banner

ኣቃውማ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኣቃውማ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት

* ኣቃውማ ቀወምቲ ኣካላት ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት

ሀ. ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት
1. ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ዝመኃደር ላዕለዋይ ኣካል ትምህርቲ ሰንበት እዩ።
2. ኣብ ኵሉ መደባት ሥራሕ ንኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ዝተሓጋገዝ ዋና ጸሓፊ ይህልዎ።
3. እዚ ክፍሊ እዚ ብጉባኤ ኣዋሓድቲ ኣካላትን ኣተግበርቲ ክፍልታትን ዝቖመ እዩ

ለ. ኣብ ቤት ጽሕፈት መንበረ ጵጵስና (ሃገረ ስብከት) ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት
1. ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ዝመኃደር ብደረጃ ሃገረ ስብከት ላዕለዋይ ኣካል ትምህርቲ ሰንበት እዩ።
2. ኣብ ኵሉ መደባት ሥራሕ ንኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት ዝተኃጋገዝ ሓደ ዋና ጸሓፊ ይህልዎ።
3. እዚ ክፍሊ እዚ ብጉባኤ ኣዋሓድቲ ኣካላትን ኣተግበርቲ ክፍልታትን ዝቖመ እዩ።

ሐ. ኣብ ቤት ጽሕፈት ንኡስ ሃገረ ስብከት ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት
1. ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ንኡስ ሃገረ ስብከት ዝመኃድር ላዕለዋይ ኣካል ትምህርቲ ሰንበት እዩ።
2. እዚ ክፍሊ እዚ ብኣተኃባበርቲ ክፍልታት ሥራሕ ዝቖመ እዩ።

መ. ኣብ ክልል ሰበካ ቤተ ክርስቲያን ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት
1. ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ክልል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ክልል ሰበካ ጉባኤ ካብ ዝርከቡን ዝእለዩን ክፍልታት ሓደ እዩ።
2. እዚ ክፍሊ እዚ ብኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ክልል ቤተ ክርስቲያንን ካብቲ ክልል ትምህርቲ ሰንበት በቶም ኣባላት ብዝምረጹ ብሾብዓተ ወይ’ውን ኃሙሽተ ጠርነፍቲ ክፍልታት ትምህርቲ ሰንበት ዝቖመ ክፍሊ እዩ።
3. ኣብ ኵሉ መደባት ሥራሕ ንኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ክልል ቤተ ክርስቲያን ብቐረባ ዚተሓጋገዞን ኃላፊ ኣብ ዘይርከበሉ እዋን ተኪኡ ዚሠርሕ ካብቶም ጠርነፍቲ ክፍሊ ትምህርቲ ክልል ትምህርቲ ሰንበት ሓደ ጸሓፊ ይህልዎ።
4. ኃላፊ ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ክልል ትምህርቲ ሰንበት ብኃላፍነት ዘመኃድር ላዕለዋይ ኣካል ክልል ትምህርቲ ሰንበት ኮይኑ ነቲ ትምህርቲ ሰንበት ምስቶም ኣባላት ክፍሊ ኮይኑ ይመርሖ።
5. እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ትሕቲኡ ዚካየዱ ከከም መጠን ዕብየትን ደረጃን ከምኡውን መደባት ትምህርቲ ሰንበት ሾብዓተ ወይ’ውን ኃሙሽተ ናይ ሥራሕ ክፍልታትን ካልኦት ብዙኃን ንኡሳን ክፍልታትን ይህልዎ።
6. ብመሠረት ሕጊ ቃለ ዐዋዲ ከኣ ሓደ ኣባል እዚ ክፍሊ እዚ ኸኣ ትምህርቲ ሰንበት ወኪሉ ኣባል ሰበካ ጉባኤ ኮይኑ ብተወሳኺ የገልግል። በዚ ኣገባብ እዚ ድማ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ምሉእ ንጥፈታትን ውሳነታትን ክልል ቤተ ክርስቲያን ተሳታፊ ይኸውን። ጕዳያት ትምህርቲ ሰንበት’ውን ኣብ ሰበካ ጉባኤ ከምዚቐርቡ ይግበር።
7. ክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት ክልል ቤተ ክርቲያን ምሉእ ንምሉእ ዘካይዶን ዚቈጻጸሮን ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ዚሠርዓሉን መንፈሳዊ ጉባኤ ክልል ትምህርቲ ሰንበት ይህልዎ።

ሠ. ኣብ ክልል ሰበካ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ጉባኤ ቤት ትምህርቲ ሰንበት

* ናይ ሥራሕ ኣካላትን ክፍልታትን ትምህርቲ ሰንበት

ሀ. ኣዋሓድቲ ኣካላት
ለ. ኣተግበርቲ ክፍልታት
ሐ. ኣተኃባበርቲ ክፍልታት (ንኡስ ሃገረ ስብከት)
መ. ክፍልታትን ንኡሳን ክፍልታትን ክልል ትምህርቲ ሰንበት

ተወከልቲ (ተመረጽቲ) ኣካላት

ሀ. ሓፈሻዊ ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ
ለ. ሃገራዊ ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ
ሐ. ሓፈሻዊ ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት
መ. ጉባኤ ትምህርቲ ሰንበት ሃገረ ስብከት

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር!
ምንጪ፦ መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195