banner

ኵል ጊዜ ዘክሪ!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ !

 ኵል ጊዜ ዘክሪ!

* ድኽመትኪ ዘክሪ!። በዚ ድማ ጥንቁቕን ናይ ትዕቢት ሓሳብ ኮነ ውዳሴ ኸንቱ ዘየጥቅዓኪ ክትኮኒ ኢኺ፣

* ፍቕራዊ ርኅራኄ ጐይታ ዝገበረልኪ ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ “ተመስገን” ዝብል ናይ ምስጋና ሕይወት ክትመርሒ ኢኺ፣ እምነት ኣብ ልብኺ ከምኡውን እምንቶ ኣብ ናይ ጐይታ ፍቕርን ሥራሕን (ግብርን) ከተዕብዪ ኢኺ፣

* ዝኃለፈ ጊዜ ሰባት ፍቕሮም ዝለገሱልኪ ሠናይ ተግባራት ዝፈጸሙልኪ ዘክሪ!። እዚ ኸኣ እቶም ሰባት ዋላ ሕማቕ እንተገበሩኺ፣ እታ ናይ ቀደም ፍቕርን ሠናይ ተግባርን ምስኦም መተዓረቒትን ካብ ሕርቃን መዝሓሊትን ክትኮነኪ እያ፣



* ንሞት ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ ዅሉ ዓለማዊ ፈተናታት ክውገደልኪን “ኵሉ ከንቱ’ዩ! ምስ ንፋስ ምጕያይ’ዩ” ዝብል ስምዒት ክኃድረኪ እዩ; (መክ. 1፡14)

* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ደው ኢልኪ ከምዘሎኺን ንሱ ይርእየኪ ምህላዉን ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ ኃጢኣት ኣይክትሠርሕን ኢኺ፣ ከመይ! ይርእየኒ ኣሎ ስለትብሊ፣

* ኣምላኽ ዝሃበኪ ተስፋታት ዘክሪ!፣ በዚ ድማ ኣብ ጊዜ ጸገም ኣይክትናወጽን ኢኺ፣ እንተረሳዕክዮ ግና ከም ነቢይ ዳዊት “ነቲ ንኣይ ንባርያኻ ዘተስፎኻዮ ቓል ዘክር፣ እቲ ቓልካ ዝሃብካኒ ተስፋ። ሕይወት ሂቡኒ እዩ’ሞ ኣብ ጊዜ መከራይ ተጸናናዕኩ፣ (መዝ.119፡49-50) በሊ፣

* ንኣኺ ንምድላይ(ንምድኃን) ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ዘክሪ!፣ ካብኡ ብርግጽ ክብሪ ነፍስኺ ክትፈልጢ ኢኺ፣ ከምኡ ውን ርእስኺ ዘርክስን ዘሕስርን ኣይክትሠርሕን ኢኺ፣ ኸመይ! 
<<ንስኻትኩምሲ ብዋጋ ኢኹም ተዓዲግኩም>> (1ይ ቆሮ.6፡20)

* ኣብ ጊዜ ጥምቀትኪ፣ ብተወካልነት ስድራቤትክን ኣባልገኽን ንኣምላኽ ዝተመባጻዕክዮ ዘክሪ !፣ ንሱ ኸኣ ንዅሉ ሕማቕ ተግባራት፣ ሓሳባትን ምትላልን ከምኡ’ውን ንዅሉ ኃይሉን ሥልጣኑን ናይ ሰይጣን ምኽሓድ እዩ፣

* ኵሉ ጊዜ ኣብ ዓለም ስደተኛ (ተኻራዪት) ምዃንኪ ከምኡ’ውን ናብ ሰማያዊ ቤትኪ ክትምለሲ ምዃንኪ ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ ኣብ ዓለምን ፍትወታን ተስፋ ኣይክትገብርን ኢኺ፣

* እታ ጸባብ መንገዲ ናብ ሰማያዊ መንግሥቲ ከምትወስድ ዘክሪ!፣ ነታ ገፋሕ መንገዲ ኣብ ቅድሜኺ ተኸፊታ ምስ ርኣኽያ ሃዲምኪ ካብኣ ተሓለዊ፣ ከመይ! ኵሎም እቶም ብእኣ ዝኸዱ ስለዝጠፍኡ፣

* ዘለዓለማዊት ምዃንኪ ዘክሪ!፣ ከመይ! ብዛዕብኡ ዅሉ ሳዕ ክትሠርሒ ኢኺ፣

* ውሉድ ኣምላኽ ምዃንክን ገጸ ባህርይ ናቱ ክትኅዚ ከምዝግብኣኪ ዘክሪ!፣ በዚ ኸኣ እቲ ውሉድ ኣምላኽ ኪሰጉሞ ዘለዎ ጐደና ክትከዲ ኢኺ፣

* ቤተ መቕደስ ኣምላኽ፣ መኅደሪ መንፈስ ቅዱስ ምዃንኪ ዘክሪ! በዚ ኸኣ ግብሪ ኃጢኣት ዘይኮነስ ፍረ መንፈስ ክትሠርሒ ኢኺ፣

* ንዅለን እዘን ጥቕስታት ዘክርየን! እንተረሳዕክየን ግና ደጊምኪ ኣንብብየን፣

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195