banner

ደቀየ ፡ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ ፈሪሀ እግዚአብሔር እመሀርክሙ።(መዝ ፴፫፡፲፩)

ደቀየ ፡ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ።(መዝ 33፡11)

   እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕጻናት ከመይ ኣሎኹም ፡ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት “ደቀይ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ” ከም ዝበለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንዝመጽእ ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ረቡዕ ዝቅጽል ፍርሃተ እግዚአብሔር እንመሃረሉ ጾመ ነነዌ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጾም ክንጸውም ትእዝዘናን ትምህረናን እያ። ናይዚ ጾም እዚ ኣመጻጽኣ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ታሪክ ሰብአ ነነዌ (ታሪኽ ሕዝቢ ነነዌ)

ኣብ ሓንቲ ዓባይ ከተማ ነነዌ ዝነብሩ ህዝቢ ነበሩ። እዞም ህዝቢ ኣዝዩ ክፉእ ኃጢኣት ብምፍጻሞም ካብ እግዚአብሔር ነቢይ ዮናስ ከይዱ ካብ ኃጢኣቶም ክርሕቁን ናብ ፈጣሪኦም ንክምለሱ ክሰብኮምን ክምህሮምን ናብ ህዝቢ ነነዌ ተላእከ።

ዮናስ ግና እግዚአብሔር በዓል ብዙኅ ምሕረት እዩ ፡ ሰብ ነነዌ ከም ዝቕጽዑ ፈሊጦም እንተ ተነስሑ ክምሕሮም እዩ፡ ኣነ ድማ ሓሳዊ ነቢይ ኪብሓል እየ ኢሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር ጥሒሱ ኻብ ገጽ እግዚኣብሔር ኪሃድም ናብ ተርሴስ እትወስድ መርከብ ረኺቡ ተሰቕለ።

እግዚአብሔር ድማ ናቢ ባሕሪ ህቦቡላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኾነ። እቶም ባሕረኛታት ኣዝዮም ተጨነቑ ዝገብርዎ ድማ ጠፍኦም፡ ነፍስ ወከፎም’ውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ምእንቲ ኺፈዅሰሎም ከኣ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። በዚ ዅሉ ግና እቲ ንፋስ ምሕዳእ ኣበየ እታ መርከብ’ውን ክትስበር ደለየት። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ደቂሱ ነበረ። እቲ ሓለቓ መርከብ ንዮናስ ደቂሱ ምስ ረኣዮ ኣዚዩ ተገሪሙ፡ ሰብ ኵሉ ኣዚዩ ፈሪሑ ምእንቲ ከይመውት ይምህለልን ይጽልን ንስኻ ግና ደቂስኻ ኣሎኻ ተንስእ፡ ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተ መሓረና ናብ ኣምላኽካ ተማህለል በሎ።

ብድኅር እዚ ነሓድሕዶም እዚ መኸራ እዚ ብሰንኺ ሓደ ካባና መጺኡና ከይኸውን ዕጫ ነውድቕ ተባሃህሉ። ዕጫ ምስ ኣውደቑ ድማ ናብ ዮናስ በጽሔት።

ሽዑ ንዮናስ ብዛእባኻ እስኺ ንገረና ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እብራዊ እየ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኵሉ ዝገበረ እግዚአብሔር ኣምላኽ እየ ዘምልኽ። እግዚአብሔር ዝኣዘዘኒ ትእዛዝ ምፍጻሙ ፈሪሀ ክሀድም እየ ናብዚ ዝመጻኹ ምስ በሎም ኣዝዮም ፈርሑ፡ እቲ ባሕሪ ማዕባሉ እናባርትዔ ይኸይድ ብምንባሩ፡ ኣዚዩም ተረበሹ እሞ እቲ ባሕሪ ኺሀድኣልናስ እንታይ ንግባርካ በልዎ።

