banner

80 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

80 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን

መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስ

ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ዕረፍቱ፡ ወላሕዉ ፍሡሐን ተዘኪረክሙ ብዝኀ ሠናይቱ!

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ፀዐተ ነፍስ

መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ቀሲስ ገብረሥላሴ ካብ ኣቡኦም ቀሲስ ገብረሥላሴ ቀሲስ ገብረጊዮርጊስን፡ ካብ ኣደኦም ብዙ ገብረድንግልን ኣብ ማይ ዒላ ወረዳ ዓዲ አቡን ዓድዋ ብ1924 ዓ.ም.ግ (1932 ዓ.ም.ፈ) ተወሊዶም፣ ስሞም ከኣ ‘ገብረኢየሱስ’ ተባህሉ። ከም ነቢይ ሳሙኤል (1ይ ሳሙኤል 1፥21-24) ካብ ንእስነቶም ንኸገልግሉ ካብ 6ይ ዓመት ዕድመኦም ናብ ቤተ እግዚአብሔር ተላእኩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ማይ ዒላ ትምህርተ ዲቁና ተማሂሮም ብ1936 ዓ.ም.ግ (ብ1944 ዓ.ም.ፈ) ኣብ መበል 12 ዓመቶም መዓርገ ዲቁና ተሠየሙ። ንኣስታት 6 ዓመት ዝኣክል ድማ ብቅዳሴን ርድእናን ኣገልገሉ። ‘ይጥዕመኒ ሕገ አፉከ እመዓር ወሦከር’ ከምዝበለ ብቃለ እግዚአብሔር ስለዝተመስጡ ትምህርቶም ንምቕጻል ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጐንደር ካብ ዝተፈላለዩ መምህራን ንልዕሊ 15 ዓመት እናተማህሩን እናኣገልገሉን ትምህርተ ጾመ ድጓ፡ ዜማ፡ ቅኔ፡ አቋቋም፡ ዝማሬ፡ መዝገብ ቅዳሴን ካልእን ብዝግባእ ተማህሩ። ድኅሪ’ዚ ኣብ ሰቆጣዕ ዝበሃል (ወሎ) እናመሃሩ ጸንሑ።

ቀጺሎም ከምቲ ‘‘ጸበበነ ማኅደር፡ ንዑ ንግዝም ዕፀ ወንሕንፅ ካልአ ማኅደረ’’ ዝበለ፡ መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ነቲ ዝተማህርዎ ትምህርቲ ንምብጻሕን ናብ ውሉድ ወለዶ ንኸሰጋግሩን ናብ ኤርትራ መጽኡ።

ትምህርቲ ግብረ ዲቁናን መዝገብ ቅዳሴን መሠረታዊ ኵሉ ክመሃሮ ዘድሊ ብምንባሩ፡ ትምህርቶም ንምምስካር ናብ ደብረ አባይ ተመሊሶም መዝገብ ቅዳሴ ካብ መምህር የኋላእሸት ኣመስከሩ። ብቕዓት ትምህርቶምን ኣገልግሎቶምን ዝመስከርሎም መምህር የኃላእሽት “አፈ ወርቅ” ዝብል ስም ሃብዎም። ድኅሪ እዚ ናብ ሃገረ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ዓድታት ላቄን ክሳድ ዳዕሮ፣ ዓዲ ቅያኖ፣ . . ጐድኒ ጐድኒ ኣገልግሎቶም ወንበር ዘርጊሖም ብዙኃት ተመሃሮ ኣፍረዩ።

ንትሕትናኦምን ብቕዓት ትምህርቶምን ዘጽንዑ ኣመኃዳርን ገበዝን ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ወሩፋኤል ቤት መኻእ ዝነበሩ ኣቦና ቀሲስ ኤፍሬም ቀሲስ ዘርአዮሐንስ ናብ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ወሩፋኤል ቤት መኻእ ቤተ ክርስቲያን ኣምጽእዎም። መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ካብ ዝመጹላ ዕለት ጀሚሮም ኣገልግሎቶም ብዝግባእ ጀመሩ።

ብብዝኂ ተመሃሮ እናፍረዩ፡ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን’ውን ብትግሃት እናፈጸሙ ከለው ዓበይቲ ኣቦታት ናይዚ ደብሪ ደጊም በይንኹም ክትነብሩ ጽቡቕ ኣይኮነን እሞ ንዓኹም ትሰማማዕ ደጋፊት ኣምጽኡ በልዎም። መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ድማ ቃሎምን ሓሳቦምን ብምቕባል ብዕለት 15 ጥሪ 1971 ዓ.ም.ግ ምስ ወ/ሮ መብራት ወልደጊዮርጊስ ብቅዱስ ሥጋኡን ብክቡር ደሙን ቃል ኪዳን ኣሰሩ። ኣብ 1972 ዓ.ም.ግ (1980 ዓ.ም.ፈ) ሥልጣነ ክህነት ካብ አቡነ ገብርኤል ተቐበሉ። ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ’ውን 4ተ ኣወዳትን 3ተ ኣዋልድን ወለዱ።

