banner

ገለ ካብ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ገለ ካብ ንጥፈታት ቤት ትምህርተ ሰንበት

ቤት ትምህርተ ሰንበት፡ መንእሰያት ደቂ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈሳዊ ትምህርትን ሥነ ምግባርን ተዀስኲሶም ብጥበብን ምስትውዓልን ዝዓብዩሉን፡ ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፍቕሪ ሰብን ኃዲርዎም’ውን ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታቶም እናሰዓቡ ቅድስት ቤተ ክርስቲያኖም ዘገልግልሉን ዝፈልጥሉን ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። 

እዚ ዕላማ’ዚ ብዝተፈላለዩ መርሐ ግብር ንጥፈታት ትምህርቲ ሰንበት ተግባራዊ ይኸውን።

• ኣብ መርሐ ግብር ትምህርቲ ሰንበት፡ ብመንገዲ ሥነ ጽሑፍ፡ መንፈሳዊ ተዋሥኦ፡ ምዕዶ ወዘይመስሎ ትምህርቲ ኪወሃብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ ቀንዲ ክፋል መርሐ ግብር ኮይኑ ዝረአን ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ተመሃሮ ብተገዳስነት ኪከታተልዎ ዚግባእን መደብ ግና ስብከተ ወንጌል ኪኸውን ይግባእ።

• ኣብ ሓደ ጉባኤ ትምህርተ ሰንበት ዚሥራዕ መደባት ብሓፈሻዊ ገምጋም ልዕሊ 50% ኣብ ትምህርተ ሃይማኖት ዘተኮረ ከምኡ’ውን ምሥጢርን ባህልን (ኣበሃህላን) ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ኣጕሊሑ ዜርኢ ኪኸውን ይግባእ።

• ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብመንፈሳዊ ሥነ ጽሑፋትን ሥነ ጥበባትን ሃብታም ከም ምዃና መጠን፡ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ጉባኤ ዚቐርብ ፍርያት ሥነ ጥበብ ብዅሉ መምዘኒታቱ (ትኅዝቶኡን ፡ መልእኽቱን፡ መንፈሱ፡ ቅርጹን ኣቀራርባኡን ፍጹም ኦርቶዶክሳዊ ጠባያትን ባህርያትን ዝተላበሰ (ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንን ዝተኸተለ፡ ባህልን ትውፊትን ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝዓቀበ) ኪኸውን ይግባእ።

• ኣብ ጉባኤያት ኣብያተ ትምህርተ ሰንበት ንመጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥንታውያን መጻሕፍተ ሊቃውንትን ኣዋልድ መጻሕፍትን ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራን መሠረት ገይሮም ወይ’ውን ተተርጕሞም ዚቐርቡ ፍርያት ሥነ ጥበብ ዝያዳ ክተባብዑ ኣለዎም።

• ኣብ መደባት ቤት ትምህርተ ሰንበት ዚዝመር መዝሙር ያሬዳዊ ዜማ ዘለዎን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ሃይማኖት ምሥጢርን ባህልን (ኣበሃህላን) ኣጕሊሑ ዘርእን ከምኡ’ውን ብመሠረት ሥርዓት ቤተ ክርስቲያንን ሥርዓተ ትምህርቲ ትምህርተ ሰንበትን ምስቲ እዋን ብዚሰማማዕ ኣገባብ ዝተመርጸን ኪኸውን ኣለዎ።

