banner

ገባሬ ተአምር ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ

ገባሬ ተአምር ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ ሓደ ኻብቶም ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ኣብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ነናብ ብዕጫ ዝበጽሖም ሃገረ ስብከቶም ዝኸዱ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት እዩ። ንሓዋርያ ቶማስ ብዕጫ ዝበጽሖ ሃገረ ህንድ እዩ። ኣብዚ ዓዲ ምስ ኣተወ፡ ‘እንታይ ሞያ ኣለካ’ በልዎ። ንሱ ድማ “ምንዳቕን ምጽራብን ምሕናፅ ቤተ ምኵራብን . . . እኽእል እየ” ብምባል ኽእለቱ ገለጸሎም።

ተውሳክ፡ . . .ገባሬ ተአምር ሓዋርያ ቅዱስ ቶማስ

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

ከመይ ቀኒኹም ሕፃናት ሎሚ ብዛዕባ ታሪኽ ሠለስቱ ደቂቅ ክንመሃር ኢና!

ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ዝበሃሉ ሠለስተ መንእሰያት ነበሩ። እዞም መንእሰያት’ዚኦም ብምርኮ ኣብ ባቢሎን ይነብሩ ነበሩ። ኣብቲ ነቢይ ዳንኤል ብልዒ ንጉሥ በሊዑ ንኸይረክስ ቆሎ ቘርጢሙን ማይ ሰትዩን ክኃድር ከሎ፣ እዞም ሠለስተ መንእሰያት ከኣ ምስኡ ሠሚሮም ነበሩ። ንእግዚአብሔር ድማ ኣዝዮም ይፈትውዎ ነበሩ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንጉሥ ናቡከደነጾር ኣዚዩ ነዊኅ ብወርቂ ዝተገብረ፡ ምስሊ ኣቒሙ ንዅሉ ሕዝቢ ናብዚ ምስሊ’ዚ ክሰግድ፡ እቲ ዘይሰገደ ግና ኣብቲ እቶን ሓዊ ክድርበ ምዃኑ ኣወጀ። እዞም ሠለስተ እስራኤላውያን መንእሰያት ግና ኣብቲ ዝተባህለ እቶን ሓዊ ከይድርበዩ ኣይፈርሑን። ንንጉሥ ከኣ “ኦ ንጉሥ ንሕና ነዚ ንስኻ ዘቖምካዮ ምስሊ ኣይንሰግድን፣ ምኽንያቱ እነምልኾ ኣምላኽ ኣሎና፡ ካብዚ ሓዊ ድማ ከድኅነና ስለዝኽእል ንእኡ ጥራይ ኢና ንሰግድ” በልዎ።

ተውሳክ፡ . . . ታሪክ ሠለስቱ ደቂቅ ንሕፃናት

ደቀየ ፡ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ንዑ ደቂቅየ ወስምዑኒ ፈሪሀ እግዚአብሔር እመሀርክሙ።(መዝ ፴፫፡፲፩)

ደቀየ ፡ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ።(መዝ 33፡11)

   እግዚአብሔር ዝፈትወኩም ሕጻናት ከመይ ኣሎኹም ፡ ናብዚ ሰዓትን እዝን ዕለትን ብሰላም ዘብጸሓና እግዚአብሔር ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ልበ ኣምላክ ኣቦና ቅዱስ ዳዊት “ደቀይ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ” ከም ዝበለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንዝመጽእ ሰሙን ካብ ሰኑይ ክሳዕ ረቡዕ ዝቅጽል ፍርሃተ እግዚአብሔር እንመሃረሉ ጾመ ነነዌ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጾም ክንጸውም ትእዝዘናን ትምህረናን እያ። ናይዚ ጾም እዚ ኣመጻጽኣ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ደቀየ ፡ ንዑ ስምዑኒ ፍርሃት እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ

ግጥሚ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
              ግጥሚ
ስማዕ ኢኻ ስማዕ ንኡስ ተመሃሪ፤
ሎሚ ትኸውን እሞ ናይ ፊደል ቈጻሪ፤
ንዳኅራዩ ትድይብ ናብ ዓቢይ ክብሪ፤
ኣምላኽ ዚህበካ ባዕሉ እቲ ፈጣሪ።

ፊደል ሀሁ እዩ መሠረት ንዅሉ፤

ተውሳክ፡. . .ግጥሚ

ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን

ዝኸበርኩም ሕፃናት “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል እንታይ ማለት ምዃኑ ትፈልጡ`ዶ፧ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ከም እትምህረና። “ቤተ ክርስቲያን” ዝብል ቃል ንሠለስተ ነገራት የመልክት፣
1. ቀዳማይ፦ ንሕንፃ ቤተ ክርስቲያን፥
2. ካልኣይ፦ ንብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዝተኣከቡ ጉባኤ ምእመናን፥
3. እቲ ሣልሳይ፦ ከኣ ንሕና ነፍሲ ወከፍና(ገዛእ ርእስና) ቤተ ክርስቲያን ከም እንበሃል ቤተ ክርስቲያንና አስፊሓ ትምህረና።

ዝኸበርኩም ሕፃናት (ኣንበብቲ)! ሕጂ ኣብ’ዚ ኣርእስትና እንመሃሮ ትምህርቲ ብዛዕባ ፍቕሪ ምስ ሕንፃ ቤተ ክርስቲያንና ከመይ ኪኽውን ከም ዘለዎ እዩ፣

ተውሳክ፡ . . .ፍቕሪ ቤተ ክርስቲያን

'ሕፃናት፡ ከም ነቢይ ሳሙኤል ንኹን!'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ውላድ ብዘይምርካባ፡ ኣዝያ ትጕህን ትኃዝንን ዝነበረት፡ ሃና ትብሃል ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እግዚአብሔር ከይዳ “ኦ እግዚአብሔር፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተዘከርካኒ፡ ንኣይ ንባርያኻ ውን ከይረሳዕካ ወዲ እንተሂብካኒ፡ ኣነ ድማ ብዅሉ ዘመን ሕይወቱ ንኣኻ ንእግዚአብሔር ኬገልግል ክውፍዮ እየ” ኢላ ንብዓት ሓዊሳ ጸሎትን መብጽዓን ኣቕረበት። ኣገልጋሊ ናይቲ ቤተ እግዚአብሔር ዝኾነ ካህን ኤሊ ኸኣ ብማዕዶ ኾይኑ ይዕዘባ ነበረ። መስተ ኣብዚኃ ብስኽራን ትዛረብ ዘላ ስለዝመሰሎ ናብኣ ቀሪቡ “ከምዚ ኢልኪ ሰኺርኪ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ፧ ደጊምሲ እባ ስኽራን ይኣኽለኪ” በላ።

ተውሳክ፡ . . . 'ሕፃናት፡ ከም ነቢይ ሳሙኤል ንኹን!'

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195