banner

ልሳነ ግእዝ፦ መራሕያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ፦ መራሕያን

መርሐ /መራ/ ካብ ዝብል ግስ ዝተረኽበ ክኸውን ከሎ፡ መራሕያን ዝብል ትርጕም ኣለዎ። መራሕያን ዝበሓሉ ብግእዝ ልሣን
ኣሠርተ እዮም።
ንሳቶም ኸኣ ፦


አነ ………………………………ኣነ
አንተ ……………………………ንስኻ
አንቲ ……………………………ንስኺ
ውእቱ ……………………………ንሱ
ይእቲ …………………………….ንሳ
ንሕነ ……………………………..ንሕና
አንትሙ ………………………….ንስኻትኩም
አንትን ……………………………ንስኻትክን 
ውእቶሙ /እሙንቱ/ …………….ንሳቶም 
ውእቶን /እማንቱ/ …………………ንሳተን

መራሕያን ብቦታ ብቝጽሪ ብዓይነት ኣብ ሠለስተ ይኽፈሉ፦
ብቦታ ፦ ርኁቕን ቀረባን። ብቝጽሪ፦ ነጸላን ብዙኅን። ብዓይነት፦ ተባዕታይን ኣንስታይን ይብሃሉ።


፩. ቀዳማይ መደብ / 1st person/ ቀዳማይ መደብ

አነ => ኣነ = I
ንሕነ => ንሕነ = we
፪. ካልኣይ መደብ /2nd person/ ኻልኣይ መደብ
አንተ => ንስኻ = you
አንቲ => ንስኺ = you
አንትሙ => ንስኻትኩም = you (ንቀረባ ተባዕታይ)
አንትን => ንስኻትክን = you (ንቀረባ ኣንስታይ)
፫. ሣልሳይ መደብ / 3rd person / ሣልሳይ መደብ፦
ውእቱ => ንሱ = He
ይእቲ => ንሳ = She
ውእቶሙ => ንሳቶም (እቲኦም) = They (ንርሑቕ ተባዕታይ)
ውእቶን => ንሳተን(እቲኣተን) = They (ንርሑቅ ኣንስታይ)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195