banner

ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ


ታሪኽ ሕይወት ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ

“ብፁዓን እለ ሞቱ በእንተ እግዚአብሔር ከመ ያዕርፋ እምነ ፃማሆሙ ወተለዎሙ ግብሮሙ/ እቶም ብእግዚአብሔር ዝሞቱ ብፁዓን እዮም . . . ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ ካብ ጻዕሮም ከዕርፋ እዮም።” ራእ. 14፡13

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ካብ ኣቦኦም ተስፋይ ሃብቱን ኣደኦም ኣየነችን ብ1931 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሽዋ ሃገረ ኢትዮጵያ ተወልዱ። ገና ኣብ 5ተ ዓመት ዕድሜኦም ኣቦኦም ተስፋይ ሃብቱ ናብ ሃገሮም ኤርትራ ኂዞሞም መጽኡ። ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣብ ዓዲ ባሪ እገላ ሓጺን ከምኡ’ውን ኣብ ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣቡነ ብፁዓ ኣምላክ (ጐደይቲ) ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ግብረ ዲቁና ድኅሪ ምምሃር መዓርገ ዲቁና ካብ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ዘኤርትራ ተሠየሙ። ክቱር ባህጊ ትምህርቲ ስለዝነበሮም ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያንን እናኸዱ ድኅሪ ምምሃር፡ ኣብ ደብረ ኣባይ ግቡእ መንፈሳዊ ትምህርቶም ድኅሪ ምጽፋፍ ብብፁዕ አቡነ ጎርጎርዮስ ኣስኬማ ምንኵስና ብምልባስ ሥልጣነ ክህነት ተቐብኡ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ናብ ጐንደር ብምኻድ ትምህርተ ፀዋትወ ዜማ ምስ ኣጻፈፉ፡ ናይቶም ኣብቲ ጊዜ ሊቀ ጳጳስ ዝዋይ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ረድእ ብምዃን ንነዊሕ እዋን ኣገልገሉ። ቀጺሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጽፍሕታት ብትግሃት ድኅሪ ምዕያይ፡ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ ዕድል ስለዝረኸቡ፡ ናብ ግብጺ ከይዶም ካብ 1963 ዓ.ም.ፈ ክሳዕ 1970 ዓ.ም.ፈ ንሾብዓተ ዓመት ናይ ሥነ መለኮት (Theology) ትምህርቲ ተማህሩ። ብመዓርገ ዲግሪ ድማ ካብ ኢድ እቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ መምህሮምን ኃላፊ መንፈሳዊ ኮለጅ (Dean) ዝነበሩን ኣቡነ ሺኖዳ ተመረቑ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ፡ ካብ ግብጺ ተመሊሶም በቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ንምግልጋል ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ የገልግሉ ነበሩ። ብቕዓት ትምህርቶምን ምልከት ቋንቋታትን ተራእዩ ድማ ብመንበረ ፓትርያሪክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተመሪጾምን ተላኢኾምን ኣብ ደቡብ ኣሜሪካ ከተማ ጆርጅ ታውን ትሪንዳድን ቶባጎን (George Town Trinidad and Tobago) ንኽልተ ዓመት ሓዋርያዊ ተልእኾ ፈጸሙ።

ብድኅር’ዚ ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ተመሊሶም፡ ኣካያዲ ሥራሕ ናይ ምሉእ ኤርትራ ኾይኖም ንሾብዓተ ዓመት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይን ጐንደርን ኣካያዲ ሥራሕ ኮይኖም ብትግሃት ኣገልገሉ። ደጊሞም ኣብ ኤርትራ ክሳዕ 1982 ዓ.ም.ፈ ምስ ኣገልገሉ ድማ ኣብ መድኃኔ ዓለም ቤተ ክርስቲያን ሃገረ ሱዳን ንሽዱሽተ ዓመት ብኃላፍነት ኣገልገሉ። ኣብዚ ናይ ሃገረ ሱዳን ኣገልግሎቶም ምስቲ ዝፍትኖም ዝነበረ ፖለቲካዊ ሽግራት ከይተዓግቱ  ቅድሚ ናፅነት ኤርትራ ነታ ናይ መጀመርታ ናይ ኤርትራውያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስደት ዝኾነት ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋዊን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ካርቱም ሱዳን ኣብ ምምሥራት ዝለዓለ ተራ ነበሮም።

ብፁዕ ኣቦና ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ ብመንገዲ ሃገረ ግብጺ ኣቢሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣተዉ። ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ንሓፂር እዋን ድኅሪ ምግልጋል ኣብ ወርኂ ሚያዝያ 1989 ዓ.ም.ፈ ነታ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ወፃኢ ካብ ዘለዋ ናይ ኤርትራውያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ቦኽሪ ዝኾነት ደብረ ሣህል ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋውን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሎንደን ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ምምሥራት ዝለዓለ ተራ ነበሮም።

ብድኅር’ዚ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ 3ይ ብዝገበርሎም ጻውዒት፡ ምስቲ ናፅነት ሃገርና ኤርትራ ዝኾነሉ እዋን ብመዓርገ ጵጵስና ቀብእዎም።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ኣብ 1995 ዓ.ም.ፈ ናብ ሃገርና ኤርትራ ጠቕሊሎም ምስ መጽኡ፡ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ብምዃን ኃላፊ ወፃኢ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፣ ኣባል ቀዋሚ ሲኖዶስ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብምዃን ብደረጃ ኃላፍነት ኣገልገሉ።

ብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ብምኽንያት ስእነት ጥዕና ንነዊኅ ጊዜ ዕረፍቲ ክወሃቦም ንቅዱስ ሲኖዶስ ክሓቱ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ብውሳነ ቅዱስ ሲኖዶስ ካብ 18 ጥሪ 2007 ዓ.ም.ግ ኣትኂዞም ካብ ኃላፍነት ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ኣዕሪፎም፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤልን ኣቡነ ኣረጋውን እናኣገልገሉ እኳ እንተጸንሑ፡ ብሕማም ምስ ተሰነፉ ግና ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ኢየሩሳሌምን ሎንደንን ሕክምናዊ ምክትታል ክግበረሎም ድኅሪ ምጽናሕ ወጋሕታ 3:20፡ ቀዳም 08 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም.ፈ ብሰላም ዓሪፎም።

'ጻድቃንሰ ኢሞቱ ኀበ እግዚኦሙ ነገዱ' ከምዝብል ንብፁዕ ኣቡነ ማርቆስ ዕረፍቲ ነፍሲ ገነት መንግሥተ ሰማያት የውርሶም። (1ይ ቆሮ. 2፡9)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195