banner

ጉባኤያተ ቅኔ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጉባኤያተ ቅኔ (ዓይነታት ቅኔ)

ዓይነታት ቅኔ ዝተፈላለዩ ነናቶም ስምን ትርጕምን ሓተታን ዘለዎም እዮም። ንሳቶም ኸኣ፦

1. ጉባኤ ቃና   2. ዘአምላኪየ   3. ሚ በዝኁ   4. ዋዜማ   5. ሥላሴ   6. ዘይእዜ   7. መወድስ   8. ክብር ይእቲ   9. ዕጣነ ሞገር

1. ጉባኤ ቃና
‘ጉባኤ ቃና’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ኣብ ዕለተ 12 ጥር ቃና ዘገሊላ፡ መምህርን ንጉሥን ስለ ዝደረስዎ እዩ። ቅኔ ጉባኤ ቃና፡ ክልተ ቤት ዚኃዘ እዩ። ኽልተ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ናይ ትስብእትን መለኮትን ምሳሌ እዩ። እዚ ቅኔ’ዚ ንተማሃሮ ቅኔ ብቐሊሉ ኺገጥሙ ስለዝሕግዝ ከም መጀመሪ መበገሲ መኽፈቲ ኣፍ ቅኔ እዩ።

ቅኔ ጉባኤ ቃና ክፋላት ኣለዎ። እዚኣቶም ከኣ፦
ሀ. ዕዝል ጉባኤ ቃና
ለ. ግእዝ ጉባኤ ቃና
ሐ. ሓፂር ጉባኤ ቃና
መ. ነዊኅ ጉባኤ ቃና


ኣብ ግእዝ ይኹን ዕዝል ጉባኤ ቃና እዞም ነዊኅን ሓፂርን ጉባኤ ቃና ይርከቡ። ነዊኅን ሓፂርን ጉባኤ ቃና ዝተባህለ ሓረጉ ነዊኅ ወይ ሓፂር ስለዝኾነ እዩ። ቤቱ ግና ሓደ ዓይነት ኽልተ ቤት እዩ።

እዚ ዓይነት ቅኔ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ኣምላኪየ ኣምላኪየ እገይሥ ኀቤከ” ተባሂሉ መወድስ ኣብ ዝበሃለሉ ጊዜ ፡ ስብሐተ ነግህ ምስ በጽሐ ፡ ረቡዕን ዓርብን እንተ ደኣ ኾይኑ ዕዝል ጉባኤ ቃና ይበጽሕ። ዓቢይ ጾም ኣብ ዝኾነሉ ጊዜ ግና ግእዝ ጉባኤ ቃና ይበጽሕ። እዚ ጉባኤ’ዚ ዓበይቲ በዓላት ስብሐተ ነግህ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ ብመጀመርታ ዝበጽሕ ቅኔ’ውን እዩ። ብፍላይ ስብሐተ ነግህ ኣብ ዝቕወመሉ ጊዜ ረቡዕን ዓርብን ይበጽሕ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ነገረ መስቀል (ስቓይ ጐይታ) ስለ ዘመልክተልና እዩ።

ንምሳሌ፦ ዕዝል ጉባኤ ቃና

ለጸብሕ ሞት ጸዋሚ መልአከ ሰማይ ኀደጋ፣
ጸብሕ ሞት እስመ አምጣነ ተሠርዐት በሥጋ።

ትርጕሙ፡-

ነዛ ጸብሒ ሞት ጸዋሚ መልኣኽ ሰማይ ኣብይዋ። ምኽንይቱ እዛ ጸብሒ ሞት ብሥጋ ስለዝተሠርሐት።

ግእዝ ጉባኤ ቃና

ከዋክብት ሕዝብ ይሰግዱ ለሥዕለ አድኅኖ ስቅለት፣
እስመ ሠአላ ጠቢብ ፈጣሪ በልብሰ ማርያም ትስብእት።
ትርጕሙ፡- ከዋኽብቲ ሕዝቢ፡ ንሥእለ ኣድኅኖ ስቕለት ሰገዱ፡ ከመይ ጥበበኛ ፈጣሪ በቲ ልብሲ ማርያም ዚተባህለ ቐለም ሰብነት ሠሪሕዎ እዩ።

