banner

ገለ ካብ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገለ ካብ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት

ቤት ትምህርተ ሰንበት፡ መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ትምህርትን ሥነ ምግባርን ተዀስኲሶም ብጥበብን ምስትውዓልን ዝዓብዩሉን፡ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ኃዲርዎም’ውን ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታቶም እናሰዓቡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያኖም ዘገልግልሉን ዝፈልጥሉን ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። 

እዚ ዕላማ’ዚ ብዝተፈላለዩ መርሐ ግብር ንጥፈታት ትምህርቲ ሰንበት ተግባራዊ ይኸውን።

ተውሳክ፡ . . .ገለ ካብ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት

ሓፈሻዊ ሥርዓተ መደብ ትምህርተ ሰንበት ( 1ይ ክፋል )

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

* መኽፈቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት፡ በቲ ኣብቲ ጉባኤ ዝለዓለ መዓርግ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ መራሒ እናተመርሐ ኵሉ ደው ኢሉ ብናይ ኃባር ጸሎት ይጅመር። ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ዚካየድ ሥሩዕ ይኹን ዘይሥሩዕ መደብ (መርሓ ግብር) ብጸሎት ይኽፈትን ይዕፆን። ምዱብ መርሓ ግብር ኪጅመር ከሎ ብጸሎት ዘወትር ይኽፈት።

እዚ ሥርዓተ ጸሎት እዚ ኸኣ፦

• “አአትብ ገጽየን፡ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ”
• ነአኵተከን አቡነ ዘበሰማያትን በሰላመ ቅዱስ ገብርኤልን
• ጸሎተ ሃይማኖትን ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔርን
• ከምኡውን “ሰላም ለኪን ጸሎተ እግዝእትነ ማርያምን’ የጠቓልል።
• ኣብ ሰንበት ግና ናይ ዕለት ውዳሴ ማርያም ብምድጋም ይበጽሕ።

ተውሳክ፡ . . . ሓፈሻዊ ሥርዓተ መደብ ትምህርተ ሰንበት ( 1ይ ክፋል )

ቤት ትምህርቲ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ቤት ትምህርቲ ሰንበት’ ዝብል ብቐጥታ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ደኣ ኣይሃሉ እምበር፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኣብያተ ት/ሰንበት ዝግበር ማለት ንሕፃናት ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ንሕገ እግዚኣብሔር ምምሃር ግና ዝነበረ’ዩ። ንምሳሌ፥ ኣብ ዘዳግም “ነዚ ትእዛዝ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ኣእምሮኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ ግንባርኩም ድማ ክታብ ይኹን፡ ኣብ ቤትኩም ኮፍ ምስ በልኩም፡ ኣብ መገዲ ክትከዱ ከሎኹምን ኣብ ምድቃስኩምን ኣብ ምትንሣእኩምን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሃርዎም” ዝብል ንባብ ንረክብ ኢና። (ዘዳ. 11፡18-21)
እስራኤላውያን ንደቆም ሕገ እግዚኣብሔር ክምህርዎም ተኣዚዞም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ንደቆም ኣብ ቤቶምን ኣብ ቤት እግዚኣብሔርን ሕገ ኦሪት እናመሃሩ ከም ዘዕበዩዎም መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና።

ተውሳክ፡ . . . ቤት ትምህርቲ ሰንበት

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195