banner

ቋንቋ: ፊደልን ጽሕፈትን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

* ቋንቋ:-

ቋንቋ ማለት ብምዝርራብ ኮነ ብምጽሕሓፍ ንመረዳድኢ ዘገልግል፣ ካብ እግዚአብሔር ንኣዳም ዝተዋህበ ጸጋ እዩ። (ዘፍ. ፪፥፲፱-፳/ 2፥19-20)
እዚ ቋንቋ እዚ መላእኽትን ደቂ ሰባትን እናኣጽንዑ: መልክዑ ብሕሊና እናዘከሩ፡ ረቂቕ ኣካሉ ብልሳን እናረምሰሱ ይግልገልሉ ነበሩ።

ሕዝቢ ዓለም ብምሉኡ ሓደ ቋንቋን ሓደ ዘረባን እኳ እንተ ነበረ፣ ብሰንኪ ኃጢኣት ግና ድኅሪ ምፍራስ ሕንፃ ባቢሎን ብሓደ ቋንቋ ከምዘይሰማምዑ ንምግባር ብዝተፈላለዩ 72 ቋንቋታት ከምዝዛረቡ ኮነ።(ዘፍ. ፲፩፥፩-፲/ 11፥1-10)።

ኣብ ብሉይ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝበዝኀ ቋንቋታት፣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ግና ጸጋ ኾይኑ ኣብ በዓለ ኃምሳ ንቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ መሊእዎም ብኻልእ ቋንቋታት ኪዛረቡ ጀመሩ። (ግብ. ፪፥፬/ 2፥4)።

* ፊደል ፦

ፊደል ማለት “ፈደለ” ካብ ዚብል ግሢ ዝተወርሰ ኮይኑ “ጸሓፈ” ማለት እዩ። መልክዕ ሰብ ኣብ መስትያትን ኣብ ሥእልን ከምዚርአ ረቂቕ ሓሳብ ድማ ብፊደል ይግለጽ። መሠረት ቋንቋ ድምፅታት እዮም። ድምፅታት ብፊደል ተወኪሎም ቃላት የቝሙ። ብቓላት ከኣ ሓሳባት ይግለጹ።

ሰብ: ንሓሳባቱ ብዝርአን ብዝድኅሠሥን ንኪገልጽ ዘኽእሎ ፊደላት ስለዝኾኑ፡ ዓይኒ እናረኣየ፡ ኢድ ድማ ብጽሕፈት ነቲ ሕሊናኡ እናሓገዝዎ ሓሳቡ ብጽሑፍ ምእንቲ ክገልጽ ኢሉ መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር ብዛዕባ ኵነታት ቋንቋን መልክዕን ቅርጽን ፊደላት ንደቂ ሰባት ኪምህር ፈቐደ።
እንሆ ኸኣ ካብ ኣዳም ሣልሳይ ትውልዲ ንዝኾነ ሄኖስ ፣ ነቲ ኣብ ልሳን ተዋሒጡን ተሠዊሩን ዝነበረ ኣካሉ ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ ጽሒፉን ቀሪጹን ገለጸሉ። ከም ሥእሊ ኣብ ልቡ ተቐሪጹ ከም ዝተርፍ ውን ገበረሉ። እዚ ዝኾነሉ 1235 ዓመተ ዓለም እዩ።

* ጽሕፈት ፦

እግዚአብሔር ኣምላኽ መልክዕን ቅርጽን ፊደላት ኣብ ጸፍጸፍ ሰማይ ጽሒፉን ቀሪጹን ንደቂ ሰባት ድኅሪ ምምሃሩ፡ ንፊደላት ኣብ ቃላት ሠሪዑ ምጽሓፍ ዝጀመረ “ሄኖክ ወዲ ያሬድ” እዩ። “ወውእቱ ቀዳሚ ተምህረ መጽሐፈ: ወትምህርተ: ወጥበበ እምዕጓለ እመ ሕያው እምእለ ተወልዱ ዲበ ምድር/ ኣብዚ ዓለም ካብ ዝተወልዱ ሰባት፣ ንሱ ኣቐዲሙ መጽሓፍን ትምህርትን ጥበብን ተማህረ” ይብል።(ኩፋ. ፭፥፳፪-፳፭)
ሄኖክ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝነብር ዝነበረ ደኃር ብኣምላኽ ተወሲዱ ዝተሠወረ ዓቢይ ናይ እምነት ኣቦ እዩ። (ዘፍጥ. ፭፥ ፳፩-፳፬/ 5፥24-25)፤ (ዕብ. ፲፩፥፭-፮/ 11፥5-6) ጽሕፈት ዝጀመረ ብ4014 ዓመት ቅ.ል.ክ እዩ።

ድኅሪ'ዚ ግና ወዲ ሰብ “ኣብ ቃል ዘሎ ይርሳዕ፡ ኣብ ጽሑፍ ዘሎ ግና ይውረስ” እናበለ ጽቡቕ ይኹን ክፉእ ሓሳቡ ኣብ ብራና፡ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ፣ ኣብ ዕንፀይቲ፡ እምኒ ወይ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ማዕድናት ቀሪጹ ከቐምጥ ጀሚሩ።
ብፍላይ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ከውሒ (ሓወልቲ)፡ ሠሌዳ፡ ጡብን ብራናን ይጸሓፉ ነበሩ። (ኢዮ. ፲፱፥፳፬/ 19፥24፣ ኢሳ. ፴፥፰/ 30፥8፣ ሕዝ. ፫፥፩/ 3፥1፣ ፪ይ ጢሞ. ፬፥፲፫/ 4፥13)
እቲ ጽሕፈት'ውን ናይ ሠሌዳ፡ ጥቅሉል፡ ወይ'ውን መልክዕ ጥራዝ ነበሮ። (ኢሳ. ፰፥፩/ 8፥1፣ 2ይጢሞ ፬፥፲፫/ 4፥13)።
ንመጽሓፊ ኸኣ ብርዕን ቀለምን ይጥቀሙ ነበሩ። (ኤር. ፰፥፰/ 8፥8፣ ፪ይዮሓ. ፩፥፲፪/ 1፥12፣፫ይዮሓ. ፩፥፲፫/ 1፥13)።

                                                                                                      ወስብሐት ለእግዚአብሔር

† † †

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195