2. ዘአምላኪየ

ቅኔ፡ ‘ዘአምላኪየ’ ዝተባህለሉ ምኽንያት ናይ ኣምላኸይ ነገር ዕፁብ ድንቂ እዩ ንምባል እዩ። ከምኡ’ውን “አምላኪየ አምላኪየ እገይሥ ኀቤከ/ ኣምላኸይ ኣምላኸይ ናባኻ አንግህ ኣለኹ” (መዝ. 62፡1) ዝብል መዝሙር ዳዊት እናተዘመረ ስለ ዝበጽሕ እዩ። ቅኔ ዘአምላኪየ ሠለስተ ቤት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ናይ ሥላሴ ምሳሌ እዩ። ዜማኡ ኵሉ ጊዜ ዕዝል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ማለት ኣብ ዓቢይ ጾም፡ መወድስ ተቖይሙ ስብሐተ ነግህ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ ብፍላይ ከኣ ሰኑይን ሠሉስን ኃሙስን ይበጽሕ።

ንምሳሌ፦

ሙሴ በታቦር እመ ትሬኢ ደመና፣
ኢይምሰልከ እስኩ ዘይወርድ መና፣
ርደተ መና ጥዑም አምጣነ ተርፈ በሲና።

ትርጕሙ፦

ሙሴ ኣብ ደብረ ታቦር ደመና እኳ እንተረኣኻ መና ዚወርድ ኣይምሰልካ፡ ከመይ እቲ ናይ መና ምውራድሲ ኣብ ደብረ ሲና ተሪፉ እዩ።

3. ሚ በዝኁ (ሚ ይበዝኁ)

ሚ በዝኁ ዝተባህለሉ ምኽንያት ምሥጢራተ ሥላሴ እምብዛ ብዙኃት እዮም ንምባል እዩ። ከምኡ’ውን “እግዚኦ ሚ በዝኁ” (መዝ. 3፡1) ዝብል መዝሙረ ዳዊት እናተዘመረ ስለ ዝበጽሕ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ ዓቢይ ጾም ሰንበትን ኣብ ካልእ ጊዜ መወድስ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜን ዝቅነ እዩ።

እዚ ቅኔ’ዚ ሠለስተ ቤት ኣለውዎ። እዚ’ውን ምሳሌ ሥላሴ እዩ። ዜማ ኸኣ ዅሉ ጊዜ ግእዝ እዩ።

ንምሳሌ፦

ሐሜተ ክልኤቱ አኃው ዘኢፈርሀ ወልድ በልዐ በተከብቶ፣ ሥጋ ጥዑመ እንዘ የዐፁ ኆኅቶ፣ ወፍሉጠ ሞት ኮነ ባሕቲቶ፣ ዘበልዐ እስመ ይመውት ባሕቲቶ።
ትርጕሙ፦ ሕሜታ ኽልተ ኣኅዋት ዘይፈርሀ ወልድ፡ ኣፍ ደገ ዓፅዩ ብምኅባእ ጥዑም ሥጋ በልዐ። ብሞት ድማ ተፈልየ፡ ከመይሲ እቲ ንበይኑ ዚበልዕ ንበይኑ እዩ ዚመውት።

4. ዋዜማ (ዋይ ዜማ)

ብዙኅ ጊዜ ኣብ ድሮ ዓበይቲ በዓላት ዝበጽሕ ቅኔ ስለዝኾነ ‘ዋዜማ’ ይበሃል። ዋዜማ ኽልተ ዓይነት (ደቂ) ኣለውዎ። ንሳቶም ኸኣ ነዊኅ ዋዜማን ሓፂር ዋዜማን ይበሃሉ። ነዊኅ ዋዜማ ኃሙሽተ ቤት ኣለዎ። እዚ ኸኣ ናይ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ምሳሌ እዩ። ዜማኡ ድማ ዓራራይ እዩ። ነዊኅ ዋዜማ ኵሉ ጊዜ ኣብ ድሮ ዓበይቲ በዓላት ዚቐርብ ቅኔ እዩ። ነዊኅ ዋዜማ ኣብ ጊዜ ዋዜማ ሠለስተ ዝተፈላለዩ ቅኔያት ይበጽሕ።

