
ኣቲና ዶ ቓል ኪዳን፧
ሓድሽ ዘመን መጺኡ
ሓድሽ ዘመን ኣትዩ
ትማሊ ኃሊፉ
ሎሚ ምሳና ተሪፉ።
ከባቢ ለምሊሙ ብሠናይ ክራማት
ኣእካል’ውን ክህቡ ዘለዎም ፍርያት
ነቲ ዅሉ ዝህበና ከነመስግን
ብኃባር ኵልና ኣቲና ዶ ቃልኪዳን፧
ኣቲና ዶ ቓል ኪዳን፧
ሓድሽ ዘመን መጺኡ
ሓድሽ ዘመን ኣትዩ
ትማሊ ኃሊፉ
ሎሚ ምሳና ተሪፉ።
ከባቢ ለምሊሙ ብሠናይ ክራማት
ኣእካል’ውን ክህቡ ዘለዎም ፍርያት
ነቲ ዅሉ ዝህበና ከነመስግን
ብኃባር ኵልና ኣቲና ዶ ቃልኪዳን፧
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ
ቀንዲ ቐንዲ ጐደናታት ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ተረአን በጺሑ፡ ንሓደ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ብዝስዕብ ዋሕዚ ሕዝቢ ካብ ጻዕቂ ብዝተላዕለ ድፍእፍእን ጽቕጥቅጥን ተናዊጸን ይርከባ። እወ! ዜና ግብረ ምድኃን ዝሰምዑ ሕሙማን ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ዝጸምኡ ናይ መንፈስ ድኻታት፡ ተኣምራት ንምርኣይ ብዝመጽኡን፡ ንኽስን ንወቐሳን ዚህወኹ ፈሪሳውያንን ደድኅሪ’ቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንዓለም ዝተገልጸ ብርሃን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ ነበሩ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ
ቀንዲ ቐንዲ ጐደናታት ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ተረአን በጺሑ፡ ንሓደ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ብዝስዕብ ዋሕዚ ሕዝቢ ካብ ጻዕቂ ብዝተላዕለ ድፍእፍእን ጽቕጥቅጥን ተናዊጸን ይርከባ። እወ! ዜና ግብረ ምድኃን ዝሰምዑ ሕሙማን ፡ ቃለ እግዚኣብሔር ዝጸምኡ ናይ መንፈስ ድኻታት፡ ተኣምራት ንምርኣይ ብዝመጽኡን፡ ንኽስን ንወቐሳን ዚህወኹ ፈሪሳውያንን ደድኅሪ’ቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ንዓለም ዝተገልጸ ብርሃን መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ይስዕቡ ነበሩ።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ዓሻ’ባ ኹን ልበይ! (1ይ ቆሮ. 3፡18)
ብሰባት ‘እቲ ለባም’ ዝበሃል ከም ዝነበርኩ ባዕለይ እንተመስከርኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን። ንዝተፈላለዩ ኣርእስታት ከም ወሳኒ ዳኛ ተሓሲበ ሰባት ናባይ ክመላለሱን እቲ ኣነ ዝህቦ ፍርዲ’ውን ከም ሓቂ ተወሲዱ ጕዳያት ክዕጸዉን ክትዓት ከቋርጹን እንክዝክር፣ ንድኅሪት ተመሊሰ ነቲ ናይ ሽዑ፡ ኣነ ድየ ብሓቂ ለባም ኮይነ ወላስ ንሶም እዮም ተጋግዮም፧ እናበልኩ ንርእሰይ ደጋጊመ ሓቲተያ ኣሎኹ። እቲ ዘኹርዕ ዝመስል ብኣዕሩኽተይ ዝተዋህበኒ ሽመት ንነዊኅ ዓመታት ኣፍ ልበይ ነፊሐ፡ ርእሰይ ኣቕኒዐ ክኸይድ ጌሩኒ እዩ።
ጕዕዞ ሕይወተይ ከምዚ ኢሉ እናቐጸለ ግና ሃንደበት እቲ ርኅሩኅ ኣምላኽ ብጻውዒት ሕይወት፡ ሕሊናይ ኣነቓቒሑ ናብ ቤቱ ጸውዓኒ። ኣእምሮይ ብምረት ሲኦል እናኣቕለውለወ ናብቲ ድኅሪ ጥምቀተይ ሓንሳብ ሓንሳብ ውን ምብህራርን ሃተፍተፍን ኣብ ዘብዝኃሉ እዋን እንተዘይኮይኑ ከይደዮ ዘይፈልጥ ቤት ኣቦይ ቤተ ክርስቲያን ምምልላስ አሐዱ ኢለ ጀሚረዮ። ድሮ እኳ እቲ ምሕረቱ ዘይውዳእ እግዚኣብሔር ረዲኡንስ ብኃጢኣተይ ተኣሚነን፡ ብዝግባእ ተማሂረን ናብ ንስሓን ቅዱስ ቍርባንን በጺሐ እየ።
