banner

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ፀአተ ነፍስ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ዲዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ

ዜና መዋዕል እምልደት እስከ ፀአተ ነፍስ
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ዲዮስቆሮስ ራብዓይ ፓትርያርክ
ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘሀገረ ኤርትራ

 

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ሓጐስ ወልዱን ኣደኦም ወ/ሮ ወለተ ሕይወት ሃብቱ ስብሓቱን ኣብ ዞባ ደቡብ ዘኾሎ ዝተባህለ ዓዲ ብዕለት 29 ታኅሣሥ 1927 ዓ.ም. (1935 ዓ.ም.ፈ.) ተወልዱ። ስሞም ድማ ‘ገብረ እግዚአብሔር’ ተባህሉ።
ከምቲ ሕልቃናን ሓናን ንሕፃን ሳሙኤል ወዶም ተማሂሩ ንኼገልግል ናብ ቤተ እግዚአብሔር ናብ ካህን ኤሊ ዝለኣኹ፡ (1ይ ሳሙ. ፩፡፳፩-፳፬/1፡21-24) እዞም ወለዲ’ዚኦም ከኣ ተማሂሮም ንኼገልግሉ ኣብ ፲፭/15 ዓመት ዕድሚኦም ብ1942 ዓ.ም.ግ ናብ ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ናብ መምህር ሢራክ ስብሐትለአብ ለኣኽዎም። ካብ መምህር ሢራክ ምሉእ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን ትምህርተ ቃልን ምስ ተማህሩ፡ ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኦም ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ መዓርገ ዲቁና ተቐቢሎም ኣብ ትምህርትን ርድእናን ገዳም ደብረ ጥሉል ብምሉእ ልቦምን ብዅሉ ኃይሎምን ኣገልገሉ።

ካብ ምንኵስና ክሳብ አበምኔት

ኣብ 1942/1947 ዓ.ም.ግ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብፍቓዶም ንማኅበረ መነኮሳት ኣፍቂዶም፡ ከምቲ ‘ ዓለምን ፍትወታን ኃላፊ እዩ እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለዓለም ይነብር’ (1ይ ዮሓ. ፪፡፲፯/2፡17) ዝብሎ ካብዚ ምድራዊ ናብራ ዓለም ርሒቖም ብድንግልና ንእግዚአብሔር ኸገልግሉ መብጽዓ ኣትዮም፡ ‘ኣባ ገብረ እግዚአብሔር’ ዝብል በቲ ስመ ክርስትናኦም መጸውዒ ስም ተዋሂብዎም መዓርገ ምንኵስና ተቐበሉ። ኣብቲ ዓመት እቲ ድማ መዓርገ ክህነት ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ተቐብኡ። ኣብዚ ገዳሞም ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ንሠለስተ ዓመት ብግብረ ክህነትን ተልእኮ ማኅበርን ርድእና ኣረጋውያንን ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ፡ መንፈሳዊ ትምህርቲ ንኽውስኹ ናብ ገዳም ደብረ ኣባይ (ኢትዮጵያ) ከይዶም፡ ንኽልተ ዓመት ካብ መምህር ቅዳሴ አፈ መምህር ገብረ ኪዳን ከምኡ’ውን ንሓደ ዓመት ካብ መምህር ኋላሸት መዝገበ ቅዳሴን ባሕረ ሓሳብን ኣጽፊፎም ተማህሩ። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብቲ ዓፅሚ አቡነ ዘሚካኤል ወዲ ኣቡነ ኣብራንዮስ ዘለዎ ዓዲ ጣል መምህርን ኃላፊ ገዳምን ኮይኖም ንዓሠርተው ኃሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝጸንሕሉ፡ ፱፻/900 ዝኣኽሉ ተመሃሮ ብትምህርቲ ግብረ ዲቁናን ግብረ ክህነትን ባሕረ ሓሳብን መሃሩ።
ኣብ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ትምህርትን ዕዮ ገዳምን ተጸሚዶም ከለዉ ናብ ገዳሞም ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ (እንዳቦና) ተጸዊዖም እኳ እንተ መጽኡ ነቲ ርድእናን ተኣዝዞን ትምህርትን ብተወፋይነት ቀጸልዎ። መንፈሳዊ ሕይወቶምን ኣገልግሎቶምን ተራእዩ ድማ መዓርገ ቍምስና ካብ ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ተቐበሉ።

