banner

ሌላ ምስ ጓል 102 ዓመት ‘ኢታይ አመተ ማርያም’

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሌላ ምስ ጓል 102 ዓመት ‘ኢታይ አመተ ማርያም’

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ ጾታን ወገንን ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ምስ እግዚአብሔር እተራኽብ መሣልል እያ። ኵሉ’ቲ ኣገልግሎታ ድማ ከከም መዓርጉን ደረጃኡን ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ ብሓድነታዊ ፍቕሪ ይሥራሕ። በቲ ቕብኣት ዘለዎ ሥልጣኖም ካህናት ይቕድሱን ይዓጥኑን፣ ብኣንብሮተ እድ ዝተሾሙ ዲያቆናት’ውን ንኣገልግሎት ይራድኡን ይለኣኹን፣ ምእመናን’ውን ብሞያኦምን ገንዘቦምን ጕልበቶምን የገልግሉ።

ካብዚ ተፈልዩ ዘይርአ ኸኣ ግደ ምእመናት (ደቀ ኣንስትዮ) ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት በዓል ሣራ፡ ርብቃ፡ ኣስቴር፡ ዮዲት፡ ሶስና . . . ከምኡ’ውን ኣብ መዋዕለ ስብከት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓል ሃና ወለተ ፋኑኤል፡ ማርያም መግደላዊት፡

ሣምራዊት ሰበይቲ . . . ብሓፈሻ ሠላሳን ሽዱሽተን ቅዱሳት ኣንስት፣ ኣብ ዳኅረዋይ እዋን ከኣ በዓል ቅድስት ጸበለ ማርያም ኃውቲ ኣቡነ ብሩክ፡ እምነ ሰሎሜ ኣደ ኣቡነ መርቆሬዎስ፡ መክብበ ደናግል ኣደ ኣቡነ ቴዎድሮስ፡ ወለተ ጴጥሮስ፡ . . . መንፈሳዊ ኣገልግሎተን ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰፊሩ ዘሎ፡ ኣርኣያ ንመጻኢ ወለዶ ደቀ አንስትዮ እዩ።

ኣብዚ ዕሥራን ሓደን ክፍለ ዘመን ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንና ነቲ ዝገጥመን ተጽዕኖ ተሳጊረን፡ ዘለወን ጸቢብ ዕድል ተጠቒመን ብጸሎተን ክረድኣ፡ ብትሩፋተን ከበርክታ ዝኸኣላ ብኣፃብዕቲ ዝቝጸራ እየን። መሶብ ወርቅን መንጦላዕትን ብምስፋይ፡ ሕፃናት ኣብ ምምሃር፡ ንውሉደ ክህነት ኣብ ምርዳእ የገልግላ’የን። ሓንቲ ካብዚኣተን ድማ ኢታይ አመተ ማርያም (ኢታይ ማርያሙ) ዝበሃላ ክሳዕ ሕጂ ብሕይወተ ሥጋ ዘለዋ ጓል 102 ዓመት ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ኣደ እየን።

