን፡ ዓይን፡ እዝን፡ አንፍ፡ ጕርዔ፡ ብርክ፡ እግር . . . ወዘይመስሎ።
11. ስመ ተዛምዶ፦ አብ(ኣቦ)፡ እም (ኣደ)፡ ውሉድ፡ እኅት፡ እኍ . . . ወዘይመስሎ።
12. ስመ ወገን ዓሌት፦ ሕዝብ፡ ኣሕዛብ፡ . . . ወዘይመስሎ።
13. ስመ ዓይነት፦ ፀዓዳ፡ ቀይሕ፡ ጸሊም፡ . . . ወዘይመስሎ።
14. ስመ ቍሳቁስ፦ ሓፂን፡ ዕፅ፡ . . . ወዘይመስሎ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195