ካብ ኣበምኔት ክሳብ መዓርገ ጵጵስና
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ናይ ዕሥራ ዓመታት ተመክሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ብቕዓቶምን ተመስኪርሎም፡ ብ1966 ዓ.ም.ግ ብምልኣተ ገዳም ማኅበረ መነኮሳት “ይደልዎ/ ይግብኦ” ተባሂሎም ንኣበምኔት ተመርጹ፡ “እስመ መምህረ ሕግ” “መምህር ገብረ እግዚአብሔር ኣበምኔት ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ” ዝብል መጸውዒ ኂዞም ድማ መሪሕነት ገዳም ተረከቡ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ‘ምርሐኒ እግዚኦ ፍኖተ እንተ ባቲ አሐውር/ ኦ ጐይታ እታ ዝኸዳ መንገዲ ምርሓኒ’ (መዝ. ፻፵፪፡፰/ 143፡8) ብምባል፡ ከምኡ’ውን ነዚ ዓቢይ ኃላፍነት ዘሰክምን ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትትን ኣብ ሰማይ ከኣ ክብሪ ዘጓናጽፍ ግብረ ተራድኦ ምዃኑ ተረዲኦም ብፍጹም ተወፋይነት ንገዳምን ሕዝበ ክርስቲያንን ዝጠቅም ብዙኅ ሥራሓት ሠሪሖም እዮም። ብሓፈሻ ምስ ምንዋኅ ጊዜን ብዝኂ ኣገልግሎትን ዘይተሰነዱ ኣዝዮም ብዙኃት ዕዮታት ገዳም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ንገለ ካብቲ ብዙኅ ኂደት ክንጠቅስ፡-
*  መሠረት ሃይማኖት ቃል እግዚአብሔር እዩ እሞ (ሮሜ ፲፡፲፯/10፡17) ቅዱሳት መጻሕፍተ ብራና ቀዲሖም ጽሒፎም ንገዳም ዝሃብዎ ብዙኅ እዩ። ንኣብነት፡ ግብረ ሕማማት፡ መዝገበ ቅዳሴ ምስ ምልክቱ፡ መጽሐፈ አክሲማሮስ፡ መልክዐተ ቅዱሳንን ካልኦትን።
* ኣብያተ ክርስቲያን ኣሕኒፆምን ኣሐዲሶምን። ነቲ ምስ ምንዋኅ ዓመታት ኣሪጉ ዝነበረ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ኣቡነ ኣብራንዮስ ከምኡ’ውን መቓብር ኣቡነ ኣብራንዮስ ዝርከበሉ ካልኣይ ቤተ ክርስቲያን ገንዘብ ገዳም ኣዋፊሮምን ገበርቲ ሠናይ ኣወሓሒዶምን ከም ዝሕደስ ክገብሩ ከለዉ፡ ሓድሽ እንዳ ደወልን ቤተ ልሔምን ድማ ኣሕነፁ። ኣብ ዓዲ ፍኒዕ ምድሪ ፈላሲ ዞባ ደቡብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ኣሕኒፆም። ብተወሳኺ ምስ ሕዝቢ ዓድታት ክለውሊዕ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት፡ ፀበላ ቤተ ክርስቲያን ማርያም ጽዮን፡ ማይ ልቡስ ቤተ ክርስቲያን በአታ ማርያም፡ ዓዲ ከብታ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት፡ ዓዲ ጕዕቦ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔዓለም፡ ዝርቤን ቤተ ክርስቲያን እንዳ ማርያም ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኣሐዲሶም። ምርፍቀ ነጋድያንን መደቀሲ ኣጋይሽን ዝኾነ ዓቢይ ሕንፃ ብምትሕብባር ገበርቲ ሠናይ ሓኒፆም።
* ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ብፁዕ ዘይሁብ እምዘይነሥእ/ካብቲ ዚቕበልሲ እቲ ዚህብ እዩ ብፁዕ” (ግብ. ሓዋ. ፳፡፴፭/20፡35) ዝበሎ፡ ንገዳም ካብ ተመጽዋትነት ናፃ ንምግባር፡ ኣብ ፃዕዳ ዋላኻን ማሻ ዝርከብ ጀርዲን ገዳም ክልተ ዒላታት ብከቢድ ጻዕሪ ከዅዕቱን፡ ብናይ ሽዑ መንበረ ጵጵስና ዝገበረሎም ሓገዝ ሣልሰይቲ ዒላ ብምዅዓት ሞተረታት ዓዲጎም ኣትክልቲ ከልምዑን ከለዉ ብናቶም ወፃኢታት መዋህለሊ ማይ ብምሥራሕ ውን ዓቕሚ ገዳም ኣዕብዮሞ። ብተወሳኺ ድማ ኃይሊ መብራህቲ እተመንጩ ምስ ገበርቲ ሠናይ ብምትሕብባር ጀነሬተር ዓዲጎም ኣረከቡ።
* ስለ ሃይማኖትን ገዳምን ብዙኅ ተቓሊሶም እዮም። ዝተረከብዎ መሬት ንምዕቃብ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጵያ) ብምኻድ መሬት ገዳሞም ምዃኑ ኣረጋጊጾም እዮም። ከምኡ’ውን ብሥርዓተ ደርግ ክሳዕ ማእሠርትን ንሕይወቶም ዝፈታተን መከራን በጺሕዎም እዩ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ሓደ ካብቶም ሥምረት ገዳማት ኤርትራ ዝመሠረቱ ኣቦታት ኮይኖም፡ ከም ቆሞስ (ኣቦ መንበር) ንኃሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ብትግሃት ኣገልገሉ።