ኢታይ አመተ ማርያም ፡ ካብ ኣቦአን ማና (ገብረ ጻድቅ) ጉዕማ ካብ ኣደአን መተመት (ወለተ ሚካኤል) ገብረ ኣብ ንኡስ ዞባ ዱባርዋ ዓዲ ባምብቆ ብዕለተ ሠሉስ 16 ግንቦት 1906 ዓ.ም. ተወሊደን። ኣብ 80 መዓልተን ሃብተ ጥምቀት ክብረ ውልድነት ረኺበን፡ ብኣካል ምስ ደልደላ ኣብ ጕስነት ተዋፊረን። ወለደን ምእንቲ ክፈርያሎምን ክበዝኃሎምን ገና ጓል 12 ዓመት እንከለዋ ብግዲ ኣሕጸይወን እሞ መርዓ ተቘጽረ። ኢታይ አመተ ማርያም እንከይተማህራ ናይ ምናኔ መንፈስ ስለዝኃደረን ኣብ ጊዜ ሥርዓተ ተክሊል ከም ዓባስ ልሳነን ዓጽየን “ኪዳን ይኹነኒ” ምባል ኣበያ። እቶም ካህናትን ቤተ ሰብን ድማ ‘ደኃን ሕፃን ስለዝኾነት’ያ’ ኢሎም ሥርዓተ ተክሊል ተፈጺሙ መርዓ ተገብረ። እግዚአብሔር ምኽንያት ፈጢሩ ካብዚ ግብሪ ዓለም ክሕልወን እናጸለያ፡ ብድንግልናአን ጸኒዐን ኣብ ቤተን ቀንየን ናብ ቤት እንዳ ኣሕሙአን ክመልስወን ኣብ ኣድጊ ምስ ኣወጥሕወን “ኣነ ጥዕና የብለይን ሕምምቲ’የ’ ኢለን ሃዲመን ኣብ በረኻ ተሓብኣ።

መጻምደን ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይመጻ ኢሉ እናተጸበየ፡ ብእግዚአብሔር ተጸዊዑ ስለዝሞተ፡ ብምሉእ ኃይለን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ዝጽግዓሉ ኣጋጣሚ ኾነለን። ኣብ 15ተ ዓመት ዕድመን ፊደል ቈጺረን ንፍልጠትን ጸሎትን ዝኾነን ትምህርቲ ካብ ኣባ ሃብተማርያም (ኣባ ይኅደጎ) ክመሃራ ጀመራ። ኣሰረ እግሪ መምህረን ኣባ ሃብተ ማርያም እናሰዓባ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዘሎ ትምህርቲ ተማህራ። ጸሎት ዘወትር፡ ውዳሴ ማርያም፡ አንቀጸ ብርሃን፡ መልክዐ ማርያም፡ መልክዐ ኢየሱስ መዝሙረ ዳዊት፡ መልክዐ ሕማማት፡ ትምህርተ ኅቡአት፡ ኪዳን፡ በእንተ ሥላሴከ፡ ኦ ዘወረድከ፡ እሴብሕ ጸጋኪ፡ ኃምስቱ አዕማደ ምሥጢር፡ ንባብ ኣርባዕቱ ወንጌልን ሥርዓተ ቅዳሴን ክሳዕ ኣብ ልበን ኣኅዲረን ኣብ ቃለን ዝኅዝኦ ተማህራ። ኢታይ አመተ ማርያም፡ ምዉቕ ቤተን ድሙቕ ንብረተን ዘፍቅርኦም ሥድራ ቤተን ገዲፈን ካብ ዝተወልዳሉ ዓዲ ኣርኂቐን ክኸዳ እኳ ብዙኅ ጊዜ እንተሃቀና ክሠምረለን ኣይከኣለን። ብፍላይ ኣባ ሃብተማርያም ድሌተን ተረዲኦም፡ ‘ጓለየ ናትኪ ቦታ ኣብዚ ዓድኺ ዘሎ ገዳም ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ(ኣባ ክፍለ ሥላሴ) እዩ፣ ግና ብዙኅ ገድልን መከራን ኣሎኪ እሞ ጸኒዕኪ ብኃይለ ሥላሴ ስዓርዮ’ ምስ በልወን፣ ናብ ቤተን ተመሊሰን ነቶም ድሮ ቆብዕ ምንኵስና ደፊኦም ዝነበሩ ወለደን እናኣልዓላ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቈልዑት ክሳብ ዓበይቲ ኣዕማደ ምሥጢርን ጸሎታትን ይምህራን ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብልሳነ ግእዝ ዝተነበ ብትግርኛ እናተርጐማ ንምእመናን የረድኣን ነበራ።