ሓፂር ዋዜማ ኽልተ ቤት ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ መለኮትን ትስብእትን ምሳሌ እዩ። ሓፂር ዋዜማ ዝበጽሓሉ ጊዜ ኣብ መወድስ ጥራይ እዩ። ምስኡ ዚዝመር መዝሙር ዳዊት ድማ “ለእግዚአብሔር ምድር በምልአ፡ እግዚአብሔር ነግሠ” እዩ።

ንምሳሌ፦ ነዊኅ ዋዜማ

ሐዳሳተ ሰማያተ ወሐዳሰ ምድረ ዘይሴፈዉ በህየ፣ ተሐዘብ ዓስበ ፃማሆሙ ይንሥኡ በዝየ፣ እስመ ሥነ ሐዲስ ዓለም በሥርዓተ ዓለም አርአየ፣ መድኃኔዓለም ዘገብረ መንበሮ ሰማየ፣ ሶበ መጽአ የሐድስ ብሉየ።

ትርጕሙ፦

ሓደስቲ ሰማያትን ሓዳስ ምድርን ደኃር ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም ክንረክብ ኢና ኢሎም ተስፋ ዚገብሩ ሰባት፡ ዓስቢ ድኻሞም ኣብዚ ዓለም እዚ ንኺቕበሉ ተዋላወሉ (ተጠራጠሩ)፣ እቲ መንበሪኡ ኣብ ሰማይ ዚገበረ መድኃኔዓለም ነቲ ዚኣረገ ክሕድስ ምስ መጽአ ናይቲ ሓድሽ ዓለም ጌጻ ጌጽ ኣብ ሥርዓት ሓዲሽ ዓለም ስለ ዘርኣየ እዩ።

5. ሥላሴ

ሥላሴ ዝተባህለሉ ምኽንያት “ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ” ዝብል ጸሎተ ሠለስቱ ደቂቅ ድርሰት እናኣእተኻ ስለዝቐርብ፡ ከምኡ’ውን ሓድነትን ሠለስትነትን እግዚአብሔር ዝገልጽ “አምላከ ኣብርሃም አምላከ ይስሐቅ አምላከ ያዕቆብ” እናዝየምካ ስለዝጅምር ቅኔ ሥላሴ ይበሃል።

ቅኔ ሥላሴ ሽዱሽተ ቤት ኣለዎ። ምሳሌኡ ከኣ ናይ ሽዱሽተ ቓላት ወንጌል እዩ። ዜማኡ ድማ ዅሉ ጊዜ ዕዝል እዩ። እዚ ቅኔ’ዚ ናይ ብፍልጠት ዝበሰሉ መምህራን፡ ዓበይቲ ወይ ድማ ናይ ፈላጣት ቅኔ እዩ እናተባህለ ስለ ዝሕሰብ ብእኦም ይቐርብ።

እዚ ቕኔ’ዚ ዝቐርበሉ ጊዜያት ምስ እንርኢ ከኣ፦

ሀ. ኣብ ጊዜ ዓበይቲ በዓላት ዋዜማ ኣብ ዝግበረሉ ጊዜ ሓደ ሥላሴ ንምስጋና እግዚአብሔር ይቐርብ።
ለ. ኣብ ክሥተትን ኣርያምን ኣብ ዝበጽሑሉ ጊዜ ይቐርብ።

ንምሳሌ፦

ድኅረ ንስር ዓለመ ሥጋ፡ ዘተልእከት ርግብ ሥእለ አድኅኖ፡ ለተወልደ መድኅን ኖኅ ትቤሎ፡ በቃለ ጥበብ ወኪን፡ ሐፀ እምነ ምልአቱ ማየ አይኅ ዘመን፡ ወከመ ኢትርአይ ካዕበ እምነ ህላዌ አሚን፡ ሐዳስ ምድር ደብረ ቢዘን፡ መሐለ ሎቱ አምላክ ገድለ ቅዱሳን ፡ በደመና ዘኢዮር ኪዳን።

ትርጕሙ፦

“እዛ ድኅሪ ኳዅ ዓለም ሥጋ ዝተላእከት ሥእሊ ኣድኅኖ፡ ንኖኅ ተወልደ መድኅን ብቓል ብልሓትን ጥበብን ዕድሜኻ ማይ ኣይኂ ኻብቲ መሊእዎ ዝነበረ ጐዲሉ እዩ” በለቶ። ከምኡ ኸኣ ካልኣይ ካብ ህላዌ ኣሚን ንኸይትርኢ ነዛ ሓዳስ ምድሪ ደብረ ቢዘን ገድሊ ቅዱሳን ኣምላኽ በቲ ናይ ኢዮር ቀስተ ደመና ቃል ኪዳን መሓለሉ።