ካብ መዓርገ ጵጵስና ክሳዕ ሊቀ ጵጵስና
ሃገርና ኤርትራ ድኅሪ ናይ ብዙኅ ዓመታት ቃልስን መሥዋዕትን ናፅነታ ረኺባ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ብመንፈሳዊ መዳይ ነታ ትቐውም ጊዜያዊት ቅዱስ ሲኖዶስ ናይ ሉዓላዊት ኤርትራዊት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ካብ ኵለን ገዳማት ዝተዋጽኡ ኣበምኔታት ኣብ ዝተረቝሕሉ ብብዝኂ ድምፂ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ተመርጹ። በቲ ምስ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ዝተገብረ ዝርርብ ድማ ኃሙሽተ ኣበምኔታት ሓደ ካብኦም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ዝርከብዎም ናብ ግብጺ ብምኻድ ንሽድሽተ ወርኂ ዝኣክል ብተኸታታሊ ላዕለዋይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ተማህሩ። ፷/60 ሊቃነ ጳጳሳት መትሮ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ብብፁዕ ወቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ፓትርያርክ ዘመንበረ ማርቆስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ፡ ብ፲፪/12 ሰኔ 1986 ዓ.ም. (19-06-1994 ዓ.ም.ፈ) ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥርዓተ ሢመትን ጸሎተ ተቀብኦ ጵጵስናን ተፈጺምሎም ‘ብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ጳጳስ’ ተባህሉ። ከምቲ “ሤመክሙ እግዚአብሔር ጳጳሳተ ከመ ትርዐዩ ቤተ ክርስቲያኑ እንተ ኣጥረያ በደሙ/ ነታ ብደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስቲያን ክትጓስዩ ጳጳሳት ገይሩ ሸመኩም” ግብ.ሓዋ. ፳፡፳፰/20፡28 ዝበሎ ድማ፡
ኣቐዲሙ ጊዜያዊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ መዲብዎ ብዝጸንሐ መሠረት ብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ጳጳስ ኣድያመ ስብከት ደቡብ መንደፈራ (ዞባ ደቡብ) ኮይኖም ከገልግሉ ተመደቡ። በዚ ኸኣ ንሓደ ካብቶም ትሽዓተ ኣድያማተ ስብከት ኤርትራ ዝኾነ ኣድያመ ስብከት ደቡብ መንደፈራ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ካብ ፲፱፻፹፮/1986 ዓ.ም.ግ ጀሚሮም መርሕዎን ኣመኃደርዎን። ኣብ ዘመነ ጵጵስናኦም ብዙኅ ሓዋርያዊ ተልእኾን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ፈጺሞም እዮም። ንኣብነት ፦
1. 1035 ካህናትን፡ 4542 ዲያቆናትን ኪቐብኡ ከለዉ ክልተ ቆሞሳት ድማ ባሪኾም።
2. 119 ሓደስቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኪባርኹ ኸለዉ፡ ቤት ጽሕፈት ናይ ንኡሳን ሃገረ ስብከታት ደቡብ መንደፈራ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምርድዳእ ኣብ ማይ ምነ፡ ዓዲ ዃላን እምኒ ኃይልን ሓኒፆም።
3. ከም ባሕታዊ በዓል ትዕግሥቲ፡ ኣመስጋኒ ብዓቕልን ተባዕ ኣገልጋልን ኮይኖም ኣብ ዕቤትን ትንሣኤን ቤተ ክርስቲያን ንዝለዓሉ ዓበይቲ ጕዳያት፡ ብምኽርን ማዕዳን መስመሩ ከምዝኅዝ ገይሮም።

