banner

ቅዱስ ሲኖዶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅዱስ ሲኖዶስ ማለት ላዕለዋይ መንፈሳዊ ኣካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ ፓትርያርክ፣ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ጳጳሳት (ኤጲስ ቆጶሳት) ዝገብርዎ ዓቢይ ጉባኤ እዩ። መራሒኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ወራሲ መንበረ ሓዋርያት እዩ።
ዕላማ ቅዱስ ሲኖዶስ
ሀ. ናይ እግዚኣብሔር ወንጌለ መንግሥት ምስባኽን ትምህርቲ ወንጌል ምስፍሕፋሕን።
ለ. ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን ሥርዓትን ንምሕላውን ኣገልግሎታ ዝተማልአ ምግባርን።


ሐ. ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝተዋፈሩ ኵሎም ቤተ ክህነት ኣብ ሓዋርያዊ ተግባር ንምውዳብን ክእለቶምን ናብራኦምን ከም ዚመሓየሽ ምግባርን።
መ. ኣመንቲ ኪበዝኁ ብመንፈሳዊ ፍልጠት ኪሕነፁ ብእምነትን ሥነ ምግባርን ኪጸንዑ፡ ብክርስቲያናዊ ሕይወት ተሓልዮም ኪነብሩ ጻዕሪ ምግባርን።
ሠ. ምምኅዳር ቤተ ክርስቲያን ምምኅያሽ ፡ ቤተ ክርስቲያን ርእሳ ከም እትኽእል ምግባርን።
ረ. መንእሰያት ናይ ወለዲ (ኣበው) እምነትን ባህልን ኣኽቢሮም ኪነብሩ ጻዕሪ ምግባርን።
ሰ. ኵሎም ደቂ ሰባት ካብ ጥሜት፣ ዕርቃን፣ ሕማም፣ ድንቍርና ተናጊፎም ብሰላምን ብምውሕሓድን እናተሓጋገዙ ኪነብሩ ምምሃርን ምጽላይን።
ሸ. ኣመንቲ ኪበዝኁ ብመንፈሳዊ ፍልጠት ኪሕነፁ ብእምነትን ሥነ ምግባርን ኪጸንዑ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ ምኽፋትን ምስፍሕፋሕን እዩ።
ሥልጣንን ኃላፍነትን ቅዱስ ሲኖዶስ
ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ሓጋጊ ኣካል እዩ። ከከም ኣድለይነቱ ንቤተ ክርስቲያን ዚኸውን ሓድሽ ሕጊ ንምውፃእ፡ ደረጃ ሥልጣነ ክህነት ዚምልከት ኮነ ንምምኅዳር ቤተ ክርስቲያን ዚምልከት ኣንቀጽ የውፅእ ወይ ከኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን መቕጻዕቲ ንምምኅያሽ ወይ ንቤተ ክርስቲያን ዚኸውን ኣንቀጻት ንምውፃእ ሥልጣን ኣለዎ። ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ እምነት ላዕለዋይ ሓላዊ እዩ። ነቲ ካብ ሓዋርያትን፡ ሰዓብቶም፡ ኣቦታትን ዝተቐበልናዮ እምነት እናሓለወ ናይ እምነት መሠረት ዝኾነ ነገር ኪትርጕም ሥልጣን ኣለዎ። ንእምነትና ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ብዚምልከት ንዚጻሓፉ መጻሕፍቲ ኪቈጻጸርን ከፈቕድን ሥልጣን ኣለዎ።
ሀ. ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ወሳኒ ኣካል እዩ። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ወይ እምነታ ንዚትንኪ ጌጋ ዝፈጸመ ዘበለ ምእመን ዚፈርድ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ። ካብ ሃገረ ስብከት ብይግባይ ዚመጽእ ጕዳያት ተመልኪቱ ውሳኔ ዚህብ ንሱ ኮይኑ፡ ኣገባቡ ብዚምልከት ድማ ብሕጊ ይውስን።
ለ. ቅዱስ ሲኖዶስ ዝወሰኖ ውሳኔታት መወዳእታን ይግባይ ዘይብሉን እዩ። ነቲ ዝተወሰነ ጕዳይ እንደገና ክርእዮ ዚግባእ ብቑዕ ምኽንያት እንተረኸበ ብጀካኡ ዝርእዮ ካልእ ኣካል የልቦን። ንኣብነት ተጋግዩ ክሒዱ ዝነበረ ሰብ ጥፍኣቱ ኣሚኑ ምሕረት ኪሓትት ከሎ ምሕረት ዚገብረሉ ቅዱስ ሲኖዶስ እዩ።
ሐ. ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ፓትርያርክ ምርጫ ዚቈጻጸርን ኣብቲ ምርጫ ዚካፈልን ነቲ ፓትርያርክ ምስ ተመርጸ ዚሽይምን ኣካል እዩ። ከምኡ'ውን እቲ ፓትርያርክ ኤጲስቆጶሳት ኪሸይም ከሎ ብወሳንነት ዚካፈል እዩ።
መ. ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት እናሓለወ፡ ምስ ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ዚግበር ርክባት ይውስን።
ሠ. ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ ኣባላቱ ጳጳሳት ይኹን ኤጲስ ቆጶሳት ንዋና ጸሓፍነት ዚኸውን ብምሥጢር ይመርጽ
ምንጪ፦ ቃለ ኣዋዲ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195