banner

ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ (3ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ ወያየድዐከ ወለሊቃውንቲከ ይዜንዉከ/ ነቦኻ ሕተቶ ንሱ ኸኣ ፍጹም ክነግረካ እዩ፣ ሊቃውንትኻ ድማ ከብርሁልካ እዮም” ዘዳ. 32፡7

ቶማስ ንየኔታ ኣእምሮ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ሓተቶም ፦

ቶማስ፦ ንዅሉ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዘሎ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ዝፈጠረ መን እዩ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር እዩ።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ኣበይ ይርከብ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር ኣብ ሰማያትን ምድርን ኣብ ኵሉ ቦታ ይርከብ፣ ኣብ ኵሉ’ውን ምሉእ እዩ። ንሱ ዘይርከቦ ቦታ የለን።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ብቦታ ይውሰን’ዶ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር ፈጣሪ ስለዝኾነ ንዅሉ ይውስን እምበር ንሱስ ብቦታ ኣይውሰንን እዩ።
ቶማስ፦ እግዚአብሔር ይርአ ወይ ይድኅሠሥ’ዶ፧
የኔታ አእምሮ፦ እግዚአብሔር፡ መለኮታዊ ረቂቅ ስለዝኾነ ኣይድኅሠሥን ኣይጭበጥን ፈጺሙ’ውን ኣይርአን እዩ። ብምንም ዓይነት ሳይንሳዊ ምርምር ምርካብ ኮነ ምፍላጥ ኣይከኣልን እዩ።
ቶማስ፦ ህልውና እግዚአብሔር ብምንታይ ንፈልጥ፧

ተውሳክ፡ . . . ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ (3ይ ክፋል)

ሾብዓተ ነገራት ቍጽሮም 'ሾብዓተ'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሾብዓተ ነገራት ቍጽሮም 'ሾብዓተ'

• ሾብዓተ ባህርያተ ሰብ

ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ
1. እሳት
2. ነፋስ
3. ማይ
4. መሬት
ከምኡ’ውን ሠለስተ ባህርያተ ነፍስ
5. ነቢብነት
6. ለባውነት
7. ሕያውነት

• ሾብዓተ ኣቦታት

1. ልዕሉ ኵሉ፡ ሰማያዊ ኣቦ ልዑል እግዚአብሔር። ሚል. 1፡10፣ ማቴ. 6፡9።
2. አበ ነፍሲ። ማቴ. 18፡18፣ ዮሐ. 20፡23
3. ወላዲ ኣቦ። መዝ. 102፡13
4. ኣቦ ክርስትና (ኣባልገ)። ሉቃ. 2፡25-28
5. ናይ ጡብ ኣቦ። ካብ እግዚአብሔር በረከት ንምርካብ ንዘይወለዶ ውላድ ከም ኣቦ ኮይኑ ዘዕብይ ኣቦ እዩ።
6. ናይ ሢመት ኣቦ። ንዲያቆናት፡ ቀሳውስት (ካህናት) እናሾመ ናይ ሃይማኖት ደቁ ዝገብር ኣቦ እዩ። ብፍላይ ንምንኵስና ናይ ቆብዕ ኣቦ ይበሃል። ከምኡ’ውን ንጳጳሳት ይምልከት። ግብ.ሓዋ. 6፡16፣ 13፡13።

ተውሳክ፡ . . . ሾብዓተ ነገራት ቍጽሮም 'ሾብዓተ'

ቃኤልን ኣቤልን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቃኤልን ኣቤልን 

ቀዳሞት ሰባት ኣዳምን ሔዋንን “ፍረዩን ብዝኁን፡ ንዓለም ድማ ምልእዋ” ኢሉ እግዚአብሔር መሪቑዎም ኣብ ገነት ይነብሩ ነበሩ። ምስ በደሉ ግና እግዚአብሔር ካብ ገነት ኣውፂኡ ኣብ ማዕዶኣ ዝርከብ ደብረ ቅዱስ ዝተባህለ ቦታ ሰደዶም። ናብ ገነት ከይቀረቡ ብማዕዶ ኮይኖም ሚእቲ ዓመት ዝኣክል በኸዩን ተነስሑን። ብድኅር’ዚ ልዑል እግዚአብሔር ንስሓኦም ተቐቢሉ ተስፋ ድኅነት ሃቦም።

