banner

'እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር እዩ'፣ ዜና መዋዕል ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ዜና መዋዕል ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ

“ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር/ እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ቤተ እግዚአብሔር እዩ።”

ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፡ ጽቡቕ ሽምን ልዑል ክብርን ካብ ዘለዎም ብፁዓን ኣቦታት ሓደ ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ እዮም።

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ገብረማርያም ተስፋጽዮንን ኣደኦም ወ/ሮ ምላሹ ሠመረግብረቱን ብዕለት 28 ነሓሴ 1924 ዓ.ም. (1932 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ ከተማ ድባርዋ ተወሊዶም።

ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ኣብ ዝተፈላለዩ መምህራን ቃለ እግዚአብሔርን ያሬዳዊ ዜማን ተማሂሮም።

ካብ ቀሲስ ኣድኃኖም ገብሩ ፊደል ቈጺሮም ክሳብ ግብረ ዲቁና፣ ከምኡ’ውን ካብ ዜማ ውዳሴ ማርያም ጀሚሮም ምዕራፍ፡ ጾመ ድጓን ሓፈሻዊ ጸዋትወ ዜማን ካብ መምህር ተስፋማርያም (ወዲ ሽኮር) ኣብ ዓዲ ታኺታ ተማሂሮም። ቀጺሎም ናብ ጎንደር ብምኻድ ካብ የኔታ በለጠ ኣቋቋም ክብረ በዓል ምስ ተማህሩ ናብ ደብረ ዓባይ ብምምራሕ ካብ የኔታ ኀይለማርያም መዝገበ ቅዳሴ ኣጽፊፎም ተማሂሮም።

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ፡ መንፈሳዊ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ዝተመሃርካዮ ምምሃርን ዘሪእካ ምፍራይን ከም ዝግባእ ተረዲኦም ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተማሃሮ መሃሩ። ኣብ ደብረ ግዕዛን ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ድባርዋ ንኽልተ ዓመት ብመምህርነት ኣገልገሉ። ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣኽል ድማ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ዓዲ ሎጎ ብደረጃ መምህርነት ኣገልገሉ።

ከንቱነት ዓለምን ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ዝፈለጡ ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ፡ “ኣነ ምውት በኀበ ዓለም፡ ወዓለምኒ ምውት በኀቤየ/ ኣነ ንዓለም ምውት ከም ዝኾንኩ ዓለም ከኣ ብኣይ ምውቲ እያ” (ገላ. 6፡14) ኢሎም ብኣበምኔት ደብረ ቢዘን ዝነበሩ መምህር ተወልደ ብርሃን ወልደ ሥላሴ (ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ) ኣርዑት ምንኵስና ብ1964 ዓ.ም.ግ. ተቐበሉ። ‘ኣባ ዘመንፈስ ቅዱስ’ ዝብል ስመ ምንኵስና ድማ ተሰየሙ።

ብድኅርዚ ከይወዓሉ ከይሓደሩ ስብከተ ወንጌል ኣብ ምስፋሕን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ምሕናፅን ተዋፈሩ። ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝፈረየ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ባዕሎም ናይ ምቅያስ ፍሉይ ክእለት ምህንድስናን ንቅሓተ ሕልናን ስለዝነበሮም ኣብ ሓፂር ጊዜ ብዙኅን ብሉጽን ሥራሓት ኣቃንዑ።

ኣብ ዓዲ ሎጎ ብስም ቅዱስ ሚካኤልን ብስም ቅዱስ ኣቡነ ኪሮስን ቤተ ክርስቲያን ምስ ንማየ ጸሎት ዝኸውን ሓጽቢ ሓነፁ። 

ብ 1948 ዓ.ም.ግ. ኣብታ ዘይተደኮነት ገዳም ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ምስ ኣርብዓ ዝኾኑ ተመሃሮኦም ብምቕማጥ ኣብ መምህርነትን ምናኔን ብሕትውናን ተፀምዱ።

ንጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ካብ ገበርቲ ሠናይ ገንዘብ ብምውፃእ ምስ ተመሃሮኦም ንምዃን ብሓድሽ ዘመናዊ ሕንፃ ምስ ኵሉ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎትን ገዳማዊ ናብራ ገዳምን ዘድሊ ኣማሊኦም ብምሕናፅ ብ1953 ዓ.ም.ግ. ከም ትምረቕ ገበሩ።

ብ 1962 ዓ.ም.ግ. ናይ 49 ኣብያተ ክርስቲያናት ሊቀ ካህናትን ሰባኬ ወንጌልን ኮይኖም ከገልግሉ ብብፁዕ ኣቡነ ታዴዎስ ድኅሩ ምሻሞም ብትግሃትን ተወፋይነትን ኣገልገሉ።