6. ዘይእዜ

ዘይእዜ ዝተባህለሉ ምኽንያት “ይእዜ ትሥዕሮ ለገብርከ” ዝብል ጸሎተ ስምዖን እናዝየምካ ስለዝጅምር እዩ። ቅኔ ዘይእዜ ኽልተ ዓይነት እዩ፦
ሀ. ነዊኅ ዘይእዜ፦ ኃሙሽተ ቤት ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ምሳሌ እዩ። ዜማኡ ኸኣ ግእዝ እዩ። ዝበጽሓሉ ጊዜ ኣብ ጊዜ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዋዜማ እዩ። ከምኡ’ውን ስብሐተ ነግህ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ እዩ።
ለ. ሓፂር ዘይእዜ ፦ ሠለስተ ቤት ኣለዎ። ስሙ ድማ ‘ሣህልከ’ ይበሃል። ሣህልከ ዝተባሃለሉ ምኽንያት “ተሠሀለኒ እግዚኦ በከመ ዕበየ ሣህልከ” (መዝ. 51፡1) ዝብል መዝሙር እናዝየምካ ስለዝጅምር እዩ። ዜማኡ ድማ ዓራራይ እዩ። መወድስ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ ይበጽሕ። ነዚ ቅኔ’ዚ ዘቕርብ ሊቅ ብፍልጠት፡ ብዕድመ ኣዝዩ ዓቢይ ምሥጢር ዝኃዘ ሰፊሕ ታሪኽ ዝፈልጥ ኪኸውን ኣለዎ።

ንምሳሌ፦ ሓፂር ዘይእዜ ቅኔ (ሣህልከ)

ማእዜ ኀቤነ ዘይትለመድ፡ ዘመደ ሥጋነ ሞት እስመ ለለዕለት ነግድ።
ትርጕሙ ፦

እዚ ዘመድ ሥጋና ሞት ኣባና መዓስ እዩ ዚልመድ፧ ከመይ ኵሉ ሳዕ ጋሻ ስለዝኾነ።

7. መወድስ

መወድስ ማለት ምስጋና ውዳሴ ማለት እዩ። ከምኡ’ውን መወድስ ዝተባህለ ሓደ ኽፋል ናይ ቃል ትምህርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ ጊዜ ስለዝዝየም እዩ።

እዚ መወድስ ዝተባህለ ቅኔ ኽልተ ዓበይቲ ዓይነት ቅኔ ኣለውዎ። ንሳቶም ከኣ፦
ሀ. ‘ፍታሕ ሊተ’ ዝተባህለ ኺኸውን ከሎ፡ ቤቱ ድማ ሸሞንተ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሸሞንተ ብሔረ ኦሪት ምሳሌ እዩ። ዜማኡ ድማ ዓራራይ እዩ። “ፍታሕ ሊተ እግዚኦ” መዝ. (26፡1)ዝብል መዝሙር ዳዊት እናዝየምካ ስለዝጅምር እዩ።
ለ. ‘ኵልክሙ’ ዝተባህለ ኾይኑ ቤቱ ድማ ትሽዓተ እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ትሽዓተ ሐፁረ መስቀል ምሳሌ እዩ። ‘ኵልክሙ’ ዝተባህል ድማ “ኵልክሙ አሕዛብ ጥፍሑ እደዊክሙ” ዝብል መዝሙር እናዝየምካ ስለዝጅምር እዩ።
ክልቲኦም መወድስ ብፍላይ ከኣ ‘ኵልክሙ’ ንዕድመ ዝደፍአ በዓል ጸጋ ሰብ ተመሪጹ ዝወሃብ ቅኔ እዩ። ኣብ ጊዜ ዓቢይ ጾምን ፓትርያርክ ኣብ ዝሥየመሉ ጊዜን ካልእን ዝቐርብ ምስጋና እዩ።