እቲ ሕጂ ዘዛርበኒ ዘሎ ግና “ብዛዕባ እቲ ለባም ኣነ እየ” ዝብል እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣነ እየ ንርእሰይ ካብቲ ድሮ ኣኪብዎ ዘሎ ሓበሬታ ዝሓቶ ዝነበረኩ፡ ሕጂ ግና ርእሰይ ባዕሉ ሕቶታት ክደራድር ጀሚሩ’ሎ።
እቶም ፍርድኻ ዝጽበዩ ዝነበሩ መተዓብይትኻ ትሕት ኢሎም ርእሶም ኣድኒኖም ነቲ ዝተባህሎም ተቐቢሎም ምኻድ ለሚደምዎስ፡ እምነቶም ኣብ እግዚአብሔር ገይሮም ዝተባህሎም ሰሚዖም ይኸዱ ኣለዉ። ብርሃኖም ከኣ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይበርህ ኣሎ! ንስኻ ኸ ኣንፈትካ ናበይ እዩ፧ ዕላማኻ’ኸ እንታይ እዩ፧ መፈጸምታ ናይቲ ትኸዶ ዘሎኻ ጕዕዞ ኣስተውዒልካሉ’ዶ፧ ዝብልን ካልእን ሕቶታት ክርብሸኒ ይፍለጠኒ’ሎ።
ተውሳክ፡ . . . ዓሻ’ባ ኹን ልበይ !በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ንምንባር ዕድል ኣርብዓ መዓልቲ! ዝኸፍአ ናይ ኃዘን ዕድል! ገመድ ናብራ ወይ ተሪሩ ኣይተርር ወይ'ውን ፈጺሙ ኣይብተኽ ጥራይ ስቕ ኢሉ ዘዘው ምስ በለ ምትዕርራይ ኣብይዎ ነቲ ዕድሉ እናረገመ: ንዘይምፍጣርን ንዘይምንባርን ዝመረጸ ሓደ ምስኪን ድኻ፦ . . . ደው ኢሉ፣ ክዘልልን፣ ጐይዩ ኪሃድምን ዘይተዓደለ ካብቲ ምዉቕ፣ ጥዑምን ክፉእ ዘይብሉን ማሕፀን ወላዲቱ ክወፅእ ከሎ ነዛ ምድሪ'ዚኣ በቲ ክስጕም ብዘይምኽኣሉ ሕጂ ዝስምዖ ዝኾነ ይኹን ስምዒት የልቦን። እቲ ሕይወቱ ዘጣዕሶ፡ ዘቓጽሎ: ኰታ ዘኅዝኖ ዝነበረ ሽ. . . ዑ ኣብቲ ዕሸልን ውዑይን ዕድሚኡ ነበረ። ደኃር ግና ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ንነፍሶም ዝበሉ ሰባት ምጽዋት ምእንቲ ኪልምን ኢሎም: ነዚ ምስኪን ተሰኪሞም: ኣብ ትሕቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቅደስ የቐምጥዎ ነበሩ።
ተስፋኡ ብምሉኡ ተጸንቂቑ ተወዲኡ ኣሎ። ከይደመየ ብሓሳብ ሓቢጡ። ከይሞተ ተቐቢሩ፣ ዕድሉ ስለዝኾነ! ነታ ሕይወቱ ክሳዕ'ታ ዝተረፈቶ ዘመን ክንዲ ካልኢት'ውን ትኹን ከጽንሓ ንልማኖ “ሥርሐይ” ኢሉ ተተኃኃዞ። እውይ! ገጽ ሰብ ሓዊ ኮይኑ ክባላዕ: ከሕርር! እንተኾነ ግና ስኽፍ'ዃ ኣይበሎን። ፈጺሙ'ውን ኣይደኸመን፦ ኢድ ነፍስ ወከፍ ኃላፋይ መንገዲ እናጠመተ ጥረ ምቝርጣምን: ቍራስ ምጭባጥን ልሙድ እኳ እንተኾነ: እቲ እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን ዝብል መጸናንዒ ቃሎም: እንጌራ ተስፋ ኾይንዎ ኣሎ።
The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ | |
A. | It is stated as ‘Eritrean’ for it is located within Eritrea’s sovereign integrity, |
B. | And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for the Church has the true faith, |
C. | And is called ‘Tewahdo’ for it believes Read More . . . |
ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195