banner

ትንሣኤ ሕሊና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ትንሣኤ ሕሊና

ኣብ ሥጋይ ዝተገብረ ናይ ኃጢኣት ወፍሪ፡
ብሕማም ማሲኑ፡ ከየንውኀ ዕምሪ።
ነፍሰይ እንተኾነት ኣይ ብኢዳ ብእግራ፡
ሥጋ ዝተዓድዮ ንሳ ተኣሲራ።


ነፍሰይ ብምእሳራ ማሲኑ ሕሊናይ፡
ተስፋ ቘሪጹ ይጽበ ቐባራይ።
ዓለማዊ ፈተነ ኣብ ጥቓይ ቀሪቡ፡
ነቒሑ ይጽበ ሰዓት ኣፈርክቡ።
ሕሊናይ ዓሪፉ ጌና ኸይተቐብረ፡
ሰይጣን ወሪሱኒ ቕድሚ ዝኣገረ።
ኃጢኣት ተዃዒቱ ክቕበር ኣብ ሓዘን፡
ኣእዳው ኣጋንንቲ ባዴላ ኣልዒለን።
ካብ ሞት ሕሊና ክትንሥ እንተበልኩ፡
ገመድ ዓለም ትዕቢት ኂዙኒ ሓሊኹ።
ግና እንተኾነ
ሕሊናይ ብዝሞቶ ኸይነብር ኣብ ከውታ፡
ፍቕሪ ሰብ ዝመልኦ እግዚአብሔር ጐይታ።
ብሕይወት ክነብር ኣብ ዳሕራይ ጉባኤ፡
ሕሊናይ ክናሳሕ ሂቡኒ ትንሣኤ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195