• ኣብ ሓደ ጉባኤ ብመዘምራን ዚቐርብ መዝሙር ነዚ ዚስዕብ ረቛሒ ከማልእ ይግባእ።
1. ብመጀመርታ ዚዝመር መዝሙር ስብሐተ እግዚአብሔር ዚነግር፡ ነገረ መለኮት ዝኃዘለ ወይ’ውን ብዛዕባ ፍቕርን ግብርን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚገልጽ ኪኸውን ይግብኦ።
2. ካልኣይ ዚዝመር ድማ ንኽብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዚገልጽ ኪኸውን ይግብኦ።
3. ብሣልሳይ ደረጃ ኸኣ ክብርን ኣማላድነትን ቅዱሳን ዚገልጽ ኮይኑ ምስቲ በዓላት ናይቲ እዋን ዚሳነ ኪኸውን ይግብኦ። ኣብ ዓበይትን ንኡሳንን በዓላት ጐይታ ዝያዳ ነቲ በዓል ዚምልከት ይዝመር።

• ከምኡ’ውን ብዘይካ ዝሽብሸቡ መዛሙር፡ ያሬዳዊ ዜማታቶም ሓልዮም ናይ ንስሓ ትኅዝቶ ዘለዎም መዛሙር ብግእዝ ወይ’ውን ብቋንቋ ትግርኛ ኮነ ከምቲ ናይቲ ኣማኒ ዝነብረሉ ኣከባቢ ብኻልእ ቋንቋ ይዝመር እዩ። ዜማኡ ግና ያሬዳዊ ኪኸውን ኣለዎ።

• ቤተ ክርስቲያንና ብመንፈሳዊ ዜማ (ማኅሌት፡ ሰዓታት፡ ወዘይመስሎ) ሃብታም ከም ምዃና መጠን፡ ነዚ ሃብቲ’ዚ ተመሃሮ ቤት ትምህርተ ሰንበት፡ በብደረጃኡን በብዓቕሞምን ኣብ ጉባኤያቶም መደባት ሠሪዖም ብዝተመስከረሎም መምህራን ከጽንዕዎን ክዝምርዎን ይግባእ።

• ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተጠቕሱን ክሳዕ ሕጂውን ቤተ ክርስቲያን ክትጥቀመሎም ዝጸንሐትን ዘላን መንፈሳዊ ተመስጦ ዘለዓዕሉ ንዋያተ መዝሙር ምስቲ ቅኒትን ድምፅን መዝሙር እናሰማምዑን እናወሓዱን ክጥቀሙ ይኽእሉ።
1. ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ፦ ከበሮ ጸናጽልን መቐሚያን።
2. ኣብ ዐፀደ ቤተ ክርስቲያንን ድኅረ ዑደት ዘክብረ በዓላት ኣብ ዓውደ ምሕረት ዚቐርብን፦ ከበሮ ጸናጽልን መቐሚያን፣ በገና፡ መሰንቆ፡ መለኸት፡ ሻምብቆ፡ እንዚራ (ባህላዊ ክራር)ን እዮም።
3. ኣሠራርሓ እዞም ንዋያተ መዝሙር፡ ጥንታውነትን ባህልን ቤተ ክርስቲያንና ዚሓለዉ ኪኾኑ ይግባእ። ዘመናዊ መሣርሒ ሙዚቃ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምጥቃም ፈጺሙ ኣይፍቀድን እዩ።

ብሓፈሻ ምእንቲ ምሥጢር ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከይፋለስ፡ እቲ ብቤት ትምህርተ ሰንበት ብዝተፈላለየ ዓይነትን መንገድን ንኅትመትን ንዝርግሐን ዚቐርብ ዝኾነ ዓይነት ፍርያት ሥነ ጥበብ (ሥነ ጽሑፍ፡ መንፈሳዊ ተዋሥኦ፡ ሥነ መዝሙር፡ ሥነ ቅርጻ ቅርጽን እደ ጥበብን . . . ወዘይመስሎ) ንዝተመስከረሎም መምህራን ሊቃውንት ዘሳተፈን፡ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ዝተመርመረን ዝረትዐን ኪኸውን ይግባእ። 

ኣብያተ ትምህርተ ሰንበትና ብሃይማኖትን ፍቕርን ይሓልወልና!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
ምንጪ፦ መምርሒ ትምህርቲ ሰንበት
መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195