ንሱ ድማ እዚ ኵሉ መከራ እዚ ብሰንኸይ ስለዝረኸበኩም ንኣይ ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ እሞ እቲ ባሕሪ ኪሀድኣልኩም እዩ በሎም። እንተኾነ ንዮናስ ናብ ባሕሪ ምድርባዩ ከቢድዎም ናብ ምድሪ ምእንቲ ክበጽሑ ኃይሊ ወሲኾም ምቕዛፍ ጀመሩ። ምዃን ምስ ኣበዮም ግና ኦ እግዚአብሔር ንልምነካ ኣሎና ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር ኢሎም ናብ እግዚአብሔር ኣእወዩ። ንዮናስ ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ካብ ምንዋጽ ሀድአ። እቶም ሰባት ኸኣ መንክራት እግዚአብሔር ርእዮም ብእኡ ኣመኑ መስዋእቲ ሰውኡ መብጽዓውን ተማባጽዑ።

እግዚአብሔር ምሕረቱ ብዙኅ ኣምላኽ ብምዃኑ ንዮናስ ዚውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወሉ። ዮናስ ኸኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ገበረ። ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኹ ብፍጹም ጣዕሳ ጸለየ። ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ እግዚአብሔር ኸኣ ነቲ ዓሳ ኣዘዞ ንሱውን ንዮናስ ናብ ምድሪ ተፍኦ።

ንዮናስ ኸኣ ተንስእ ናብ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ ኪድ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ኸኣ ኣውጅላ፡ ኢሉ ካልኣይ ጊዜ ኣዘዞ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚአብሔር ናብ ነነዌ ከይዱ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ እናበለ ኣው ኢሉ ኣወጀላ። ሰብ ነነዌ ኸኣ ነዚ ምስ ሰምኡ ንኣምላኽ ኣመኑ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእስቱኦም’ውን ወጮ ተኸድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉሥ ነነዌ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ወሪዱ ክዳን ንግሥነቱ ኣውጺኡ ወጮ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙዅሽቲ ድማ ተቐመጠ። እቲ ንጉሥ ድማ ንሰብ ነነዌ ኵሎም ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን ሰብ ኮነ እንስሳ ካብ እክለ ማይ ይከልከል ወጮ ይከደኑ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ምድርን የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ ግብሩ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ ኢሉ ናይ ጾም ኣዋጅ ኣወጀ።

   ብባሕርይኡም መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ካብ እኹይ ግብሮም ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመልሱ ረኣየ። ስለዚ ከጥፍኦም ዝመደበ መሓሮንም ይቕረ በሎምን። ከምቲ ዝመደቦ ከኣ ኣይቀጽኦምን።

ዝተፈቶኹም ሕፃናት ከምቲ ኣብ ታሪኽ ሰብ ነነዌ ዝረኣናዮ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣና ብዝተፈላለየ መንገዲ ካብ እኸይ ግብሪ ተመሊስና ብመንገዱን ብቅድስናን ክንመላለስ ይመኽረና እዩ፡ መለበምን ኣይግበርካ መለበምን ኣይኽላእካ ከምዝበሃል ካብቶም ቀዳሞት ሰብ ነነዌ ከም ዝረኣናዮ ሰብ ኮይኑ ዘይብድል ፡ ዕንጨይቲ ኮይኑ ድማ ዘይተኽኽ የለን እሞ ዝገበርናዮ ኃጢኣት ፈሊጥና ናብ እግዚአብሔር ብጾምን ጸሎትን ብሓባር ለሚንና ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ከምእንረክብ ኣሚንና ዓመት መጸ ኩሉ ካብ ንእሽቶ ክሳዕ ዓቢ ብሓባር ጾመ ነነዌ ንጸውም ኣሎና።

  እምበኣር ሕፃናት ካብዚ ታሪኽ እዚ እንታይ ንመሃርM

፩/ ትእዛዝ እግዚአብሔር ፈጣሪኻ ኩሉ ዝዓበየን ዝነኣሰን ኣብ እዋኑ ክፍጽም ከም ዝግብኦ

፪/ እግዚአብሔር መሓሪ ከምዝኾነ ክንጠፍእ ከምዘይደሊ

፫/ ካብ እግዚአብሔር ክርሕቕ ዝኽእል ሓደ ፍጡር እኳ ከምዘየለ

፬/ ካብ እግዚአብሔር ዘድልየና ብጾምን ጸሎትን ተስፋ ከይቆረጽና ምስ ንልምኖ ከም ዝገብረልና ተማሂርናዶM

    ብካልእ ጊዜ ካልእ ታሪኽ ሒዝናልኹም ክሳብ ንመጽ እግዚአብሔር ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና። ናብ ብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ብሰላም የብጽኃና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል ፡ ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195