banner

ሥዕለ አድኅኖ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥዕለ አድኅኖ

ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብተራ ኦሪት ሥዕለ ኪሩቤል ኪገብር ዚኣዘዞ ባዕሉ እግዚአብሔር። (ዘፍ. 25፥19)። ኣብ ሰማያት መንበረ እግዚአብሔር ዚፆሩ ኪሩቤል፡ ኣብቲ እግዚአብሔር ብጸጋ ዝኃድረሉ ደብተራ ኦሪት ክሥኣሉ ፍቓዱ ኮነ።

ኣብታ ንመጀመርታ ጊዜ ብኢድ ሰሎሞን ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ’ውን ሥዕለ ኪሩቤልን ዕንባባታትን ከም ዚነበረ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ንረኽቦ። (1ይ ነገ. 7 ፣ ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት መቅደስ)

ናይ ሎሚ ቤተ ክርስቲያንና ድማ ፈለግ ቀዳሞት አበውን ነቢያትን ተኸቲላ ኣብ ስብከት ሐዋርያት ተሠሪታ ትኸይድ ብምህላዋ፡ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኂዛ ትርከብ ኣላ። ከም’ቲ ሰማያዊት መንግሥተ እግዚአብሔር ብቅዱሳን መሊኣ ዘላ፡ እዛ ምድራዊት ቤተ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ንልቢ ምእመናን ናብ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ናብ ኅብረት ቅዱሳን ከማዕድዉ ንምምሃር፣ ብቅዱሳት ሥዕላት መሊኣ ትርከብ።

ተውሳክ፡ . . . ሥዕለ አድኅኖ

ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን 2011 ዓ.ም.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ባሕረ ሓሳብ ፡ ሓሳበ ዘመን 2011 ዓ.ም.

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና እትጥቀመሉ መቝጸሪ ዘመን፣ ባሕረ ሓሳብ ይበሃል፣ ባሕረ ሓሳብ ማለት ቍጽሪ ዘለዎ ዘመን፤ ናይ ዘመን ቍጽሪ፤ ሓሳብ ናይ ዘመን እዩ። ነዚ ዝቐመሮ ድማ መበል 12 ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ኮይኑ ኣብ ሣልሳይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ዲሜጥሮስ እዩ። ቅዱስ ዲሜጥሮስ መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝገለጸሉ ካብ ለይቲ 23 ካብ መዓልቲ 7 ሱባዔ ኣትዩ ብመጥቅዕን ኣበቅቴን ዝቕመር ባሕረ ሓሳብ ኣዳለወ።

1) ዓመተ ዓለም

ዓመተ ዓለም፣- ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዓመት ምስ ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ተደሚሩ ዓመተ ዓለም ይበሃል።
ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን፡- ዓመተ ፍዳ፣ ዘመነ ኵነኔ፣ ዘመነ ብሉይ ይበሃል። ጠቕላላ 5500 ዓመት እዩ።
ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ዘሎ ዘመን ድማ፡- ዓመተ ምሕረት፣ ዘመነ ሥጋዌ ይበሃል።
-> 5500 + 2011 = 7511

2) መጠነ ራብዒት፦ ብጽሒት ሓደ ወንጌላዊ ድማ ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ ዝርከብ ኮይኑ ናይ 7511 ከኣ 1877 እዩ።

3) ዓመተ ወንጌላዊ ንምርካብ ፣- ዓመተ ዓለም ንኣርባዕተ መቒልካ በቲ ተረፍ ትጽውዖ።

ዓመተ ዓለም ÷ 4
_______
         ተረፍ ፡ 1 እንተኾይኑ ማቴዎስ፤
                    2 እንተኾይኑ ማርቆስ
                    3 እንተኾይኑ ሉቃስ
                    0 እንተኾይኑ ዮሐንስ

. . . ንተወሳኺ ዝርዝር ኣብዚ ንጠውቕ!

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (ካልኣይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ ካልኣይ ክፋል

ብመኪናኡ ንገዛ እናተመለሱ ከለው ብዛዕባ እቲ ብየማነ ጸጋም ዝነበረ ልሙዕ ከባቢታት እንተ ሓተታ’ኳ፡ ኤልሳ ግና ነቲ ኣብ ጥቓ ቬትሮ ዝነበረ ባኮ ሽጋራ ርእያ ብሓሳብ ነዊኅ ተጓዕዘት። ነታ ቅድሚ ዓመት ንሓደ ካብ ወፃኢ ሃገር ዝመጸ ናይ ሓሽሽ ግዙእ ምስ ተመርዓወት ኣብ ሕይወታ ብዙኅ ፈተናታት ዘጋጠማ መሓዛኣ ዘኪራ፡ ኣብ ሕይወታ ዘጋጠማ ኮይኑ ስለ ዝተራእያ ገጻ ኣማዕተበት እሞ “ኣነ እንተኽኢለ ከም ኃብቱ ኮይነ ካብዚ ዘለዎ ወልፍታት ናፃ ንኽገብሮ ኪጽዕር እየ። እንተ ዘይኮይኑ ግና ምስ ከምዚ ዝበለ ኃዳር ምግባር’ሲ ከቢድ ፈተና እዩ” ኢላ ሓሰበት።

