banner

ጕዕዞና ናብ ታሪኻዊ ገዳም ደብረ ጥሉል እንዳቦና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጕዕዞና ናብ ታሪኻዊ ገዳም ደብረ ጥሉል እንዳቦና

ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ጥንታውያን ሰነዳትን ታሪኻውያን ቅርስታትን መንፈሳዊ ትውፊታትን ምስ ዝድኅሠሡ፡ ኣብኡ ታሪኽ ገዳማትን ቅዱሳን ኣበውን ኣሎ።
ሎሚ እምበኣር ብሓፂሩ፡ ታሪኽ ገዳም ደብረ ጥሉል እንዳቦና ከምኡ’ውን ነዚ ገዳም’ዚ ዝገደመ ካብዛ ጥንታዊት ርትዕት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝፈረየ፡ ብትሩፋቱን ገድሉን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክብርን ሞገስን ረኺቡ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ዝተቐበለ ኣቡነ ኣብራንዮስ ክንትርኽ ኢና፡ እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና!
ገዳም ደብረ ጥሉል እንዳቦና ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ዝርከብ ብኣግራብን ወሓይዝን ዘጌጸ ግሩም ገዳም እዩ። . . .

እዚ ገዳም እዚ ብጻድቕ ኣቡነ ኣብራንዮስ ኣብ ከባቢ 1700 ዓ.ም. እዩ ተመሥሪቱ።
ስለምንታይ እዚ ገዳም’ዚ ኣብ ክንዲ እንዳ ኣቡነ ኣብራንዮስ “እንዳቦና” ይብሃል ፧ ንዝብል ሕቶ፡ ኣብ መጽሓፈ ገድሉ ተመሊሱ ንረኽቦ።
ንጉሥ ሱስንዮስ ዝበሃል ኣብ ዝነገሠሉን ናይ ሃይማኖት ህውከትን ስደትን ኣብ ዝነበረሉን እዋን፡ ሰብ ሓዳር ወልደ ክርስቶስን ወለተ ትንሣኤን ዝበሃሉ ጻድቃንን ፈራህቲ እግዚአብሔርን ነበሩ። ወለተትንሣኤ ፀኒሳ ነበረት። እቲ ኣብ ማኅፀና ተፀኒሱ ዝነበረ ድማ “እዚ ናይ ሃይማኖት ምንዋጽን ህውከትን ክሳዕ ዝሃድእ ኣይውለድን እየ” ብምባል ንሾብዓተ ዓመትን ሾብዓተ ወርኅን ተዓቊቡ ጸንሐ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ፡ ሓንቲ ጐረቤት ዓባይ ሰበይቲ ሓዊ ኽትልም መጽአት እሞ፡ ንወለተትንሣኤ “እዚ ኣብ ማኅፀንኪ ዘሎስ መዓስ’ዩ ዝውለድ” ምስ በለት፡ ካብ ማኅፀን ወለተትንሣኤ “ኣንቲ ሰበይቲ ሓዊ ለሚንኪ ኪዲ እምበር ዘየምጽኣኪ ኣይትግበሪ።” ዝብል ተግሣፅ ተሰምዐ። እታ ሰበይቲ ድማ ተደኒቓ “ እዚ’ሲ ኣብ ማኅፀን ኣደኡ ከሎ ኣሪጉ’ዩ፡ እዚ’ስ ኣቦና እዩ።” ኢላ ተዛረበት። እዚ ኣብ ማኅፀን ኣደኡ ኮይኑ ዝተዛረበ ኣቡነ ኣብራንዮስ እዩ። በዚ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣቡነ ኣብራንዮስ “ኣቦና” ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ እቲ ገዳሙ’ውን “እንዳ ኣቦና” ይበሃል።

እቲ ናይ ሃይማኖት ምንዋጽ ምስ ሃድአ፡ ብድኅሪ ሾብዓተ ዓመትን ሾብዓተ ወርኅን ኣቡነ ኣብራንዮስ ተወልደ። ኣቡነ ኣብራንዮስ ካብ ሾብዓተ ዓመት ዕደመኡ ጀሚሩ፡ ካብ ፊደል ምቝጻር ክሳዕ ትምህርተ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ተማህረ። ካብ ሢመተ ዲያቆን ክሳዕ ምንኵስና ብመንፈሳዊ ኣገልግሎት ንእግዚአብሔር ኣሥመረ።

ንዓለምን ፍትወታን መኒኑ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ድኅሪ ምንባር፡ እግዚአብሔር ገሊጽሉ ናብዚ ሕጂ ብስሙ ዝጽዋዕ ዘሎ ገዳም መጽአ። ነዚ ገዳም’ዚ ብሥርዓተ ምንኵስናን ሕጊ ገዳምን ገዲሙ ደቀ መዛሙርት ኣፍርዩ፡ ስብከተ ወንጌል ዘርጊሑ ብዙኅ ተጋደለ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ድኅሪ ጽኑዕ ተጋድሎን ብሕትውናን ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐቢሉ፡ 21 ነሓሴ ኣብ ገዳሙ ደብረ ጥሉል ዓሪፉ ብኽብሪ ተቐብረ። መርኣያ ቅድስናኡ ካብ ዝዓርፍ ክሳዕ ሕጂ ካብቲ መካነ መቓብሩ ብዝርከብ ጸበል ብዙኃት ድውያንን ሕሙማንን ይፍወሱ ኣለዉ።

ዓመት መጽአ’ውን ዕለተ ዕረፍቱ 21 ነሐሴ ብስብሐተ ማኅሌትን ጸሎተ ሰዓታትን ውዳሴን ቅዳሴን ብኽብሪ ይዝከር።

ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195