ንምሳሌ፦ ቅኔ መወድስ

ምንት ውእቱ ፍድፋዴ ዚአሃ ለምክሐ ጠቢባን ጥበብ እስመ በጥበብ ወምክር፣
ኢይፀዐዱ ጸሊም ወኢይነውኅ ሐፂር፣
ለዐብድ ዘይጸንሕዎ ክልኤቱ አጽራር፣
ሞት ወመቃብር፣
ይጸንሕዎ ከማሁ ለጠቢብ ወለማእምር።

ትርጕሙ ፦

እዚ ናይ’ዞም ጥበበኛታት መመክሒ ጥበብ ትርፉ እንታይ እዩ፧ ከመይ ብጥበብን ብምኽርን እቲ ጸሊም ፃዕዳ፡ እቲ ፃዕዳ ኸኣ ጸሊም ኣይኸውንን እዩ። እቲ ሓፂር ውን ኣይነውኅን እዩ። ንዓሻ ዚከታተልዎ ኽልተ ኣጽራር ሞትን መቓብርን እዮም። ከምኡ ድማ ነቲ ፈላጥን ብልህን ይከታተልዎ። 

ለዓለም፦ ከመሰ ኢይሰጠም በዕመቀ ብሂል ባሕር፣
ታኀሥር የዋሃት ወጥበብ ታከብር፣
እንዘ የዋሂት ርግብ በዓለ አክናፍ ወእግር፣
የሐውር በእንግድዓ ጠቢብ አርዌ ምድር።

ትርጕሙ ለዓለም፦ ለውሃት ተኅሥር፡ ጥበብ ከኣ ተኽብር፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ከይንጥሕል ግና ኣታ ለዋህ ርግቢት በዓልቲ እግርን በዓልቲ ክንፍን ከላ ኣርዌ ምድር ብእግሩ ስለዚኸይድ እዩ።

8. ክብር ይእቲ

ክብር ይእቲ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ “ክብር ይእቲ ዛቲ ለኵሉ ጻድቃኑ” መዝ. (149፡9) ዝብል መዝሙር ዳዊት ምስኡ ተተኃኂዙ ስለዝዝመር እዩ። ቅኔ ክብር ይእቲ፡ ኵሉ ጊዜ ነገረ መስቀል፡ ስቓይ ጐይታ፡ ፍጻሜ ዓርቢ ስቕለት ጥራሕ ዘዘኻኽር ኮይኑ ክዝየም ከሎ ብኣዝዩ ትሑት ዜማ ይዝየም። ዝቐርበሉ ጊዜ ድማ ማእደ እግዚአብሔር (ቅዱስ ቍርባን) ኣብ ዝወፅአ ጊዜ እዩ።

ክብር ይእቲ ዝበሃሉ ቅኔያት ክልተ ዓይነት እዮም። ንሳቶም ኸኣ፦
ሀ. ግእዝ ክብር ይእቲ፦ ኣርባዕተ ቤት ዝኃዘ እዩ።
ለ. ዕዝል ክብር ይእቲ፦ ኣርባዕተ ቤት ዝኃዘ እዩ።

ንምሳሌ፦
ግእዝ ቅኔ ክብር ይእቲ
ተመነየ ሞተ አምላክ ኖላዊሆሙ፣
ለአዳም ወሔዋን አባግዒሁ ኵሎሙ፣
አርዌ ገዳማት እኩይ እስመ በልዖሙ ቀዲሙ፣
ቈጽለ ቈጽለ እንዘ ይሬእዩ በዐይኖሙ።

ትርጕሙ፦ እዚ ናይ’ዞም ኵሎም ኣባጊዕ ደቂ ኣዳምን ሔዋንን ጓስ ኣምላኽ ሞት ተመነየ። ከመይ ብዓይኖም ናብቲ ቘጽሊ ቘጽሊ እናረኣዩ ኸለዉ እቲ ኽፉእ ኣርዌ በረኻ ኣቐዲሙ ስለ ዝበተኖም (ፋሕ ስለዘበሎም) ሞት ተመነየ።

9. ዕጣነ ሞገር

ዕጣነ ሞገር ዝተባህለሉ ምኽንያት መእሰሪ ምስጋና፡ መዕረጊ ዕጣን፡ መፈጸምታ ጸሎት ስለዝኾነ እዩ። ብድኅር’ዚ ቅኔ’ዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚግበር ፍሉይ ኣገልግሎትን ፍሉይ መዝሙር ምስጋናን የልቦን። መፈጸምታ ጸሎት ንሱ እዩ።

