banner

ሥነ ፍጥረት ንሕፃናት!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥነ ፍጥረት ንሕፃናት!

እግዚአብሔር ገባሬ ኵሉ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኣብ ምድርን ኣብ ሰማይን ንዘሎ ኵሉ ብኃይሊ ሥልጣኑ ፈጠሮ። እግዚአብሔር ዘይፈጠሮ ዋላ ሓደ ነገር እኳ የልቦን። እቲ ዝርአን ዘይርአን ኵሉ እግዚአብሔር ዝፈጠሮ ተግባር ኣእዳዉ እዩ።

ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ክፈጥር ከሎ፡ “ለይኩን/ይኹን” እናበለ ብኃይሊ ቃሉ በብመዓልቱ ንዅሉ ከም ፍቓዱ ፈጠሮ። ዝኾነ መሣርሒ ኣይተጠቕመን። ሥልጣኑ ኽምርመር ዘይከኣል ስለ ዝኾነ ከመይ ገይሩ ደኣ ነዚ ዅሉ ክገብሮ ከኣለ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዘይ ገለ ምጥርጣር ብፍጹም እምነት ኢና ኽንቅበሎ ዝግብኣና።

እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተዝቝጸሩ ፍጡር ቈጺሩ ዝውድኦም ኣይኮነን። በብወገኖም ካብ ብዙኅ ሓደ ሓደ እናበልካ እንተተቘጽሩ ግና ዕሥራን ክልተን እዮም።

ካብዞም 22 ፍጥረታት ግና ሰብን መላእኽትን ስሙ ንምቕዳስን ክብሩ ንምውራስን ዝተፈጥሩ እዮም። ካልኦት ዝተረፉ ፍጥረታት ድማ ንኣንክሮን ተዘክሮን (መዝ. 19፥1) ከምኡ ውን ንመግበ ሥጋ (ኣዝርእት፡ ኣትክልት . . . ) ንመግበ ነፍስ (ሥርናይ ንቅዱስ ሥጋኡ፡ ወይኒ ንክቡር ደሙ፡ ዕጣን ንመሥዋዕቲ) ዝተፈጥሩ እዮም። ንዅሎም ፍጥረታት ካብ ሰንበት ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ሽድሽተ መዓልቲ ፈጠሮም።

• ኣብ ዕለተ እሑድ (ሰንበት) እግዚአብሔር ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)
ነቲ ሓደ ካብ መላእኽት ዝኾነ ሳጥናኤል ልዕሊ ዅሎም መላእኽቲ ሓለቓ ኣዛዚ ገበሮ። ሳጥናኤል ወይ ሰይጣን ግና ብትዕቢት ‘ኣነ እየ ፈጣሪ’ ኢሉ ተላዕለ። በዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ሰፈር መላእኽቲ ዓቢይ ምንዋጽ ኮነ። ሓደ ካብ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል፦ ‘ንፈጠሪና ክሳዕ ንፈልጥ ኣብ ዘዘለናዮ ንጽናዕ’ በለ። በዚ ቃል’ዚ ብዙኃት ክጸናንዑ ከለዉ፣ ገሊኦም ግና ‘ፈጣሪና ሳጥናኤል እዩ’ በሉ፣ ገሊኦም ድማ ተጠራጢሮም ስቕ በሉ። በዚ ጊዜ’ዚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ተገልጸሎም እሞ ሳጥናኤልን ሰዓብቱን ተቐጺዖም ካብ ኽብሮም ተዋረዱ። ሳጥናኤል ስሙ ብሰይጣን ወይ ዲያብሎስ ተተክአ፣ ሰዓብቱ ድማ ኣጋንንቲ ተባህሉ። እዚኦም ወትሩ ንደቂ ሰባት እናፈተኑ ናብ ክፉእ ዝመርሑ እዮም።

• ኣብ ዕለተ ሰኑይ፡ ነቲ ካብ ምድሪ ክሳዕ ሰማይ መሊኡ ዝነበረ ማይ ከፈሎ።

• ኣብ ዕለተ ሠሉስ ብኣፃብዕቲ ዝልቐሙ ኣታኽልቲ፡ ብማዕጺድ ዝዕጸዱ ኣዝርእቲ፡ ብፋስ ዝቝረጹ ኣግራብ ፈጠረ።

• ኣብ ዕለተ ረቡዕ ንፀሓይን ወርኅን ከዋኽብትን ፈጠረ።

• ኣብ ዕለተ ኃሙስ፦ ኣብ ባሕሪ ተወሲኖም ዝነብሩ ብኸብዶም ዝኸዱ፡ ብእግሮም ዝኸዱ፡ ብኽንፎም ዝበሩ እንስሳታትን ኣእዋፍን ፈጠረ።

• ኣብ ዕለተ ዓርቢ ድማ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ እንስሳታትን ኣእዋፍን ኣራዊትን ከምኡ’ውን ብመልክዑን ብኣምሳሉን ንሰብ ፈጠረ።

ኣብ ሻብዓይ መዓልቲ ብዕለተ ቀዳም ግና ፍጥረታት ካብ ምፍጣር ኣዕረፈ።

ፍቁራን ሕፃናት፡ ብሓፈሻ ካብዚ ሎሚ ዝተመሃርናዮ እንርድኦ፦

• እግዚአብሔር ኣምላኽ ፈጣሬ ኵሉ፡ ገባሬ ኵሉ ኣምላኽ ምዃኑ፣
• ሳጥናኤል ብትዕቢቱን ብሓሶቱን ምስ ሰዓብቱ ካብ ኽብሩ ከምዝተዋረደ፣
• ሓሶት፡ ትዕቢት፡ ዘይንብረትካን ዘይሥልጣንካን ምትምናይ ከምኡ’ውን ተጠራጣሪ ምዃን ከቢድ ኵነኔ ከምዘስዕብ፣
• እግዚአብሔር፡ ንዅሉ ምስ ፈጠረ ካብ ኵሉ ኣብሊጹ ብመልክዑ ንሰብ ከም ዝፈጠረ፣
• ከምቲ እግዚአብሔር ንዕለተ ቀዳም ፍጥረታት ካብ ምፍጣር ኣዕሪፉ ዘኽበራ ንሕና’ውን ንቀዳመ ሰንበትን በዓላትን ከነኽብር ከምዝግባእ፣
• . . .

ፍቁራን ሕፃናት፡ ኣብ ዝመጽእ ትምህርትና ብዛዕባ ኣዳምን ሔዋንን ክንመሃር ኢና። እግዚአብሔር ብሰላሙ የጽንሓና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195