banner

80 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

80 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን

መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስ

ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ዕረፍቱ፡ ወላሕዉ ፍሡሐን ተዘኪረክሙ ብዝኀ ሠናይቱ!

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ፀዐተ ነፍስ

መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ካብ ኣቡኦም ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስን፡ ካብ ኣደኦም ብዙ ገብረድንግልን ኣብ ማይ ዒላ ወረዳ ዓዲ አቡን ዓድዋ ብ1924 ዓ.ም.ግ (1932 ዓ.ም.ፈ) ተወሊዶም፣ ስሞም ከኣ ‘ገብረኢየሱስ’ ተባህሉ። ከም ነቢይ ሳሙኤል (1ይ ሳሙኤል 1፥21-24) ካብ ንእስነቶም ንኸገልግሉ ካብ 6ይ ዓመት ዕድመኦም ናብ ቤተ እግዚአብሔር ተላእኩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ማይ ዒላ ትምህርተ ዲቁና ተማሂሮም ብ1936 ዓ.ም.ግ (ብ1944 ዓ.ም.ፈ) ኣብ መበል 12 ዓመቶም መዓርገ ዲቁና ተሠየሙ። ንኣስታት 6 ዓመት ዝኣክል ድማ ብቅዳሴን ርድእናን ኣገልገሉ። ‘ይጥዕመኒ ሕገ አፉከ እመዓር ወሦከር’ ከምዝበለ ብቃለ እግዚአብሔር ስለዝተመስጡ ትምህርቶም ንምቕጻል ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጐንደር ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ንልዕሊ 15 ዓመት እናተማህሩን እናኣገልገሉን ትምህርተ ጾመ ድጓ፡ ዜማ፡ ቅኔ፡ አቋቋም፡ ዝማሬ፡ መዝገብ ቅዳሴን ካልእን ብዝግባእ ተማህሩ። ድኅሪ’ዚ ኣብ ሰቆጣዕ ዝበሃል (ወሎ) እናመሃሩ ጸንሑ።

ቀጺሎም ከምቲ ‘‘ጸበበነ ማኅደር፡ ንዑ ንግዝም ዕፀ ወንሕንፅ ካልአ ማኅደረ’’ ዝበለ፡ መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ነቲ ዝተማህርዎ ትምህርቲ ንምብጻሕን ናብ ውሉድ ወለዶ ንኸሰጋግሩን ናብ ኤርትራ መጽኡ።

ተውሳክ፡ . . . 80 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስ

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ “ድኅሪ 57 ዓመት እንክዝከሩ”

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ተዘከሩ መኳንንቲክሙ ዘነገሩክሙ ቃለ እግዚአብሔር ወእንዘ ትሬእዩ ሠናየ ግእዞሙ ተመሰሉ በሃይማኖቶሙ/ ቃል እግዚአብሔር ንዝነገርኹም መምህራንኩም ዘክሩ። ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር ሃይማኖቶም ሰዓቡ። ዕብ. 13፡7

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ “ድኅሪ 57 ዓመት እንክዝከሩ”

ጥበበኛ ሰሎሞን “ካብ ጽቡቅ ሽታስ ጽቡቅ ስም ይበልጽ’ ከምዝብል (መጽ. መክብብ 7፡1) ጽቡቅ ስምን ጽቡቅ ታሪኽን ዘለዎ ሰብ ዋላ ብሥጋ እንተ ኣዕረፈ ብመንፈስ ሕያው ስለዝኾነ እቲ ታሪኹን ስሙን ከም ኣልማዝን ዕንቍን በብጊዜኡ ክበርህን ክዅላዕን እዩ ዝነብር። ዝኽሩ’ውን ኣይርሳዕን’ዩ።

ጽቡቅ ስምን ሠናይ ታሪኽን ካብ ዘለዎም ጳጳሳት ሓደ፡ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ እዮም። ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ብሥጋኦም ካብዚ ዓለም እንተ ተፈልዩን ሥጋኦም ትሕቲ መሬት እንተኾነ’ኳ ስሞም ልዕሊ መሬት ብምዃኑን ታሪኾም’ውን ልዕሊ ደመናት ኮይኑ ስለዝርከብ እንሆ ካብዚ ምድራዊ ዓለም ካብ ዝፍለዩና ድኅሪ 57 ዓመት ንዝክሮም ኣሎና።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ተስፋ እግዚእን ዘጊዮርጊስን፣ ኣደኦም ወ/ሮ ወርቁ ኤልሳዕን ዕለተ ዓርብ 25 ታኅሣሥ 1877 ዓ.ም. (3/01/1885 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ - ሰሳሕ እትበሃል ዓዲ ተወሊዶም።

ተውሳክ፡ . . . ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ቀዳማይ ኤርትራዊ ጳጳስ “ድኅሪ 57 ዓመት እንክዝከሩ”

ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ


ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ

“ብፁዓን እለ ሞቱ በእንተ እግዚአብሔር ከመ ያዕርፋ እምነ ፃማሆሙ ወተለዎሙ ግብሮሙ/ እቶም ብእግዚአብሔር ዝሞቱ ብፁዓን እዮም . . . ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ከዕርፋ እዮም።” ራእ. 14፡13