ቅኔ ዕጣነ ሞገር (ሞገረ ዕጣን) ዝበሃል ክልተ ዓይነት ቅኔያት ዝኃዘ እዩ። ንሳቶም ድማ፦
ሀ. ግእዝ ዕጣነ ሞገር፦ ሾብዓተ ቤት ኣለዎ።
ለ. ዕዝል ዕጣነ ሞገር፡- ዓሠርተው ሓደ ቤት ኣለዎ።

ክልቲኦም ቅኔያት ዕጣነ ሞገር ዓበይቲ ዝኾኑ ኸክልተ ኽፍላት ኣለዎም። እዚኦም ክሳብ መንደርደርያ ማለት ኣብ ግእዝ ዕጣነ ሞገር ክሳብ ራብዓይ ቤት፣ ኣብ ዕዝል ዕጣነ ሞገር ድማ ኽሳብ ሻዱሻይ ቤት ዘለዉ፡ እቲ ዝቐርብ ግጥሚ ንበዓል ወይ ድማ ናይቲ ሽዑ ዕለት ዝምልከት ኪኸውን ከሎ፣ ካብ መንደርደርያ ኽሳብ መጠረሽታ ዘሎ ቤት ድማ መጸውዒ ስም ‘አሠረ ንጉሥ’ ይበሃል። ካብ ቀደም ኣትኂዙ ንኽብሪ ንጉሥ ተባሂሉ ዚግጠም ምስጋና ስለዝነበረ ኸኣ በዚ ምኽንያት ኣሠረ ንጉሥ (ኣሠረ ነጋሢ) ተባህለ። እቲ ዝቐርብ ግጥሚ ኸኣ ንኽብሪ ንጉሥን ዓበይቲ ሰባትን እዩ። ከምኡ’ውን ሰባት ይምስገኑን ይምረቑን ወይ’ውን ብክፉእ ግብሮም ይግሠፁ።

ንምሳሌ፦ ዕዝል ቅኔ ዕጣነ ሞገር

በዓመተ ልደት ገብአ ተወልደ መድኅን ፅንሣ፡
ለደብረ ቢዘን ላሕም ውሣጤ ከርሣ፡ እስመ ደምፀ ቃለ ግርማ ዘሥእለ ማርያም አንበሳ፡
በዓንቀጸ ብእሲ ጎለ ምህሳ፡
ባሕቱ ኢይቅረብ ኀቤሃ ዕጓለ አርዌ አበሳ፡
ነሥአ በትረ መሐላሁ አማኑኤል ዮሳ።
አሰረ ነጋሢ፦ መጋቤ ፍጡራን አብ ተጋድሎ ለደብረ ቢዘን ቀደሳ፡
ፍሬ ሐዋርያት ሰላመ ኵለሄ ወአስካለ ነቢይ ኀሠሣ፡
አምጣነ ትፈሪ በበ ኃምሳ፡
ወአመ ነጋሢ ጥበብ ይወርሳ፡
ተለዐለ ሀይማኖት ሞገሳ።

ትርጕሙ፦

እዚ ተወልደ መድኅን ፅንሢ ውሽጢ ኸርሢ ፡ ደብረ ቢዘን ላም፡ ኣብ ውሽጢ ኸብዳ ተመልሰ፡ ከመይ ኣብ ዓንቀጽ ሰብኣይ መብልዒ ማል ድምፂ ኣንበሳ ሥእሊ ማርያም ስለዝተሰምዐ (ተመልሰ ኢልካ እሰር)። እንተኾነ ወዲ ኣርዌ ኣበሳ ናብኣ ንኸይቀርብ ኣማኑኤል ዮሳ በትሪ ማሕላኡ ወስ ኣቢሉ ኣልዓለ።

ትርጕም ኣሰረ ንጉሥ (ነጋሢ)፦ እዚ መጋቢ ፍጡራን ኣቦ ተጋድሎ ኵል ሳዕ ካብ ፍሬ ሓዋርያት ሰላምን ጽማቝ ወይኒ ድሌት ነቢይን ዚምግብ ንደብረ ቢዘን ቀደሳ። ከመይ በብኃምሳ ስለ እተፍሪ። እቲ ነጋሢ ጥበብ ምስ ወረሳ ድማ ሃይማኖት ሞገሳ ክብ (ልዕል) በለ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195