መዓርገ ሊቀ ጵጵስና
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዘብጽሕ ብቕዓት ስለ ዘማልኡ ካብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ብዕለት ፳፩/21 ሐምሌ 1990 ዓ.ም.ግ መዓርገ ሊቀ ጵጵስና ተቐብኡ።
ብድኅር’ዚ ምስ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ናይ ምምኅዳር ኮሚቴ ኣባል ኮይኖም ንቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ወኪሎም ኣብ ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክ ከገልግሉ ኸለዉ ካብ 2001 ዓ.ም.ፈ. ወኪል ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኮይኖም ኣብ ምምኅዳር መንበረ ፓትርያርክ ብኃላፍነትን ትግሃትን ተወፋይነትን ሠሪሖም። ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፦ ብውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብምዃን ናብ ወፃኢ ሃገራት ግብጺ፡ ኣሜርካ፡ ብራዚል፡ ጥልያን፡ ስዊድን፡ ኖርወይ፡ኬንያን ካልኦትን ሓዋርያዊ ዑደት ኣካይዶም።

ካብ ዕለተ ሢመተ ፓትርያርክ ክሳዕ ዕረፍቶም
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ዐቃቤ መንበረ ፓትርያርክ ኮይኖም ከገልግሉ ድኅሪ ምጽናሕ ቅዱስ ሲኖዶስ ምርጫ ቅዱስ ፓትርያርክ ኪካየድ ብዝወሰኖ መሠረት ብዕለት 11 ሚያዝያ 1998 ዓ.ም. (19-04-2007 ዓ.ም.ፈ.) ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ፡ ሊቃነ ካህናትን ተወከልቲ ኣድያማተ ስብከትን ኣድባራትን ሃገረ ስብከት ኣሥመራን ኣብ ዝተረኽብሉ ብናፃን ርትዓውን ፍትሓውን ምርጫ ካብቶም ንሕጽዩነት ዝተመርጹ ዝለዓሉ ሠለስተ ኣቦታት፡ ብምልኣተ ድምፂ ንብፁዕ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኮይኖም ከገልግሉ ተመርጹ። በዚ መሠረት ድማ ዕለት 19 ግንቦት 1998 ዓ.ም. (27-05-2007 ዓ.ም.ፈ.) ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺምሎም ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ 4ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኾኑ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብዘን መዋዕለ ፓትርያርክናኦም፡- ከም ትጉህ ኣገልጋሊ ክርስቶስን መጋቤ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ኮይኖም (1ይ ቆሮ. ፬፡፩/ 4፡1)፡ ካብ ዓዲ ናብ ከተማ፡ ካብ ኣብያተ ክርስቲያን ናብ ገዳማት፡ ካብ ውሽጢ ሃገር ናብ ወፃኢ ሃገር ሓዋርያዊ ዑደት እናገበሩ ኣብያተ ክርስቲያን ክባርኹን፡ ውሉደ ክህነት ከተባብዑን ምእመናን ከጸናንዑን ክመኽሩን እዮም ኣኅሊፎመን። ኣብ ኵሉ ምእኩል ምምኅዳራዊ ኣሠራርሓ ቤተ ክርስቲያን ብምእዋጅ ብፍላይ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሥመራ ባጀታዊ ኣሠራርሓ ኣብ ምትእትታው ብተወፋይነት ሠሪሖም። እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ንግደት ኢየሩሳሌም ደጊሙ ከም ዝጅመር ብምግባር፡ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ. መርሕ ለኢየሩሳሌም ኮይኖም ነጋድያን ምእመናንን ምእመናትን መሪሖም ኃሙሽተ ጊዜ ነጊዶም፡ ክሳዕ ሕጂ ድማ ሻድሻይ ዙር በጺሑ ኣሎ።
ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ኣብ መዋዕለ ፓትርያርክነቶም መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን (ወንጌል ማቴዎስ - ራእይ ዮሓንስ) ካብ ቋንቋ ግእዝ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ ናብ ኅትመት ክበጽሕ ዝገበርዎ ልዑል ጻዕርን ዝተጀመረ ሕንፃ መንፈሳዊ ኮለጅ (ዕዳጋ ኃሙስ) ኣብ ምሕናፁ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ከምኡ’ውን ብመሪሕነቶም ገምጋም ዕሥራ ዓመት ዕዮ ቤተ ክርስቲያን ምቅናዑ ኵሉ ዝፈልጦ ተዘካሪ እዩ።
ኣብ ክብረ በዓላት ዘይተርፉ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ መራሒ ቀዳስያን ኮይኖም ቀዲሶም ምእመናን የቝርቡን ቃለ ቡራኬን ኣባታዊ ምኽርን ይህቡ ነበሩ። ከም መርኣያ ኣብ መንእሰያት ዘለዎም ልዑል ፍቕርን ተገዳስነትን ኣብ ዓበይቲ በዓላት ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበት ብምስታፍ ኣባታዊ ምኽሪ ሂቦምን ኣተባቢዖምን።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ደኺመ ከይበሉ ኣብ ስብከታውን ልምዓታውን ምምኅዳራውን ሓዋርያዊ ተልእኾ ተጸሚዶም ከለዉ ሃንደበት ብኸቢድ ምስ ሓመሙ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ክሕከሙ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ‘ሠናይ ገድሊ ተጋዲሎም፡ ጕያኦም ወዲኦምን ሃይማኖት ኣጽኒዖም’ ብዕለት 11 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም. (21-12-2015) ብሰላም ዓሪፎም። 
ንቅዱስነቶም ዝግባእ ስብሐተ እግዚአብሔርን ጸሎተ ፍትሓትን ምስ በጽሐ ኸኣ ከምቲ መጽሐፈ ሢራክ “ብፁዕ ዘይሔሊ ዕለተ ሞቱ/ ዕለተ ሞቱ ዝዝክር ብፁዕ እዩ ” ዚብሎ፡ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ገና ብጥዕና እናተዛወሩ ሞት ዘይተርፍ ምዃኑ ተረዲኦም ዘዳለውዋ መዕረፊ ኣስከሬኖም፡ ቀዳም 16 ታኅሣሥ 2008 ዓ.ም/26-12-2015 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገዳሞም ገዳም ደብረ ጥሉል ኣቡነ ኣብራንዮስ ሥነ ሥርዓት ቀብሮም ተፈጺሙ።

