banner

ልሳነ ግእዝ (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ

ቋንቋ ግእዝ ሓደ ካብቶም ጥንታውያንን ቀዳሞትን ቋንቋታት ዓለም ምዃኑ፡ ኣብዚ ዓውዲ’ዚ ብዙኅ ምርምራት ዘካየዱ ፈላጣትን ምሁራንን ቋንቋ ዚሰማምዑሉ ሓቂ እዩ። እዚ በብጊዜኡ ብጽሑፋዊ መልክዕ ይኹን ብሥነ ዅዕታ ዝተረኽበ ኣሰር፣ ቀዳሞት ዝገደፍዎ መረዳእታታት ድማ ነዚ ብሂል እዚ ዝያዳ እሙን ይገብሮ። ካብ’ዚ ኅልፍ ኢሎም’ውን ሊቓውንተ ቤተ ክርስቲያን ቅኑዕ ጠባያት ናይ’ዚ ትውፊታዊ መረዳእታ መሠረት ብምግባር፡ ግእዝ፡ ቋንቋ እቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ምንባሩ ይጠቕሱ እዮም።በዚ ኸኣ ፣ “ኣዳማዊ ቛንቋ” ይብልዎ።


ቋንቋ ግእዝ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ሥርዐተ ቋንቋ ፡ መበቆላዊ ዝኾነ ጽሑፋውን ንባባውን ሕግን ጠባያትን ዚውንን ቋንቋ እዩ። በዚ ቋንቋ እዚ ኸኣ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ብራና ኣብ ዝተፈላለየ ኣገደስቲ ዓውድታት ማለት ሃይማኖታውን ታሪኻውን፡ ሕጋውን ፍልስፍናውን፡ ሓሳበ ዘመንን ቀመረ፡ ሕሳብን (ቍጽርን)፡ መጽሕፍተ መድኃኒት፡ መጻሕፍተ ዜማ፡ ሥነ ፍልጠታዊ ጽሑፋት፡ መዛግብተ ቓላት፡ መጻሕፍተ ሰዋስው፡ መጽሓፈ ፈለክ ወዘይመስሎ ተጻሒፎም እዮም። ኣብ’ቲ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎቱ ከከም ኣገልግሎቶምን መልእኽቶምን፦ ብሉያትን ሓዲሳትን፡ ገድልታትን ድርሳናትን፡ ተኣምራትን ጸሎታትን፡ ቅዳሴያትን ውዳሴያትን ወዘይመስሎ ተባሂሎም ዚኽፈሉ ኣማእት መጻሕፍቲ ምጥቃስ ይከኣል። ብታሪኻውን ሕጋውን መዳያት ድማ ክብረ ነገሥት፡ ፍትሐ ነገሥት ከም ኣብነት ዝጥቀሱ ኮይኖም፣ ብመንጽር ፍልስፍናውን ምርምራውን ጽሑፋት ድማ መጽሐፈ ጠቢበ ጠቢባን፡ ኣንጋረ ፈላስፋ። ኣብ ሓሳበ ዘመንውን ኣቡሻሕር፡ ባሕረ ሓሳብ፡ መርሐ ዕዉርን ወዘይመስሎ ዚጥቀሱ እዮም።
ብሓቂ ብቋንቋ ግእዝ ኣብ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ምርምር ዘካይድ ሰብ፡ ክበጽሖ ካብ ዝኽእል መደምደምታ እቲ ሓደ፡ ብቋንቋ ግእዝ ዘይተጻሕፈ ወይውን ቋንቋ ግእዝ ዘይዳህኅሠሦ ዓውደ ፍልጠት ከም ዘየልቦ እዩ። ዋላ ብዘመናዊ ገጻቱ ክንርኢ ኸሎናውን ሥነ ሕክምና፤ ሥነ ሕንፃ፤ ሥነ ፍልጠት፤ ሥነ ሕይወት ወዘይመስሎ ኣካል ናይዚ እንብሎ ፍልጠታት እዩ። ብግቡእ ኣይተዳኅሠሠን እምበር፤ ዓበይትን ጥንታውያንን ገዳማትና፤ ነዚ ዅሉ ኅሉፍን መጻእን ዚትንትን ፍልጠት ኣብ ከርሠ መዛግብተን ሓቝፈን ይርከባ። ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቅበጊዮርጊስ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘንን ገዳም ደብረ መርቆሬዎስን ካብ ዝርከቡ ብራናታት ኣሰናዲኦም፣ “ኣንጋረ ፈላስፋ” ብዝብል ስም ዘኅተምዎ ዕፁብ ምዕዶ ሕይወት ዝኃዘለ ፍልስፍና ቐዳሞት ዘቀናበረ መጽሓፍ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ይኾነና እዩ።
