banner

መዝሙር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

* ትርጕም መዝሙር፥
ካብ “ዘመረ” ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝተረኽበ ባዕድ ዘርኢ ኾይኑ ‘ምስጋና’ ማለት እዩ።
1. መዝሙር፥ ስልቲ ብዘለዎ ልቢ ብዝመስጥ ቃና ተቐናባቢሩ ካብ ጐሮሮ ብዝወፅእ ድምፂ ይዝመር።
2. መዝሙር፥ ምስጋናን ልማኖን ጠሚሩ ዝኃዘ ዓቢይ ክፋል ጸሎት እዩ።
3. መዝሙር፥ ዝተቓነየ ወይ’ውን ብዜማ ዝተሰነየ ቃላት ድምፂ እዩ።
4. መዝሙር፥ ብመሠረት ሥርዓት ዝማሬ ቤተ ክርስቲያን፡ ብዜማ ዝቐርብ ምስጋና እዩ።

Read more: መዝሙር

ቅኔ (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

* ትርጕም 

ቅኔ፥ “ቀነየ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወፅአ ኾይኑ “ተቀነየ፡ ገጠመ፡ ቈዘመ፡ ዘመረ፡ ተፈላሰፈ. . . ” ማለት እዩ። ሰብ ብፍልጠት ተራቒቑ፡ ኣመሣጢሩ፡ መሲሉ፡ ግጥሚ ገጢሙ ካብ ርእሱ ኣንቂዑን ካብ ልቡ ኣፈልፊሉን ዘቕርቦ ድርሰት እዩ። ብሓፈሻ ንእግዚአብሔር ዚቐርብ ሓድሽ ምስጋና፡ ቅኔ ንብሎ። (መዝ. 149፥1)።
ድርሰተ ቅኔ፡ ጊዜ ከይወሰኖ በብእዋኑ ዚነብር ብምዃኑ፣ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተጀመረ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና። ኣብ ዘመነ ንጉሥ ዳዊት ከምዚ ዝብል ንረክብ፥ “ ንእግዚአብሔር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ። ግብርታቱ ኣብ መንጎ ሕዝብታት ንገሩ። ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ። ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ።”(1ይ ዜና 16፡8-9) ከምኡ ውን ኣብ ትንቢተ ኢሳይያስ “ንፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኑ እቕነየሉ (እዝምረሉ) ኣሎኹ።” (ኢሳ. 5:1) ዝብል ኣሎ። ናይ ቅኔ ጥንታውነትን መንፈሳውነትን ውን ኣብ ሓድስ ኪዳን ተገሊጹ ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽታቱ ኪጠቅስ ከሎ፥ “ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቅኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቀኔኹምን እናደረስኩምን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።” (ኤፌ. ፭፥፲፱/ 5:19)፣ “ብመዝሙር ውዳሴን መንፈሳዊ ቅኔን ንሓድሕድኩም ክትምሃሩን ክትመዓዱን፡ ብልብኹም ውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይኅደርኩም።” (ቈላ. ፫፥፲፮-፲፯/3:16-17) ይብል።

*ታሪኽ

ናይ ግእዝ ቅኔ፥ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ዓሚቝ ምሥጢርን፣ ሰፊሕ ኣገልግሎትን ነዊኅ ታሪኽን ዘለዎ መንፈሳዊ ድርሰት እዩ።

Read more: ቅኔ (፩ይ ክፋል)

ዜማ (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ

ዜማ ማለት ድምፂ ምስጋና፣ መዝሙር ሓጐስ ፣ ናይ ኃዘን ልቅሶን ካልኦት ኵሎም ስምዒታትን ዝገልጽ እዩ። ዜማ ንምስጋና እግዚኣብሔር፣ ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝቐርብ እዩ። ደራሲ ናይ’ዚ ዜማ ቤተ ክርስቲያን'ዚ ድማ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ እዩ።
ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ
'ኣብ ወርኂ ታኅሣሥ ዕለቱ ሰኑይ፡ ሰዓቱ ሰዓት ፫ተ ብግዕዝ (9ተ)፡ ኣብ ቅድሚ ታቦተ ጽዮን ኣክሱም ደው ኢሉ ድምፁ ዓው ብምባል “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ለመንፈስ ቅዱስ፡ ቀዳሚሃ ለጽዮን ሰማየ ሣረረ፡ ወበዳግም ኣርኣዮ ለሙሴ ዘከመ ይገብር ግብራ ለደብተራ/ ሃሌ ሉያ ንአብ፡ ሃሌ ሉያ ንወልድ፡ ሃሌ ሉያ ንመንፈስ ቅዱስ፡ ንሰማይ ፈጠሮ ደጊሙ'ውን ንሙሴ ናይ ደብተራ ሥራሕ ኣርኣዮ” (ዘፀ. ፳፭፥፰-፲/25፥8-10)። እዚ ዕፁብ ድንቂ ዝኾነ ዜማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣዜመ፡ ነዚ ዜማ'ውን ካብ መላእኽቲ ወይ ካብ ሰማይ ዝተረኽበ እዩ ንክብል “ማኅሌት ኣርያም” በሎ። እዚ ዜማ’ዚ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ከይጠፍአ ዝነብር እዩ። ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዜማ ዘዝየመን “ኣርያም” ኢሉ ዝሰመዮን ኣቦና ቅዱስ ያሬድ እዩ።

Read more: ዜማ (፩ይ ክፋል)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195