banner

'ሕፃናት፡ ከም ነቢይ ሳሙኤል ንኹን!'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ውላድ ብዘይምርካባ፡ ኣዝያ ትጕህን ትኃዝንን ዝነበረት፡ ሃና ትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እግዚአብሔር ከይዳ “ኦ እግዚአብሔር፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተዘከርካኒ፡ ንኣይ ንባርያኻ ውን ከይረሳዕካ ወዲ እንተሂብካኒ፡ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ሕይወቱ ንኣኻ ንእግዚአብሔር ኬገልግል ክውፍዮ እየ” ኢላ ንብዓት ሓዊሳ ጸሎትን መብጽዓን ኣቕረበት። ኣገልጋሊ ናይቲ ቤተ እግዚአብሔር ዝኾነ ካህን ኤሊ ኸኣ ብማዕዶ ኾይኑ ይዕዘባ ነበረ። መስተ ኣብዚኃ ብስኽራን ትዛረብ ዘላ ስለዝመሰሎ ናብኣ ቀሪቡ “ከምዚ ኢልኪ ሰኺርኪ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ፧ ደጊምሲ እባ ስኽራን ይኣኽለኪ” በላ።

ንሳ ግና “ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልአ ሰበይቲ ደኣ እየ እምበር መስተሲ ኣይሰተኹን። ብጸሎት ደኣ ጭንቀይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር አፍስስ ኣሎኹ። እቲ ክሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝኂ ጓህን ኃዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ከም ዝርግቲ ሰበይቲ ኣይትርኣየኒ” ኢላ መለሰትሉ። ካህን ኤሊ ድማ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ኵሉ ይሃብኪ” ብምባል ኣፋነዋ። ፍቓዱ ኮይኑ ድማ እግዚአብሔር ጸሎታ ሰሚዑ ብኽያታ ርእዩ ውላድ ወዲ ሃባ። ሃና ድማ “ካብ እግዚአብሔር ለሚነ ዝረኸብክዎ እየ” ንምባል “ሳሙኤል” ኢላ ሰመየቶ። ሕፃን ሳሙኤል ጡብ ምጥባው ምስ ኃደገ ከም መብጽዓኣ ንእግዚአብሔር ከገልግል ናብ ቤት ኣምላኽ ወፈየቶ። ሕፃን ሳሙኤል፡ ከም ቈልዐ ምስ ቈልዑ ከይተጻወተ ንእግዚአብሔር እናኣገልገለ ዓበየ፣ ብእግዚአብሔርን ብሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።

በቲ ጊዜ እቲ እግዚአብሔር ብኤሊን ብደቁን ስለዝጐሃየ፡ ንሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኪጽውዖ ደለየ። ካህን ኤሊ ኣብ ሥፍራኡ ደቂሱ ከሎ፡ ሳሙኤል ድማ ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ ድንኳን ደቂሱ ነበረ። እታ ነታ ድንኳን እተብርህ መብራህቲ ኸይጠፍአት ከላ፡ ሽዑ እግዚአብሔር ንሳሙኤል ጸውዖ። ሳሙኤል ድማ ካህን ኤሊ ዝጸውዖ መሲልዎ “እኔኹ” ኢሉ ናብ ኤሊ ኸደ። ኤሊ ግና “ወደየ፥ ኣነስ ኣይጸዋዕኩኻን ተመሊስካ ደኣ ደቅስ” በሎ። ካልኣይ ጊዜ ውን ከምኡ ገበረ። ኣብ ሣልሳይ ሳዕ ውን እግዚአብሔር ምስ ጸውዖ፡ ሳሙኤል ናብ ኤሊ ከደ። ኤሊ ነቲ ቘልዓ እግዚአብሔር ከም ዝጸውዖ ኣስተውዒሉ፡ ሕጂ እንተ ጸውዒካ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ኦ እግዚአብሔር ተዛረብ” በል በሎ። ሳሙኤል ከይዱ ኣብታ ሥፍራኡ ምስ ደቀሰ፡ እግዚአብሔር ኸኣ ኸምቲ ካልእ ጊዜያት “ሳሙኤል፡ ሳሙኤል” ኢሉ ጸውዖ። ሽዑ ሳሙኤል፦ “ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ” ምስ በሎ እግዚአብሔር ድማ ኵሉ’ቲ ዝመጽእን ዝኸውንን ነገሮ። እግዚአብሔር ጸዊዑ ከዘራርበካ ክንደይ ትዕድልቲ’ዩ!

ሳሙኤል እግዚአብሔር እናተገልጸሉን እናኣዘራረቦን ዓበየ። ድኅሪ ሞት ኤሊ ድማ ተኪኡ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ኣገልጋልን እሙን ነቢይን ኮነ። ንደቂ እስራኤል ድማ ብፍትሒ እናመርሖምን እናፈረዶምን ምሉእ ዘመን ሕይወቱ ኣኅለፈ። ሳሙኤል ምስ ኣረገ ግና ደቂ እስራኤል ብፍርዲ ደቁ ኢዩኤልን ኣቢያን ስለዘይተሓጐሱ፡ “ዝመርሓና ንጉሥ ኣንግሠልና” በልዎ። ሳሙኤል ናብ እግዚአብሔር ብጸሎት ኣመልኪቱ ድማ ቅድም ንሳኦል ደኃር ድማ ንዳዊት ቀቢኡ ኣንገሦም። ሳሙኤል ኣሪጉ ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ተኣኪቦም በኸይሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቐበርዎ።

ስለዚ ንሕና ሕፃናት፡ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቤቱ ዝመሃሩ፡ዘገልግሉን ዝመላለሱን ይዛረብ እዩ እሞ“ባርያኻ ይስምዕ ኣሎ’ሞ ተዛረብ” ኢልና ብትሕትና ንቕረብ።

* ሕቶታት
• ኣደ ሳሙኤል መን ትብሃል፧ ሳሙኤል እንታይ ማለት እዩ፧
• ስለምንታይ እግዚአብሔር ንሳሙኤል ጸዊዕዎ፧ ክንደይ ጊዜኸ ጸዊዕዎ፧ መልሲ ሳሙኤል ከ እንታይ ነበረ፧
• እቶም ክልተ ደቂ ሳሙኤል መነ መን ይበሃሉ፧
• ሳሙኤል ዝቀብኦም ነገሥታት__________________ን_______________ እዮም።
• ሕፃናት ካብ ታሪኽ ሳሙኤል እንታይ ንመሃር፧

* መወከሲ ጥቕስታት
1ይ ሳሙ. 1፥1-28፣ 1ይሳሙ. 2፥19፣ 1ይሳሙ. 3፥1-14፣ 1ይሳሙ. 25፥1

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195