banner

ልሳነ ግእዝ - መራሕያን 2ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ልሳነ ግእዝ - መራሕያን 2ይ ክፋል

ኣገልግሎት መራሕያን ከም ተውላጠ ስም (ክንዲ ስም) ብኸምዚ ዝስዕብ ኣብነት ይግለጽ።
• ውእቱ አእመረ - ንሱ ፈለጠ
• ይእቲ አእመረት - ንሳ ፈለጠት
• ውእቶሙ አእመሩ - ንሳቶም ፈለጡ
• ውእቶን አእመራ - ንሳተን ፈለጣ
• አንተ አእመርከ - ንስኻ ፈለጥካ
• አንቲ አእመርኪ - ንስኺ ፈለጥኪ
• አንትሙ አእመርክሙ - ንስኻትኩም ፈለጥኩም
• አንትን አእመርክን - ንስኻትክን ፈለጥክን
• አነ አእመርኩ (ንተባዕታይን ኣንስታይን) - ኣነ ፈለጥኩ
• ንሕነ አእመርነ (ተባዕታይን ኣንስታይን) - ንሕና ፈለጥና


መላመዲ
1. በዚ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ኣብነት ናይቶም ዝተረፉ መራሕያን ማለት ውእቶሙ፡ ውእቶን፡ አንትሙ፡ አንትን ባዕልና ንሥራሕ፧

2. ነዞም ዚስዕቡ መራሕያን ነዛምድ፦
ሀ ለ
ውእቱ ቀደስነ
ይእቲ ቀደስከ
አንተ ቀደስክን
አንቲ ቀደሰት
አነ ቀደሱ
እሙንቱ/ውእቶሙ ቀደስኩ
እማንቱ/ውእቶን ቀደስክሙ
አንትሙ ቀደሰ
አንትን ቀደሳ
ንሕነ ቀደስኪ

2. መራሕያን ከም ነባር አንቀጽ (verb to be- is/are was/were) ኮይኑ የገልግል።

መራሕያን ከም ነባር ኣንቀጽ ማለት ኣሳሪ ግሢ ኮይኖም ብኣንቀጽነቶም ተተርጕሞም ኪፍትሑ ከለዉ መእሰሪ ይኾኑ። እዚ ኸኣ፦
• ውእቱ፦ ብዝተፈላለየ ዓይነት ማለት ብተባዕታይን ኣንስታይን ብብዙኅን ነጸላን ናይ ኣፈታትሓ መንገዲ ኣለዎ። ንምሉእ ኣረፍተ ነገረ (ምሉእ ሓሳባት) ተረዲና ኂዝዎ ዘሎ ትርጕም ንፈልጥ።
ውእቱ = እዩ፡ ኮነ ፡ ነበረ፡ ኢኹም፡ ነይሮም፡ እየ፡ ኢና ፡ ኢኻ፡ ኢኺ።
ኢሳይያስ ነቢይ ውእቱ - ኢሳይያስ ነቢይ እዩ።
• ይእቲ፦ እያ ፡ ነበረት
ቅድስት ይእቲ ኤልሳቤጥ = ኤልሳቤጥ ቅድስት እያ።
• ውእቶሙ (እሙንቱ) ፦ እዮም፡ ነይሮም።
ኢሳይያስ ወኤርምያስ ውእቶሙ ተነበዩ በእንተ ኢየሱስ - ብዛዕባ ኢየሱስ ዝተነበዩ ኢሳይያስን ኤርምያስን እዮም።
• ውእቶን (እማንቱ)፦ እየን፡ ነበራ።
ድምያና ወአርሴማ ሰማዕታት ውእቶን - ድምያናን ኣርሴማን ሰማዕታት እየን።
• አንተ፦ ኢኻ፡ ዄንኻ፡
አንተ ውእቱ መድኃኔ ኵሉ ዓለም - መድኃኒ ኵሉ ዓለም ንስኻ ኢኻ።
• አንቲ፦ ኢኺ፡ ኴንኪ።
አንቲ ውእቱ ወላዲተ አምላክ - ወላዲተ ኣምላኽ ንስኺ ኢኺ።
• አንትሙ፦ ኢኹም፡ ኴንኩም፡ ነበርኩም።
• ንሕነ፦ ኢና፡ ኴንና፡ ነበርና
• አነ፦ እየ፡ ኮንኩ፡ ነበርኩ።
ኣነ ውእቱ ብርሃኑ ለዓለም - ኣነ ብርሃን ዓለም እየ።

3. መራሕያን ከም ኣመልካቲ የገልግሉ እዮም (this, that, these, those)።

፲ቱ መራሕያን ንዝኾነ ነገር ወይ ኣካል ብተባዕታይን ኣንስታይን፡ ነጸላን ብዙኅን፡ ቀረባን ርኁቕን ከም ኣመልካቲ (demonstrative) ንግልገለሎም ኢና።


ኣብነት፦ ውእቱ ብእሲ ሖረ ኀበ ቤተ ክርስቲያን - እቲ ሰብኣይ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዱ።
ይእቲ ብእሲት መጽአት እም ቤተ ክርስቲያን - እታ ሰበይቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን መጺኣ።
ውእቶሙ ካህናት ተጋብኡ በቤተ ክርስቲያን - እቶም ካህናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተጋቢኦም።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195