ለይቲ ምስ መዓልቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ከይተፈልዩ ነቲ ዝነበሮም ኣገልግሎት ብዝለዓለ ቀጸልዎ። ዝመሃርዎም ተመሃሮ ብቍጽሪ ክንድዚ እዮም ኢልካ ዝቝጸሩ ኣይኮኑን። ንሕፃናት ካብ ፊደላት ክሳብ መዓርገ ዲቁናን ክህነትን የብጽሑ ነበሩ። ካብ ብዙኅ ዓድታት፡ ኣድባራትን ገዳማትን ንዝመጹ ተማሃሮ’ውን ብተወፋይነት ይምህሩ ነበሩ። ፍሬ መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ዝኾነ ፊደል ዘይቈጸረ ከምኡ’ውን ክሳብ ሥልጣነ ክህነት ዘይበጽሐ የለን። ንልዕሊ 150 ምእመናንን ምእመናትን ብአበ ነፍስነት ኣብ ሃይማኖቶም ክጸንዑን ብሥነ ምግባር ክተግሁን ብዝግባእ ይጓስዩ ነበሩ።

ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትሪያርክ’ውን ብቕዓት ትምህርቶምን ኣገልግሎቶምን ርእዩ ኣብ መንፈሳዊ ኮሌጅ ፍኖተ ብርሃን ክምህሩ መጸዋዕታ (ዕድመ) የቕርበሎም ከምዝነበረ ይዝከር።

ብምኽንያት ስእነት ጥዕና ተማሃሮ ምምሃር እኳ እንተኣቋረጹ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ግና ለይቲ ምስ መዓልቲ ኣየቋረጹን።

ዋላ’ውን ናይ ጥሮታ ዕድሜኦም እንተ በጽሐ ብውሳኔ መንበረ ፓትሪያርክ ክሳዕ ባዕሎም ደኺመ ይኣኽለኒ ዝብሉ ኣብ ኣገልግሎት ክጸንሑ ተመደበሎም። 

 ብቕዓት ትምህርቶም፣ ዘመን ኣገልግሎቶምን፣ ዘፍረይዎም ተመሃሮን ተራእዩ’ውን ብቅዱስ ሲኖዶስ ‘መጋቤ ኣእላፍ’ ዝብል መዓርግ ተዋህቡ።

መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ብዕለት 3/3/2008 ዓ.ም.ግ ካብ ኤርትራ ናብ መቐለ ኢትዮጵያ ምስ ሥድራኦም ከዱ። ንሠለስተ ዓመት ብስእነት ጥዕና ከይተታረፉ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን መቐለ ጸሎቶም እናብጽሑ ነይሮም፡ ኣብ መበል 87 ዓመት ዕድመኦም ብዕለት 25 መስከረም /01/2011 ዓ.ም.ግ ሰዓት 10፡30 ድ.ቀ ኣብ መንበሪ ቤቶም ኣዕሪፎም። 

ብዕለት 26 መስከረም 2011 ዓ.ም.ግ ድማ ኣብ ካቴድራል ቅድስት ማርያም መቐለ ስብሐታትን ቅዳሴን ምስ በጽሓሎም ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ሥርዓተ ቀብር ተፈጺምሎም።

ኣቦናን መምህርናን መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ ኣብታ ንልዕሊ 40 ዓመት ዘገልገልዋ ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ቤት መኻእ (ኤርትራ)፡ ናይ መንፈስ ደቆም ዝርከብዎም ሊቃውንት መዘምራንን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 04 ጥቅምት 2011 ዓ.ም.ግ. ብጸሎተ ፍትሓት ተዘኪሮም።

በከየት ደብረ ሣህል ገዳምከ፡ ሰሚዐ ዜና ሞትከ ። / ዜና ዕረፍትኻ ሰሚዓ ደብረ ሣህል ቤ/ክ በኽያ።

ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ አቡነ ገብረኢየሱስ! / ኦ ጐይታ ነፍሲ አቡነ ገብረኢየሱስ (መጋቤ አእላፍ አፈወርቅ) ብሰላም ኣዕርፍ!!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195