banner

እሙናት ከም ንህቢ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እሙናት ከም ንህቢ

ከም ኣብ ማእከል ዘላ ጽጌረዳ፣
ሕይወት ፈተና’ያ ሕልኽላኽ መንገዳ፣
ብየማነ ጸጋም ንፋስ እናላደዳ፣
እሾኽ እናቐደዳ፣


ግን ንዅሉ ትጸውር፣
ፍረ ትዕግሥቲ ክትደረር፣
ከም መጠን ትዕግሥታ ጽጌናይ ተፈልፍል፣
ንንህቢ ክትዕንግል።
ወዮ ምዑት ንህቢ፣
ብምዑዝ ሽታኣ ዝተሳሕበ እንክመስል፣
ብእሾኽ ተዋሒጣ እናረኣያ ኣብ ማእከል፣
ነግ ፈረግ ከይበለ ንምርካባ ይጋደል፣
ኵኖ’ቲ ፈተነ ስግር መሰናኽል፣
ካብቲ መዓዛኣ ጽጌናይ ክዕንገል፣
ተስፋ ከይቈረጸ ጕዕዞኡ እንክቕጽል፣
ንጫፍ ዕላማኡ ብቱኽረት ጠሚቱ፣
ብፍጥነት ይሕምበብ ክጭብጥ ዓወቱ፣
ሻቡ ድኅሪ ድኻም ዓስቢ ተኣዛዝነቱ፣
ካብ ሹም ቆፎ ቤቱ፣
ካብ ጽሩይ ሰፈፍን ወለላን መዓር ተቐሊቱ።
በሉ ሕዝበ ክርስቲያን!
ሹም እዛ ነፍስና እግዚአብሔር መሓሪ፣
ለዋህ ኣቦ ፍቕሪ፣
ኣብ ዙፋን መንግሥቱ ተቐሚጡ ብኽብሪ፣
ሃንቀው ይብል ኣሎ መኽሊት ከነፍሪ፣
እወ ልክዕ ከምቲ ንህቢ መዓር ጽድቂ ከንጥሪ።
ኦ ውሉደ ጥምቀት ሃየ እምበሪ፣
ዘወትር ከምቲ ንህቢ ተጊህና ብግብሪ፣
ንእሾኽ’ዛ ዓለም ፀሓይ ኮነ ቁሪ፣
ኵሉ ተጻዊርና ብትግሃት ብጻዕሪ፣
ምስ ሃይማኖት ከነሰኒ ግብሪ፣
ቁሊሕ እብለና ኣሎ፡ እወ ይጽበየና’ሎ፣
ክንምለስ ካብ ወፍሪ።
እንተ ዘየለ ግን ከም ሰራቒ ጸላም ብለይቲ ዝዝምቢ፣
ጽባሕ ከይመጸና ሃንደበት ብወዝቢ፣
ኣብ ሎሚ ንንቃሕ ምስ ብርኩት መኽሊትና ልክዕ ከምቲ ንህቢ፣
ድሉዋት ክንከውን የኳሕ ኳሓና’ሎ ብናፍቆት ልቢ፣
እቲ ምንታይ’ሲ ናብ ቆፎ መንግሥቱ፣
ብጻዕርን ድኻምን በቒዕና ኽንኣቱ፣
ዘይተርፍ ግደ’ዩ ስምዕታ ቃላቱ፣
እንተ ኣምላኽና’ሞ ካብ መዓር ውህበቱ፣
ክኸፍለና ጸጋ ዓስቢ፣
ነቶም ዘፍቕርዎ ለዋህ’ዩ ወሃቢ፣
ጥራይ እሙናት ንኹን ከም ንህቢ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195