ዝተዋህቦም ትእዛዝ ብምፍራሶም ካብ ገነት ተሰጕጎም ምስ ወፅኡ፥ “መከራኽን ጻዕሪ ፅንስኽን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ስለዚ’ውን ደቂ ብጻዕሪ ክትወልዲ ኢኺ።” ተባሂሉ ብዝተነግራ መሠረት፡ ሔዋን ፀነሰት እሞ ንቃኤልን ማንታኡ ሉድን ወለደት። ቀጺላ’ውን ንኣቤልን ማንቱኡ ኣቅሌማን ወለደት።

ተውሳክ፡ . . .ቃኤልን ኣቤልን

“ካብ ኣፍ ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” መዝ. 8፡2

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“ካብ ኣፍ ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” መዝ. 8፡2

ሆሳዕና ማለት ‘መድኃኒት ወይ ሕጂ ኣድኅን’ ተባሂሉ ይትርጐም። ብልማድ ኣጸዋውዓ ‘ኣጕሳዕና’ ይብሃል። በዓለ ሆሳዕና ቅድሚ ፋሲካ ወይ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘላ ሰንበት ይኽበር። መሠረታዊ ታሪኹ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ፡ ካብ ገሊላ ክሳብ ናዝሬት ከኣ ዝዓበየሉ ኣከባቢ እዩ። ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ትንቢታት ንምፍጻም ግና ብኢያሪኮ ኃሊፉ ከባቢ ኢየሩሳሌም በጽሐ። ናብዛ ዓባይ ከተማ’ዚኣ ብሕቡእ ክኣቱ ኣይደለየን።

ተውሳክ፡ . . . “ካብ ኣፍ ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” መዝ. 8፡2

ሰማዕት ቅዱስ ፊላታዎስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሰማዕት ቅዱስ ፊላታዎስ

ሰማዕት ማለት ቃሉ ካብ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ፡ ትርጕሙ ምስክር ማለት እዩ፡ ብመሠረት ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንና ኵሎም እግዚአብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ናቱ ጥበብ ዝምስክሩን ዝነግሩን እዮም። እግዚአብሔር ኣምላኽ ነቶም ካብ ሰንበት ክሳዕ ኃሙስ ዘለዉ ሥነ ፍጥረታት ዝፈጠሮም፡ ደቂ ሰባት ብኣኣቶም ፈጣሪኦም ክፈልጡን ከመስግኑን፡ ንመግበ ሥጋን ነፍስን ክኾኑዎምን ከገልግልዎምን እዩ። ግና ንሕና ደቂ ሰባት ፈጣሪና ብዘይምፍላጣ ንኣኣቶም ፈጣሪ ብምግባር ነምልኮም ኢና። ሓደ ፈጣሪኦ ብዘይምፍላጥ ፍጡር ላም ዘምልኹ ኣብ ሃገረ ኣንጾኪያ ዝቕመጡ ስድራ ነበሩ። ነዛ ላም እዚኣ ኣብ ዝበለጸ ገዛ ኣቐሚጦም ዝተፈላለየ ኣዚዩ ዝጸበቐ ብወርቂ ዝተሸለመ ክዳውንቲ ከዲኖም ኣብ ክሳዳን ኣእጋራን ናይ ወርቂ በናጅር ኣልቢሶም፡ ብመዓልቲ ሸብዓተ ጊዜ ቅዱይ ቅብዒ እናቀብዑ ይኣጥንዋ ነበር።

ተውሳክ፡ . . .ሰማዕት ቅዱስ ፊላታዎስ

ቀዳሞት ሰባት - ኣዳምን ሔዋንን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቀዳሞት ሰባት - ኣዳምን ሔዋንን

እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ ንዅሉ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዘሎ ዝርአን ዘይርአን ፍጥረት ምስ ፈጠረ ኣብ መወዳእታ፡ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ከም ምስልናንን ሰብ ንግበር” ኢሉ ንሰብ ፈጠሮ።

ሰብ ብዘይ ሥራሕ ክቕመጥ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለ ዘይነበረ’ውን ክሕልዋን ኽዓያን ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦ። “እንሆ ኣብ ገነት ዘሎ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ሣዕርን ኣብ ውሽጡ ዚዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣሎኹ እሞ መግቢ ይኹንኩም። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ከይትበልዕ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ግና ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ንሰብ ትእዛዝ ሃቦ። ሰብ ኸኣ ንሕይወት ዘለዎ ኵሉ ፍጡር እንስሳን ኣዕዋፍን ኣታክልቲን ዕፀዋትን ስም ኣውፅኣሎም። ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ግና ኣይተረኽበትን። እዚ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ይበሃል።

ተውሳክ፡ . . .ቀዳሞት ሰባት - ኣዳምን ሔዋንን

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195