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ካብ ኣቦኦም ተስፋይ ሃብቱን ኣደኦም ኣየነችን ብ1931 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሽዋ ሃገረ ኢትዮጵያ ተወልዱ። ገና ኣብ 5ተ ዓመት ዕድሜኦም ኣቦኦም ተስፋይ ሃብቱ ናብ ሃገሮም ኤርትራ ኂዞሞም መጽኡ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣብ ዓዲ ባሪ እገላ ሓጺን ከምኡ’ውን ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ (ጐደይቲ) ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ግብረ ዲቁና ድኅሪ ምምሃር መዓርገ ዲቁና ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ ተሠየሙ። ክቱር ባህጊ ትምህርቲ ስለዝነበሮም ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን እናኸዱ ድኅሪ ምምሃር፡ ኣብ ደብረ ኣባይ ግቡእ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድኅሪ ምጽፋፍ ብብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ኣስኬማ ምንኵስና ብምልባስ ሥልጣነ ክህነት ተቐብኡ።

Read more: ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ

ገብር ኄር መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገብር ኄር መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዕቁበ ጊዮርጊስ ወልደ ኢየሱስን ኣዲኦም ወ/ሮ ወለተ ትንሣኤ ኃይለሚካኤልን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ክትሞኣውሊዕ ሃገረ ሓማሴን ወረዳ ሎጎ ጭዋ ተወልዱ።

ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኦም የኔታ ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ዘእምባ ደርሆ ኣብ እምኒ ጸሊም ሓዲሮም ስለዝነበሩ፡ ካብኦም ካብ ፊደል ክሳብ ንባብን ቃል ትምህርትን ቁም ጽሕፈትን ተማህሩ።

ተውሳክ፡ . . .ገብር ኄር መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

ሌላ ምስ ጓል 102 ዓመት ‘ኢታይ አመተ ማርያም’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሌላ ምስ ጓል 102 ዓመት ‘ኢታይ አመተ ማርያም’

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታን ወገንን ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ምስ እግዚአብሔር እተራኽብ መሣልል እያ። ኵሉ’ቲ ኣገልግሎታ ድማ ከከም መዓርጉን ደረጃኡን ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ ብሓድነታዊ ፍቕሪ ይሥራሕ። በቲ ቕብኣት ዘለዎ ሥልጣኖም ካህናት ይቕድሱን ይዓጥኑን፣ ብኣንብሮተ እድ ዝተሾሙ ዲያቆናት’ውን ንኣገልግሎት ይራድኡን ይለኣኹን፣ ምእመናን’ውን ብሞያኦምን ገንዘቦምን ጕልበቶምን የገልግሉ።

ካብዚ ተፈልዩ ዘይርአ ኸኣ ግደ ምእመናት (ደቀ ኣንስትዮ) ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት በዓል ሣራ፡ ርብቃ፡ ኣስቴር፡ ዮዲት፡ ሶስና . . . ከምኡ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ሃና ወለተ ፋኑኤል፡ ማርያም መግደላዊት፡

ተውሳክ፡ . . . ሌላ ምስ ጓል 102 ዓመት ‘ኢታይ አመተ ማርያም’

ዜና ዕረፍት መምህር ቅኔ መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ (ሀብተ ሥላሴ)

ዜና ዕረፍት መምህር ቅኔ መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ (ሀብተ ሥላሴ)

‘ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ/ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጸምኩ’ ዮሓ. 17፡4

መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ ካብ ኣቦኦም ነጋሢ ዑቕባጋብርን ካብ ኣደኦም ኣጽብሐት ገብረመድኅንን ብ1908 ዓ.ም.ግ. ኣብ ዞባ ደቡብ ዓዲ ሣምራይ ተወልዱ። ኣብ መበል ሾብዓተ ዓመት ዕድመኦም ናይ ዓይኒ ስንክልና እኳ እንተ ኣጋጠሞም ኣባ ሓጎኦም ኣቶ ዑቑባጋብር ‘እዚስ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን እዩ ዚኸውን’ ብምባል ኣብ ደብረ መርቆሬዎስ ናብ ዝነበሩ መምህር ገብረ እግዚኣብሔር በረኸት ንኽመሃሩ ኣብጽሕዎም። ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ድማ ንዅሉ ጸዋትወ ዜማን ግእዝን ተማህሩ። ብድኅር’ዚ ናብ ደብረ ኣባይ ከይዶም ካብ መምህር ኋላሸት መዝገበ ቅዳሴ ብመምህርነት ተመረቑ። ኣብ መምህር ወልደማርያም ደስታ ቤተ ክርስቲያን ኣርባዕቱ እንስሳ ንሠለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርኅን ቅኔ ምስ ተማህሩ፡ ደጊሞም ከኣ ኣብ መልኣከ ገነት ተክለሃይማኖት ዓዲያ መራጕዝ ንኣርባዕተ ዓመት ተማሂሮም ብቅኔ ተመረቑ። ፍቕሪ ቃለ እግዚአብሔር ስለዝነበሮም ዜማ ኣቋቋም ካብ መምህር መንግሥቱ ማርሥላሴ ተማህሩ።

ተውሳክ፡ . . .ዜና ዕረፍት መምህር ቅኔ መልአከ ገነት በርሀ ነጋሢ (ሀብተ ሥላሴ)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195