banner

ገብር ኄር መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገብር ኄር መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ

መልአከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ፡ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ዕቁበ ጊዮርጊስ ወልደ ኢየሱስን ኣዲኦም ወ/ሮ ወለተ ትንሣኤ ኃይለሚካኤልን ኣብ ትውልዲ ዓዶም ክትሞኣውሊዕ ሃገረ ሓማሴን ወረዳ ሎጎ ጭዋ ተወልዱ።

ኣብ 12 ዓመት ዕድሚኦም የኔታ ዕቁበ እንድርያስ ዓስቡ ዘእምባ ደርሆ ኣብ እምኒ ጸሊም ሓዲሮም ስለዝነበሩ፡ ካብኦም ካብ ፊደል ክሳብ ንባብን ቃል ትምህርትን ቁም ጽሕፈትን ተማህሩ።

ናብ ኢትዮጵያ ትግራይ ኣውራጃ እንድርታ ፍሉይ ስሙ ደብረ ኃይላ ዝተባህለ ገዳም ከይዶም ካብቶም ውሩይ መምህር ገብረ ሕይወት (ጎሞሎ) ናይ ቅኔን ኣጋባቡን ብዝግባእ ተማሂሮም ብመምህርነት ተመረቑ። ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ደብሪ ኻብ መምህር ፈለቀ ኣቋቋም ተማህሩ። ካብዚ ብምቕጻል ናብ ክፍለ ሃገር ጐንደር ኣውራጃ ደብረ ታቦር ከይዶም፡ ኣቋቋምን ይትበሃሉን ኣጠናቐቑ።

ብድሕርዚ ናብ ሽዋ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከይዶም፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ መንግሥቲ ቅ.መምህር ቤተክርስቲያን ኣትዮም፡ ካብቶም ብቑዕ ናይ ኣርባዕተ ጉባኤ መምህር ትርጓሜ መጻሕፍቲ ዝኾኑ፡ ዶክተር የኔታ ኣየለን መምህር ኅሩይን፡ ትርጓሜ ቅዱሳት መጻሕፍትን መጻሕፍተ ሊቃውንትን ኣቡሻህርን ባህረ ሓሳብን ብዝግባእ ተማህሩ።

መልኣከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ ነዚ ብዝርዝር ዝተገልጸ ትምህርቲ ብዝግባእ ምስ ተማህሩ ብ1928 ዓ.ም.ግ 1935 ዓ.ም.ፈ ብርቱዕ ኵናት ስለዝተጀመረ ንትሽዓተ መዓልትን ትሽዓተ ለይትን እኽለ ማይ ከይጠዓሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ድሕሪ ምልቃቖም ናብ ትውልዲ ዓዶም ሃገረ ኤርትራ ኣተዉ። ማለት ኣብ ደብረ ድማህ ገዳም እንዳ ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣትዮም ናይ ቅኔ ትምህርቲ ምሂሮም ብዙሓት ተማሃሮ ኣፍረዩ። ብድሕሪኡ መልአከ ገነት ሞገስ ናብ ከተማ ከረን ከይዶም ንውሑድ ዓመታት መሃሩ።

መልአከ ገነት ናይ ማኅበር ሓዋርያት ዋና መስራቲ ኪኾኑ ከለዉ፡ ብምክትል ሊቀ መንበርነትን ብዋና ጸሓፍነትን ዝለዓለ ኣርኣያ ዝኸውን መምርሕን ስራሕን ዘበርከቱ እዮም።

ዘይሞተ ሰብ ዝንቀሳቀስ ሬሳ እዩ
ስእሊ ግና ዘይንቀሳቐስ ሕያው እዩ
ካብ ናይ ሰብ ኃይሊ ናይ ስእሊ ኃይሊ ይብርትዕ
ሰብ ክድቅስ (ክመውት) ከሎ ንሱ ኾፍ ኢሉ ስለ ዝጽጋዕ
ኦ ስእለይ ካብ ዕድመይ፡ ዕድሜኻ ይነውሕ
ሰላምታይ ኣቕርበለይ ንመጻኢ ትውልዲ
ንስኻ ስለ ዘይትኸዶ ነቲ ኣነ ዝኸዶ መንገዲ

ቅዱሳት ጽሕፋቶም ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ሓድሕድን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስለዘኅደሩ፡ “ኣየ እቶም ሊቅ እቲኦም” እናበሉ ኬዘክርዎም ዝነብሩ ጽሑፋት እዮም።

ብተወሳኺ ኣብ ናይ መንግሥቲ፡ ሚኒስትሪ ዜና በቲ ጊዜቲ (ክፍሊ ማስታወቂያ) ዝበሃል ዝነበረ ኣዳላዊ ጋዜጣ ዕለት ሰንበት ኮይኖም ኪሰርሑ ኸለዉ በቲ ኻብ ቋንቋ ግእዝ ዝረኸብዎ ናይ ስነ ጽሑፎም ብስለት ንምሁራን ዓለም ዘደንቕ ምንባሩ ይፍለጥ። ንምሳሌ ኣብቲ ኣብ ጥንታዊ ምሳሌ ዝጸሓፍዎ ኣብ እግሪ ስእሎም ዝርከብ ጥቕሲ ናይ ዓለም ከንቱነት ናይ ወዲ ሰብ ሕልፈት ዜስተምህር ፍልስፍናኦምከምዚ ይብል።

“እዚ ሞገስ እዩ ትብሉኒ ኣነ ግና ምሳሌኡ ደኣ እምበር ሞገስ ኣይኮንኩን ሞገስ ሓደ እዩ፡ ኣነግና ሓደን ብዙሕን እየ። ሞገስ ኣብ ሓደ ቦታን ኣብ ሓደ ገዛን እዩ ዝርከብ፡ ሞገስ ሎሚ ኣሎ፡ ጽባሕ እንድዒ ድሕሪ ጽባሕ ግና ብርግጽ የሎን። ኣነግና ዓለም ክሳብ ዘሎ ምሳኻትኩም ምስ ህልዋን ኣሎኹ፡ ይኹን ደኣ እምበር ንሱ ኪሓምም ዘይትሓም ንሱ እንተ ሞተ ዘይትመውት ሓንቲ ነገር ሂቡነ ኣሎ። ንሳ ድማ ብሰለስተ ቀለማት ዝቖመት ስሙ እያ። ክሳብ ዘሎኹ ካባይ ኣይክፈልያን እየ” ብምባል ዝሃብዎ ሓደራ ንዅልና ዘተሓሳስበና ቃል እዩ።
ብሓጺሩ ታሪኽ ሕያወት መልኣከ ገነት ሞገስ ዕቁበ ጊዮርጊስ ከምዚ ይመስል።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195