ዝጠፍኡን ዝተረስዑን ጥንታውያን ታሪኻት ዓለም ኣብ መጻሕፍተ ግእዝ ተዓቂቦም ተረኺቦም እዮም። እዚውን ምዕቃብ መጻሕፍቲ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ክቡር ባህልን ዝጸንሐ ሥርዓትን ስለዝኾነ እዩ። ዝቐደመ ታሪኽን ምስሊ ጥንታዊ ዓለምን ኪመራመር ዚብገስ ወይ ዚደሊ ዝኾነ ሰብ፡ ካብ’ቶም ክፈልጦምን ከጽንዖምን ዝግብኦ ውኁዳትን ግና ኣገደስቲ ቋንቋታት ዓለም እቲ ሓደ ግእዝ ምዃኑ እናተጋህደ ዝመጽእ ዘሎ ሓቂ እዩ። ምኽንያቱ በዚ ቋንቋ እዚ ብዙኅ ታሪኻት ተዓቂቡ ኣሎ። ስለዚ እዮም ድማ ኤውሮጳውያን መጻሕፍትና ኪርእዩን ኪመራመሩን ዝጸንሑ፤ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናብ ዓዶም ዘእተውዎም መጻሕፍተ ግእዝ ኸኣ ኣብ ኣብያተ መዘክራቶም ይርከቡ። በዚ ከይተሓጽሩውን ኣብ ዝተፈለለየ ሃገራት ከም ቋንቋ ሰፊሕ ምርምራትን መጽናዕትን ዝገብሩሉ ኣለዉ።
ዓለም ብእተካይዶ በቲዅላ መዳያዊ ምርምራትን በጺሓቶ ዘላ ደረጃን ርክባትን ከይተበጽሐ ኸሎ፡ እቶም ዝቐደሙ ኣበው ንገሊኡ ኣቐዲሞም ተዛሪቦሙሉ ከም ዝነበሩ ብግእዝ ዝተጻሕፉ መጻሕፍቲ ዚምስክርዎ እዩ። ገና ኣብዚ ዘመን እዚ ዘይተበጽሐ ደረጃ ምርምርን ገሊኡ’ውን ኪብጻሕ እዩ ዘይበሃል ረቀቕትን መንፈሳውያንን ነገራት፡ ኣብ ብራናታት ግእዝ ተዓቝሩ ከምዘሎ ሊቃውንቲ ዚጠቕስዎ እዩ። ቋንቋ ግእዝ፣ ሎሚ ክንጓዓዘሉ ዝግብኣና ፍኖት ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኅሉፍን መጻእን ኣጕሊሖም ከርእዩና ዝኽእሉ ጽሕፋት ዝተጻሕፈሉን ተዛማዲ ምልኣት ዝርከቦን ሃብታም ቋንቋ እዩ።
ግእዝ ኵለንተናዊ ቋንቋ ኮይኑ ንመዋዕል ዘገልገለ ክቡር ሃብትን ዋኒንን ሃገር እዩ። ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከቡ ቋንቋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ፊደልን ኣኃዝን ዝውንን ቋንቋ ግእዝ እዩ። እቶም ፊደላቱ’ውን ርቀትን ምጥቀትን ብዘለዎ ሥነ ጽሑፍ ዝሃብተሙ ኮይኖም ኣብ ምድረ ኣግዓዚ ንመዋዕል ኣብ ኣገልግሎት ዝጸንሑ ይኹኑ ደኣ እምበር፣ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ንሃገርና ዚምልከትን ኣብዚ ምድረ ኣግዓዚ ሥልጡን ቋንቋ ምንባሩን እሙን ነገር እዩ። ግእዝ ከም ጥንታዊ ቋንቋ ዘለዎ ኣበርክቶ ኣብ ቦታኡ ኾይኑ፡ ኣብ ምምሥራትን ምምዕባልን ቋንቋታት ዝተጻወቶን ዝጻወቶ ዘሎን ተራ ልዑል እዩ ክበሃል ይከኣል።
