banner

ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ

ታሪኽ ሕይወት ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ

ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ፡ ካብ ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ሥድራ፡ ኣቦኦም መልኣከ ሰላም ኢያሱ ኣብርሃምን ካብ ኣደኦም ወለተሚካኤል ንጉሠን ኣብ መበቈል ዓዶም በራኽ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ብ፳፩ ሚያዝያ ፲፱፻፳፬ ዓ.ም.ግ. (29 ሚያዝያ 1932 ዓ.ም.ፈ.) ተወሊዶም።

ዕድመኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ ኣፎም ዝኸፈቱን ልሳኖም ዘጽረዩን ብቃል እግዚአብሔር እዮም። ነዚ ምሉእ ዕድመኦም ዝተመገብዎን ኣብ ልቢ ሕዝበ ክርስቲያን ዘውሓዝዎን ምሥጢር እግዚአብሔርን፡ እምነትን ሥርዓተ ኣምልኮን ቤተ ክርስቲያን ፊደል ቈጺሮም ዝተመሃርዎ ኣብ የኔታ መለስ እዮም።

ግብረ ዲቁና ኣብ ዓዶም በራኽ ካብ የኔታ መለስ ምስ ኣጻፈፉ፡ ካብ መምህር ድጓ የኔታ ብርሃነ ቃል ትምህርትን ጾመ ድጓን ኣብ ሸካኢያሞ መራጉዝ ተማህሩ። ርድእናኦምን ጥብዓቶምን ተራእዩ፡ ካብ ኣቡነ ማርቆስ ሢመተ ዲቁና ብ፲፱፻፴፪ ዓ.ም.ግ. ተቐበሉ።

ንዘለዓለም ዝፍልፍል ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ዝኃዘ ዒላ ትምህርተ ቤተ ክርስቲያን ካብኡ ካብ ምቕዳሕ ይኣክለኒ ዘይብሉ ሊቀ ጉባኤ በየነ ኢያሱ ትምህርቶም ዝቐጸሉ ቅኔን መዝገብ ቅዳሴን ካብ የኔታ በርሀ ኣብ ማይለሓም መራጉዝ እዮም።

ተውሳክ. . . . .ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ በድርየኒ ፈጸምኩ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195