banner

‘ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ’ ማር.፲፥፲፫-፲፮/10፥13-160

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መፍቀሬ ሕፃናት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዛረቦ ቃል’ዩ። ነቶም ሕፃናት ሓሓቍፉ ኢዱ ኣንቢሩ ባረኾም፡ መንግሥተ ኣምላኽ ነዞም ሕፃናት እያ እሞ ናባይ ይምጽኡ ኅደግዎም ኣይትኸልክልዎም በለ። እምበኣር ፍትዋት ሕፃናት ካብዚ ቀጺልና ናብ እግዚኣብሔር መጺኦም ዝተባረኹ ሕፃናት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ጕዕዞ ቤተ ክርስቲያንን ክንገልጽ ኢና።
ቅድሚ ልደት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነቶም ዝተመስከረሎም ብዙኃት ሕፃናት ነይሮም እዮም። ሓደ ካብኣቶም ድማ ነቢይ ሳሙኤል እዩ። ነቢይ ሳሙኤል ቅድሚ ምውላዱ ኣደኡ ሃና መኻን እያ ዝነበረት። ወትሩ ድማ እግዚኣብሔር ውላድ ንኽህባ ናብ ቤት እግዚኣብሔር እናኸደት ትልምን ነበረት።

እቲ እትወልዶ ሕፃን ድማ ንቤተ እግዚኣብሔር ከተወፍዮ ምዃና ትመባጻዕ ነበረት። እግዚኣብሔር ከኣ ዝለመንካዮ ዘይከልእ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ከምቲ ዝለመነቶ ገበረላ። ንሳ’ውን ኣይጠለመትን ከምቲ መብጽዓኣ ንቤተ እግዚኣብሔር ኣወፈየቶ። ነቢይ ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሔር ብእምነትን፡ ብትዕግሥትን፡ ትእዛዛቱ እናሓላወ የገልግል ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ ኵሉ ተግባራቱ ደቂሱ ከሎ “ሳሙኤል” ኢሉ ሠለስተ ጊዜ ጸውዖ። ዋላ'ውን ሳሙኤል ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ዝተጸውዓለን ድምፂ ኣምላኽ ምዃኑ ኣየለሊ እምበር ኣብ ሣልሳይ ጊዜ ካህን ኤሊ ብዝሓበሮ መሠረት ድምፂ ኣምላኽ ምዃኑ ፈለጠ። እሞ ንሕናኸ ኣብዚ እዋን እዚ ድምፂ ኣምላኽ ነለሊ’ዶ፧ ካልኦት ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን ከም ሕፃን ሳሙኤል ዝኣመሰሉ፡ ብዕድመ ናኣሽቱ እኳ እንተ ነበሩ ግና’ኸ ንእግዚኣብሔር ኣሥሚሮምን ፡ ትእዛዛቱ ሓልዮምን እዮም። ዋላውን ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ነገሥታት ፡ ነዞም ሕፃናት “ናብዚ ጣዖት እንተዘይሰጊድኩም ብሴፍ ክትቅተሉ ወይውን ኣብ ቤት ኣናብስት ክትድርበዩ፡ ኣብ ሓዊ ሃልሃልታ ክትጥበሱ ኢኹም” እናበሉ እንተኣፈራርሕዎም፡ ንሳቶም ግና ንኣምላኾም ተኣዘዙ እምበር ኣይፈርሑን። ንሕና ግና ሕፃናት ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ክትቅተሉ ወይ ብሓዊ ክትነዱ ኢኹም ዝብለና የለን። ናትና መሥዋዕቲ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብንቕሓት ምምጻእ፡ ንሥድራና ምኽባርን ፡ ሕጕሳት ኮይና ምንባርን እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ተወልደ ኣምላኽ እንከሎ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ሕፃናት ክንገብሮ ዝግበኣና ተኣዘዛን ኣኽበራን። ከምቲ ንሱ ንኣደኡ ዘኽባራን ዝተኣዘዛን ዝተለኣኻን ንሕና ኸኣ ነቦናን ነዴናን ከነኽብሮም ክንእዘዞምን ይግብኣና። ጐይታ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኮነ ‘ናብ ቤተ ኣቦይ ምኻድ ይግብኣኒ እዩ’ ኢሉ ኸደ። ኣብኡ ድማ ነቶም ካህናትን ሊቃውንትን ይሓቶምን ይምልሰሎምን ነበረ። ንሕና’ኸ ሕፃናት ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድና ካብ ኣቦታትና ካህናት ንመሃር’ዶ፧ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ጐይታና ኢየሱስ እናመሃረ እንከሎ ብዙኃት ሕፃናት ርኣይዎ። ርእዮሞ እውን ስቕ ኣይበሉን ዋጭ ዋጭ እናበሉ ብታሕጓስ ደድኅሪኡ ሰዓቡ። ነዚ ዝረኣዩ ኣይሁድ ብቕንኢ ተላዒሎም፡ ነቶም ሕፃናት ‘ትም በሉ’ ኢሎም ስቅ ከብልዎም ፈተኑ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “መንግሥቲ ኣምላኽ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ እያ እሞ ኅደጕዎም ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ኣይትኸልክልዎም” ኢሉ ነቶም ሕፃናት ባረኾም። ኣስተውዕሉ ሕፃናት! ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እምብዛ እዩ ዝፈትወና። እቶም ዝተባረኹ ሕፃናት ንኣምላኽ ዋጭ ዋጭ እናበሉ ኣመስገንዎ ኽብል ከሎ እናዘመሩ ማለት እዩ። ከምቲ እቶም ሕፃናት ደድኅሪኡ ዝኸዱ ንሕና ኸኣ ደድኅሪ ቃሉ፡ ቤቱ፡ካህናቱ . . . ንኺድ፡ ሕራይ’ዶ፧ ኵሉ ጊዜ ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት ንቤተ እግዚኣብሔር ቃል ኪዳን ዝኣተወላ ንሕና ድማ ከምኡ ቃል ኪዳን ክንኣትወላ ይግባእ። እቲ ቃል ኪዳን ከኣ “ኢየሩሳሌም (ቤተ ክርስቲያነይ) እንተ ረሲዓኪ የማነይቲ ኢደይ ትረስዓኒ” ንበል። “ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣይንፈለ፡ ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ሳዕ ኣብ ልብና ነኅድር።”
ካብ ድኅሪ ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ብዙኃት ኣብነታውያን ቅዱሳን ሕፃናት ንርእይ ኢና። ኣብነት ንምጥቃስ ከኣ ኣባ ኖብ፡ ሕፃን ቂርቆስ. . . ከምኦም ዝኣመሰሉ ካልኦትን። ኣባ ኖብ ካብ ክርስቲያን ዝኾኑ ቤተ ሰብ ተወልደ። ወዲ 12 ዓመት ከሎ ኣቦኡ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየ። ድኅር’ዚ እዩ ድማ ኣባ ኖብ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ከደ፡ ሓደ ካህን ነቶም ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ዝነበሩ ምእመናን እናሰበኸ ከሎ ብፍቕሪ ሃይማኖት ዝነደደ። ስለዚ ድማ በቲ ዝሰምዖ ትምህርቲ ኣዝዩ ተመስጠ። ንጐይታ ድማ ሓንሳብ ምስ ሰዓቦ ንድኅሪት ኣይተመልሰን። ስለ ክርስቶስ ድማ ብዙኅ መከራ ኣኅለፈ። ጐይታ ድማ የጸናንዖ ነበረ። ብዙኅ ተኣምራት’ውን ይገብር ነበረ። ካብቲ ዝገበሮ ተኣምራት ንምጥቃስ ሓደ መዓልቲ ወተሃደራት ቍልቍል ኣፉ ደፊኦም በትሪ ገይሮም ኣፍንጭኡ ምስ ሃረምዎ ኣፉ ደም ወጸ። እቲ ደም ነቶም ወተሃደራት ምስ ነጠቦም ዕውራት ኮኑ። እቲ መራሒኦም ኸኣ ልሙስ ኮነ። ኣባ ኖብ ግና ንጸላእቱ የፍቅር ስለዝነበረ ምእንቲኦም ጸለየ እሞ ካብቲ ሕማሞም ተፈወሱ። ብጐይታ ከኣ ኣመኑን ተጠምቁን። ሕፃናት ካብዚ ንመሃሮ ንሕና ብጻይና እንተሃረመና ወይውን እንተጸረፈና ሓሪቕና ግብረ መልሲ ክንህቦ ኣይግበኣናን። እንታይ ደኣ ‘ኦ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ይቅረ ግበረሉ ኣይተሓዘሉ’ ብምባል ክንጽልየሉ ይግባኣና። እወ! ኣባ ኖብ ሕፃን እዩ’ሞ ናቱ ታሪኽ ንኣና መምሃርን ጠቓምን እዩ። ስለዚ ከም ኣባ ኖብ ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነሥምሮ። ሕፃን ቂርቆስ’ውን ብተመሳሳሊ ዓቢይ ተኣምራት ዝገበረ ሕፃን እዩ። ስለዚ ‘ሕፃን እየ’ ኢልና ርእስና ከየትሓትና ከምዞም ቅዱሳን ክንከውን ይግበኣና።
እወ ሎሚ ዘለና ሕፃናት እግዚኣብሔር ካባና እንታይ ይጽበ፧ ካብ ታሪኽ ዝኃለፉ ቅዱሳን እንታይ ንመሃር፧ ንመሃሮ እኳ ብዙኅ እንተኾነ ካብ ብዙኅ ብኂደቱ ንምጥቃስ ግና ንሕና ሕፃናት ንእግዚኣብሔር ከነፍቅሮ፡ በቲ እቶም ቅዱሳን ዝተጐዓዝዎ ርተዕ መንገዲ ክርስትና ክንከይድ፡ ንቅዱሳን ከነኽብር፡ ቤተ ክርስቲያን ክንመጽእ፡ ብፍላይ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ክንሳተፍ፡ ሥድራና ወለድና ከነኽብርን ካልእ ነዚ ዝኣመሰሉ ሠናይ ተግባራት ክንፍጽም ይግባእ። እዚ ምስ እንገብር እግዚኣብሔር ዝደለናዮ ይህበና ፡ ትምህርቲ ንነፍዕ ፡ ኣቦናን ኣዴናን ይፈትዉና፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ደቀይ ትብለና። ስለዚ ፍቁራት ሕፃናት ኵሉ ጊዜ ከምዚ ክንብል ይግባእ፦
፠ ብዘይካ እግዚኣብሔር ካልእ ኣምላኽ የብለይን!
፠ ብዘይካ ኣደይ ማርያም ካልእ ኣደ የብለይን!
፠ ብዘይካ ቅዱሳን ኣብ ሰማይ ካልእ ቤተ ሰብ የብለይን!
፠ ብዘይካ ተዋሕዶ ካልእ ሃይማኖት የብለይን!
፠ ብዘይካ ሥጋኡን ደሙን ካልእ ኣማናዊ መግቢ የብለይን!
እግዚአብሔር ነዊኅ ዕድመን ዓቢይ ጸጋን ይሃብኩም!
ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195