ግእዝ ዝወለዶም ቋንቋታት ኣዝዮም ብዙኃት እኳ እንተኾኑ፡ ብቐጥታ ዝወለዶም ተባሂሎም ካብ ዚፍለጡ ቋንቋታት ክልተ ሲሶ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ፤ ንሳቶም ከኣ እቶም ዝበዝኁ ሕዝቢ ሃገርና ዝዛረቡሎምን፡ ብመንጽር መልክዕ ምድራዊ ሸፈነ’ውን ዝበዝኅ ክፋል ሃገርና ዚሽፍኑ ኽልተ ኣኅዋት ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን እዮም። ስለዚ ድማ ግእዝ ካብ ዝኾነት ካልእ ሃገር ንላዕሊ ነዚ ምድረ ኣግዓዚ ብመጀመርታ ዝብጽሖ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ። ብዙኅ ምርምር ዘድልዮ እኳ እንተኾነ፤ ብሽፍኑ ቋንቋ ትግረ ብፍላይ ከኣ ብዘለዎ ተመሳሳልነት ሰዋስውን ብዝኂ ቓላትን ኣደማምጻኡን ካብ ዝኾነ ካልእ ቋንቋ ብዝያዳ ንግእዝ ዝቐርቦን በዅሪ ውሉድ ግእዝ ተባሂሉ ኪንገር ዚከኣልን ይመስል። እዚ ምድረ ኣግኣዚ ኣብ ገዳማት ብዘሎ ጽሑፋዊ (ብራናዊ) ሃብቲ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ውሽጢ ኅብረተ ሰብ ብጽሑፍ ዝተሰነደ ሕግታት እንዳኣባ ዝርከባ እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ተባሂላ ምጥቓሱውን ግእዝ ኣብ ኅብረተ ሰብ ሃገርና ክሳዕ ክንደይ ማዕቢሉ ምንባሩ ዘረድእ እዩ። እቲ ረባሕታ ዘይነበሮ ጥንታዊ ፊደላት ግእዝ ኣብ ዉቑር ሓወልቲ ታሪኻዊት መጠራ ምርካቡ፤ ቅድምናን ልዕልናን ግእዝ ይምስክር።
ግእዝ ከም’ቲ ዚግባእ ክዕቀብ ክትንሥእን እንተኽኢሉ ኣብ ብዙኅ ዓውድታት ዝህልዎ ኣበርክቶ ልዑል እዩ። ኣብ ምርምራዊ ሥራሓት ታሪኽ ዓለምን ፡ ምዕባለ ቋንቋታትን ሥነ ጹሑፍ፡ ሥነ ሥእል፣ ዘለዎ ኣበርክቶ ልዑል እዩ።
ስለዚ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ሃብቲ ሃገርን ስለዝኾነ ኵሉ መዳያዊ ኣገዳስነቱ ተራእዩ ንዕብየቱ ኪሥርሓሉ ዚግባእ እዩ። ብፍላይ ኸኣ ተመሃሮ ምእንቲ ኪፈልጥዎን ኪመሃርዎን ኣብ ሃገራዊ ሥርዓተ ትምህርቲ እንተዚተኣታቶ፤ ኣብ ቤተ ክርስቲያን’ውን መንእሰያት ብዝቐለለ መንገዲ ከጽንዕዎ ዚኽእለሉ መንገዲ እንተዝፍጠር፤ ብዝለዓለ ዓውዲ ኣብ መካነ ምርምራት ቦታን ኣቓልቦን እንተዝወሃቦን ንእኡ ዝምልከት ክፍሊ እንተዚቐውምን፤ ኵሎም ኣብዚ ዓውዲ እዚ ዝለዓለ ሞያ ዘለዎም ሊቃውንቲ ብውሕደት ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ እንተዚግበር ክንደይ ሠናይ ምኾነ።