ንኣገልግሎት እግዚአብሔር ዘስፍሕ ዕዮ፡ ካብ 1967 ዓ.ም.ግ. ዝጀመረ ሽዱሽተ ዓመት ዝወሰደ ንጥንታዊ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ግእዛን ቅዱስ ሚካኤል ድባርዋ ብዘመናዊ ኣተሓናንፃ ክሓንፁ ከለዉ፡ ካብ 1976 ዓ.ም.ግ. ዝጀመረ ልዕሊ ሠለስተ ዓመት ዝወሰደ ንቤተ ክርስቲያን እንዳ ማርያም ብዘመናዊ ኣተሓናንፃ ሓኒፆም ኣመረቕዎ። 

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ፡ ፍቕዳ ምስ ኵለን ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ክትሥራዕ ዘገልገልዎ ተራእዩ ብብፁዕ ኣቡነ ታዴዎስ ኣብ 1978 ዓ.ም.ግ. ኣበምኔት ናይ ገዳም ቁስቋም ማርያም ኣረጊት ድባርዋ መምህር ኮይኖም ከገልግሉ ተመርጹ። ቀጺሎም’ውን ናይ ንኡስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ ቤት ጽሕፈት መራሕ ሥራሕ ኮይኖም ብዓቢይ ኃላፍነት ኣገልገሉ።


ኣብ ገዳም ቁስቋም፡ ካብ 1946 ዓ.ም.ግ. ጀሚሮም ዝፈጸምዎ ኣገልግሎት ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝሳገር ዓቢይ ውዕለት እዩ። ከም መቐጸልታኡ ድማ ካብ 1982 - 1988 ዓ.ም.ግ. ብስም ኣቡነ ኣረጋዊ ቤተ ክርስቲያን ከሕንፁ ከለዉ፡ በዓል ሠለስተ ደርቢ መንፈሳዊ ቤት ትምህርቲ፣ ሠለስተ ክፍሊ ቤተ መዘክር፡ ቤተ መዛግብትን ቤተ ቅርስታትን’ውን ኣሕነፁ።

ናይ ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ግብረ እድን መጻኢ ራእዮምን ስለዝተጋህደ፡ ቅዱስ ፍቃድ እግዚአብሔር ኮይኑ ብብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብዕለተ ሰንበት 22 ግንቦት 1996 ዓ.ም.ግ. (30/05/2004 ዓ.ም.ፈ.)  ምስ ሠለስተ ኣቦታት መዓርገ ጵጵስና ተቐቢሎም ‘ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋ’ ዝብል ስመ ጵጵስና ለበሱ።

ሃገረ ስብከቶም ድባርዋን ከባቢኣን ኮይኑ ብዓቢይ ተወፋይነት ኣብ ዘገልገልሉ ዘመነ ሢመቶም፥ 300 ብመዓርገ ክህነትን 1500 ብመዓርገ ዲቁናን ክቐብኡ ከለዉ፡ ንኣርባዕተ ኣርዑተ ምንኩስና ኣልቢሶም። ከምኡ’ውን 10 ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያን ክባርኹ ከለዉ 15 ኣብያተ ክርስቲያን ድማ እምነ መሠረት ኣንቢሮም። ን 20 ኣብያተ ክርስቲያን ምስ ግድምነአን ብምትእስሳር ድማ ናይ መጸውዒ መዓርግ ስም ሂቦም።

“ወመዋዕለ ዓመቲነ ሰብዓ ክራማት ወእመሰ በዝኀ ሰማንያ ዓም ወፈድፋዶንሳ እምእላ ፃማ ወሕማም።/ ዕድመና ሰብዓ ዓመት እንተ በዝኃ ሰማንያ ዓመት ካብኡ’ውን ጻዕርን ሕማምን እዩ።” (መዝ. 90፡10) ዝበሎ ኣቦና እውን ካብዚ ክልል ዕድመ’ዚ ኣይኃለፉን። እንሆ ድማ ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም፡ ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም ጕያኦም ወዲኦም ብዕለተ 17 ኅዳር 2004 ዓ.ም.ግ. (27/11/2018 ዓ.ም.ፈ) ንሓፂር እዋን ሓሚሞም ብሰላም ዓረፉ።

ዕለተ 19 ኅዳር 2004 ዓ.ም.ግ. (29/11/2011 ዓ.ም.ፈ.) ድማ ኣብታ ንኣስታት 50 ዓመት ዘገልገልዋን ዝሓነፅዋን ገዳም ቁስቋም ቅድስት ማርያም ኣረጊት ድባርዋ ኣብ ቀጽራ ጸበለ ሓመዳ ተነጺፎም ሓመድ ኣዳም ለበሱ።

እዚ ኸኣ “ነዚ ሰብ’ዚ እግዚአብሔር ከምዚ ይብሎ ኣሎ ሰናብተይ እንተ ደኣ ሓሊኻ፡ ንኣይ ዜሐጕስ እንተ ደኣ ሓሪኻ፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣጽኒዕካ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ዘጸውዕ ስም ድማ ክህበካ እየ። እወ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ እየ።” (ኢሳ. 56፡6) ከምዝብል እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195