“ስምዒን’ዶ ኤልሲ መርዓና ከመይ እንተ ኾነ’ዩ ደስ ዝብለኪ፧” ብምባል ካብ ሓሳባ ምስ ኣበራበራ “ኣነ ፍቓድ እግዚአብሔር ክሳብ ዝኾነ ኃብትኻ እየ፡ ኣብ ጐንኻ ከኣ ኣሎኹ። ፍቓድካ እንተኾይኑ ግና ምስ ኣኅዋት ከላልየካ” ኢላ ብስክፍታ ጠመተቶ። ዝያዳ ምስኣ ዝዋሓደሉ ሜላ ዝረኸበ ኮይኑ እናተሰምዖ “እንተጌርኪዮ’ዶ” በላ ።

ተውሳክ፡ . . . እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (ካልኣይ ክፋል)

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

ዕለተ ሰንበት ኪበጽሕ ዝኀደረ ስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን፡ ‘አሐዱ አብ’ ተባሂሉ ብዝጀመረ ጸሎተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ኤልሳቤጥ ህውኽ ኢላ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወፂኣ መኽፈልቲ ጥዒማ ብታህዋኽ ነቲ ቍልቍል መንገዲ ተተኃኃዘቶ። ነቶም ኣብ ቅዳሴ ዚጸንሑ ወለዳ ቡኖምን ቍርሶምን ቀሪባ ምጽናሕ ከም ልምዲ ዝኀዘቶ ሥራሕ እዩ ነይሩ።

ነቲ ኣቦኣ ባሻይ ተኽለ ማርያም ብድርኡ “ኤልሳቤጥ ጓለይ ጽባሕ ንግሆ ዚመጹ ኣጋይሽ ኣለዉ’ናሞ ቅልጥፍ ደኣ በሊ” ዝበልዋ እናዘከርት ዳርጋ ጕያ ሓዊሳ እያ ናብ ገዝኣ በጺሓ። ናውቲ ቡን እናቀራረበት ከላ ከኣ ማዕፆ ካንሸሎ ተዃሕኵሐ፦ “እዚ ድዩ እንዳ ኣቶ ተኽለ፧” ኢሎም ሓተቱ። ኤልሳቤጥ ድማ “እወ እተዉ” ኢላ መሪሓቶም ንውሽጢ ቤት እናኣተወት ከላ ሥድራኣ ድማ ብደገ ህሩግ በሉ። “ኣንታ ባሻይ ዓርከይ፡ ሓደ ኣፊቱ ደኣ ምስቶም ካህናት ኣብቲ ደገ ሰላም ዘይትኣቱ” በልዎም እናሰሓቁ። እቶም ዋዛ ዘይፍለዮም ባሻይ ተኽለ ማርያም ድማ “ደገ ሰላም እኮ ናይ ካህናት ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኵሉ ደላዪ ሰላም ‘ኣፍ ደገ ሰላም’ ማለት እኮዩ” ብምባል ናብ ሳሎን መሪሖምዎም ኣተዉ።

ተውሳክ፡ . . . እንተዘይወለድና’ኸ . . .፧ (1ይ ክፋል)

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምለክ!

“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

ሓደ ካብ’ቶም ንበረኻታት ግብጺ ብመስቀሎም ዝባረኹ ብብርሃኖም ንብዙኃን ብርሃን ዝኾኑ፡ ቅዱስ ኣባ ሰራጵዮን ኣብ ዝነበርሉ ዘመን እዩ። ነቲ ሰሎሞን ኣብ መጽሐፈ መክብብ ዝበሎ ዘንጊዑ፡ የእዛኑ ፍልጠት ተመልኣ ብምባል “ገለ ቃል እባ ሃቡኒ” እናበለ ናብ ብዙኅ ቦታ ዝዘውር ዝነበረ እዚ መንእሰይ።

ጽቡቅ ልማድ ኮይኑ፡ ኣብ ከተማ ኣብ ዝኣትወሉ ‘ውን መጽሓፍቲ ዓዲጉ ብምምጻእ ንከብሕታቱ መጽሐፍቲ ምስ መልኦ እዩ። የዒንቱ ግን ገበር መጽሐፍቲ ካብ ምርአይ ሓሊፈን ንውሽጢ ኣትየን እንታይ ይብል እቲ መጽሓፍ ክፈልጣ ባህጉ ኣይሓገዘንን።

ተውሳክ፡ . . .“ሓንቲ ተሪፋትኻ ኣላ”

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195