እቶም ዝቐደሙ ኣበው ብራና ፍሒቖም፣ ቀለም በጽቢጾም፣ ክንደይ ዝኣክል ጕልበትን ጊዜን ንዋትን ኣጥፊኦም፣ ንውሉድ ወለዶ ዚኸውን ዓቢይ ሃብቲ ገዲፎሙልና ከብቅዑ፤ ንሕና ኣብ ዝማዕበለ ዘመን በጺሕና ኣሎና እንብል ክንድቲ ናቶም ከነበርክት ይትረፍሲ ነቲ ዝገደፍዎ ፍልጠትን ትምህርትን እኳ ከነንብቦን ክንጥቀመሉን ኣይከኣልናን። እቲ ዝያዳ ዘሰክፍ ድማ ገሌናስ ካልእ ክንደይ እናፈለጥና፡ ነዚ ኣቦታትና ዝገደፉልና ጽሑፋዊ ሃብቲ እኳ ስሙ’ውን ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ ምዃንና እዩ። ባዕዳውያን ብዛዕባ መንነትናን ታሪኽናን ብዝደለይዎ መንገዲ ኪሥእልዎ እናፈተኑ፤ ንሕና ኸኣ ኣብ ሃብታም ታሪኽና ዘሎና ኣፍልጦ ትሕት ዝበለ ኾይኑ ይርከብ። እቲ ንሳቶም ዚብሉና ጥራይ ዘይኮነስ ጥንታውያን መጻሕፍትና ዘቐመጡልና ታሪኽ’ከ መን ክርእየልና ንጽበ፧ ስለዚ ነዚ ክንፍትሽን ክንፈልጥን እንተደኣ ኮይንና መሠረታውን መባእታውን ትምህርትን ኣፍልጦን ግእዝ ክህልወና ከምዝግባእ ክንርዳእ የድሊ።
ግእዝ ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝሓስብዎ ምዉት ዘይኮነስ፣ ሕያው ቋንቋ እዩ። ደኺሙ ምህላዉ ዘይከሓድ እኳ እንተኾነ ንሕውየትን ትንሣኤን ዘለዎ ተስፋ ግና ልዑል እዩ። ዘመን ዝኃለፎን ኣብ ዓራት ሕማም ተደኒሱ መዓልቲ ሞቱ ዚጽበን ከኣ ኣይኮነን። ተገዳስነትን ክንክንን እንተደኣ ረኺቡ ዳግማይ ሞያኡን ኣገዳስነቱን ዘርእየሉ ዘመን ርኁቕ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቤተ ቅድስት ክርስቲያን ብዘለዎ ኣገልግሎት ጥራይ ዘይኮነስ ብዘለዎን ዝገደፎን ጽሑፋውን ካልእ ሓድግታትን ብዝፈረዮም ደቁን ሕያው እዩ። ሎሚውን ኵሉ ሥርዓቱን ባህሉን ዚፈልጡን፡ ዚምህሩሉ መምህራንን ዚራቐቑሉ ሊቃውንትን፡ ኣሰሮም ዚስዕቡ ተማሃሮ ቅኔን ክሳዕ ዘለዉዎ ድማ “ምዉት” ተባሂሉ ኣይዝንጠልን እዩ። ደቁ ከኣ ህላዌ መሠረቶም ዝኾነ ሃብታም ኣቦኦም ንዕብየቶምን ርትዕነቶምን ስለዘድልዮም ወትሩ ናብኡ ምስ ኣንቃዕደዉ እዮም። ዘዕግብን መበቈላውን ሥርወ ቓላት ንምርካብን፤ ርቱዕ ሰዋስው ንምውናንን፣ ቋንቋታት ሃገርና ናብቲ ምንጮም ኪውከሱ ይግባእ።

ነገረ ልሳነ ግእዝ ኣዝዩ ቀዳማይን ሃብታምን ኣገዳስን ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እተን ብቝጠባ ሠልጢነን ዚብሃላ ባዕዳውያን ሃገራት ተገዲሰን ኪሠርሓሉ እናረኣና፤ እቶም ዋናታት ግእዝ ዝኾንና ግና ብሰንኪ ሕጽረት ኣፍልጦ ቋንቋ ግእዝ፡ ሰዋስውና ኪተሓናፈጽ ብሸለልትነት ርኢና። እዚ ገና ዘይተገልጸ ካብ ገዛእ ርእሱ ኃሊፉ ንደቁን ደቂ ደቁን ዚተርፍ ሃብታም ታሪኽናን ጥንታዊ ቋንቋናን’ዩ። ሰለዚ ክቡራን ክቡራትን ተዓዘብቲ ልሳነ ተዋሕዶ ብዛዕባ እዚ ሃብታም ቋንቋና ክንግደስ ኣሎና እናበልና ናይ ሎሚ ጽሕፍና ኣብዚ ንዛዝም ኣብ ዝመጽእ ብሰለም የራኽበና።
ልዑል እግዚኣብሔር ሕዝብናን ሃገርናን ይባርኸልና።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195