‘ዝንቱሰ ብእሲ ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር/ እዚ ሰብ እዚ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣተዓባብያኡ ኣብ ቤት እግዚአብሔር እዩ።’ (ድጓዐ ቅዱስ ያሬድ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፍጻሜተ ሰማዕት) ከምዝብል ንቤተ ክርስቲያን ምሉእ ዕድሜኦም ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮን ኃላፍነትን ዘገልገሉ፡ ዝመርሑ፡ ዘመኃደሩ፡ ዝኣለዩን ዝመሃሩን ኣቦ እዮም እሞ ፡ ‘መሬት ኢኻ፡ ናብ መሬት ከኣ ኽትምለስ ኢኻ’ (ዘፍ. ፫፡፲፱/ 3፡19) ብዝበሎ እኳ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ብሞተ ሥጋ እንተተፈልዩ፡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ግና ‘እቲ ብኣይ ዚኣምን እንተሞተ እኳ ብሕይወት ኪነብር እዩ’ (ዮሓ. ፲፩፡፳፭/11፡25) ዝብል ኣምላኻዊ ቃል ስለ እተኣምን ተስፋ ኣለዋ። ዓበይቲ ነቢያት እንተ ኃለፉ ደቂቀ ነቢያት፡ ሓዋርያትን ኣርድእትን እንተኃለፉ ሊቃውንትን መምህራንን በብጊዜኡ እናኣተንሥአ ንሕዝቡ ዝጓሲ ዝነበረን ዘሎን ዘለዓለም ዝነብርን እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦና ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ገብር ኄር ትጉህን ብሥራሑ ኣርኣያነት ዘለዎን ዓቢይ ኣቦ ክትክኣላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ትምሕጸን። ከምኡ’ውን ‘ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ አቡነ ዲዮስቆሮስ ኦ እግዚኦ አንብር ለነ ዲበ መንበሩ ኖላዌ ኄረ፡ ኢንኩን ከመ መርዔት ዘአልቦ ኖላዊ ከመ ኢይምሥጠነ ተኵላ መሣጢ/ ኦ ጐይታ ነፍሲ አቡነ ዲዮስቆሮስ ኣዕርፍ፡ ኦ ጐይታ ጓሳ ከምዘይብሉ መጓሰ ኴንና መንጣሊ ተዅላ ኸይምንጥለና ኣብ መንበሩ ትጉህ ሕያዋይ ጓሳ ሢመልና’ (ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ቍ. ፲ ) እናበለት ትጽሊ።
                                                                                                        ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195