‘ግብረ ምንኵስና ጽኑዕ’ዩ፡ መኽሰስየይ ከይኮነኒ’ ብዝብል ሓሳብ ትሕትና ንነዊኅ ዓመታት ኣስኬማ ምንኵስና ከይገበራ ጸንሓ። ዝኣልይኦም ዝነበራ ወለደን ዕድመ ጸጊቦም (107 ዓመት ዕድመኦም) ኣቦአን ኣብ በዓለ ልደት፡ ኣደአን ድማ ኣብ በዓለ ትንሣኤ ዓረፉ። ብድኅር’ዚ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ኣብ 45 ዓመት ዕድመአን ‘ኣነ ምውት በኀበ ዓለም ወዓለምኒ ምውት በኀቤየ/ ኣነ ብዓለም ምውት ከምዝኾንኩ ዓለም ከኣ ብኣይ ምዉት እዩ።’ ኢለን ኣብ ገዳም ደብረ ጽጌ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ኣርዑት ምንኵስና ተቐበላ።

ኢታይ አመተ ማርያም በቲ ዝተዋህበን ንቅሓተ ሕሊናን መንፈሳዊ ጸጋን ሕፃናት እናመሃራ፡ ዘኽታማት እናኣዕበያ፡ ብፍላይ ሽጉራት ደቀ ኣንስትዮ እናረድኣ፡ ብጸሎትን ጾምን ጽምድቲ ነበራ። መጻእያት ናይ ምፍላጥ ጸጋ ተዓዲለን ይግለጸለን ስለዝነበረ፣ ብናተን ገላጽነት መምህረን ኣባ ሃብተማርያም ንገዳም ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ገዲፎም ኣብቲ ጻድቅ ኣባ ልብድዮስ ዝተቐብረሉ ቦታ ኪኸዱ ከኣሉ። ከምኡ’ውን ነቶም ዘጨንቕ ሕልሚ ዝሓለሙ ይትርጕማሎም ነበራ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ብብርቱዕ ሓሚመን ኣብ ጻዕረ ሞት ክሳዕ ምግናዝ በጺሐን ሰባት ሞይተን ኢሎም እናሓሰቡ ብተመስጦ ራእየ ሰማያት ርእየን ምምላሰን መርኣያ ጽድቀን እዩ።

ኢታይ አመተ ማርያም ክሳዕ ሕጂ ኣብ 102 ዓመት ዕድመአን ምስትውዓለን ምሉእ፣ ናይ ምዝካር ዓቕመን ልዑል ስለዘሎ ንዝኃለፈ መንፈሳውን ሥጋውን ፍጻሜታት ንምትራኽ ዝጽግመን ኣይኮነን። ብፍላይ ሰዓታት ጸሎተን ከየብኰራ ንመዓልቲ ሾብዓተ ጊዜ በብጊዜኡ ብቓለን ንዅሉ ጸሎታት ማለት ጸሎተ ዘወትር፡ ውዳሴ ማርያም፡ መልክዐ ሕማማት ክጽልያ ኸለዋ፡ ተወሳኺ ኣብ ንግሆን ምሸትን ጸሎተ ኪዳን ይደግማ፡ ኣብ ጊዜ ፍርቂ ለይቲ ድማ ትምህርተ ኅቡኣት ይጽልያ። ኣብ መዓልቲ ቀዳም ምሸት ከኣ ኣብ ልዕሊ’ዚ ዝተጠቕሰ ጸሎታት ‘ኦ ዘወረድከን ኃምስቱ ኣዕማደ ምሥጢርን’ ይጽልያ።

‘ኢየኀድጋ ለብሔር ዘእንበለ አሐዱ ኄር’ ከምዝብል ከም በዓል ኢታይ አመተ ማርያም ዝበለ ፈቃር፡ ለዋህ፡ ምቑሉል፡ መንፈሳዊ ሰብ ጽላል ሃይማኖት፡ ንሃገር ረድኤት እዩ’ሞ ከብዝኃልና ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና!

                                                                             ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195