banner

ሃይማኖት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ይማኖት፡ “ሀይመነ፥ ኣመነን ተኣመነን” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሢ ዝወፅአ ስም ኮይኑ፡ ትርጕሙ ኸኣ ምእማንን ምእማንን (እሙን ምዃንን) ማለት እዩ።
እምነት፡ “አምነ፥ ኣመነ” ካብ ዝብል ግሢ ዝመንጨወ ኾይኑ፡ ትርጕሙ ድማ ብዛዕባ እግዚአብሔር ንዝተመሃርካዮን ንዝረኣኻዮን፡ “ሓቂ እዩ፣” ኢልካ ብምሉእ ልብኻ ምቕባል ማለት ክኸውን ከሎ፣ ተአምኖ ማለት ከኣ “ተአመነ፥ እሙን ኮነ” ካብ ዝብል ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ፡ ነቲ፡ “ሓቂ እዩ፣” ኢልካ ዝኣመንካሉ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምምስካርን ኣብ ግብሪ ምውዓልን ማለት እዩ። “እምከመ ተአምን በአፉከ ከመ ክርስቶስ ውእቱ እግዚእ፣ ወተአምን በልብከ ከመ አንሥኦ እግዚአብሔር እሙታን፡ ተሐዩ።/ ብኣፍካ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ኣሚንካ፣ ብልብኻ’ውን እግዚአብሔር ካብ ምዉታን ከም ዘተንሥኦ እንተ ኣሚንካ፡ ክትድኅን ኢኻ።” (ሮሜ ፲፥፰-፲/10፥8-10)። ስለዚ ብዛዕባ ፈጣሪ ንዝንገረካ ብልቢ ኣሚንካ ምቕባል፡ ነቲ ዝኣመንካሉ ድማ ብልሳንካ ምምስካርን ኣብ ግብሪ ምውዓል ወይ ብግብሪ ምግላጽን ተጠቓሊሉ፡ ሃይማኖት ይብሃል።

ብተወሳኺ ድማ እዘን ዚስዕባ ሠለስተ ኣገላልጻታት መንነት ሃይማኖት (እምነት) ኣጸቢቐን ዘብርሃ እየን።

ሀ. ሃይማኖት መሠረት እዩ።
ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ንእምነት፡ “አሚንሰ መሠረት ይእቲ፡ ወካልኣኒሃ ሕንፃ ወንድቅ እሙንቱ፥ እምነት መሠረት እያ፡ ካልኦት ድማ ሕንፃን መንደቕን እዮም።” ይብል “ካልኦት” ኢሉ ብሕንፃን መንደቕን መሲሉ ዝተዛረቦም፡ ከኣ ምግባርን ትሩፋትን እዮም። ስለዚ እምነት መሠረት ምግባርን ትሩፋትን እያ። ነዚ ሕንፃ ምግባርን ትሩፋትን እዚ ቅድሚ ምሥራሕካ፡ ፈጣሪ ከም ዘሎን ብእትሠርሖ ተግባራት ጽድቂ ድማ ኣብ መወዳእታ ዓስቢ ከም ዝህበካን ክትኣምን ኣሎካ። “ወዘእንበለ ተአምኖሰ ኢይትከሀል ያሥምርዎ ለእግዚአብሔር።/ ብዘይ እምነት ግና ንእግዚአብሔር ኬሥምርዎ ኣይከኣልን እዩ።” (ዕብ. ፲፩፥፮/11፥6)
ብተወሳኺ’ውን ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ቲ ኣብ (ማቴ. ፲፮፥፲፮/16፥16) ከውሒ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ እምነትን ምስክርነትን ማለት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ ምዃኑ ምእማን፡ መሠረት ኵሉ ከም ዝኾነን፣ ብድኅር’ዚ ድማ ከምቲ ወርቂ ብሓዊ ዚፍተን ኣብ ጊዜ ፈተና ጸኒዕካ ሰማያዊ ዓስቢ ዘውህብ ሥራሕ ምሥራሕ ከም ዚግባእን፡ “ብዘይ እቲ ሥሩት መሠረት፡ ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሠረት ሓደ እኳ ኺሥርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸም’ቲ ዝተዋህበኒ ጸጋ እግዚአብሔር ብልሓተኛ ሓናፂ ኮይነ ነቲ መሠረት ሠረትኩ፣ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሓንፅ። ነፍሲ ወከፍ’ውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሓንፅ ይጠንቀቕ። ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሠረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕንፀይቲ፡ ሣዕሪ ወይስ ሓሠር እንተ ሠርሐ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ኪግሃድ እዩ፣ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኺፍትኖ እዩ። ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሓንፀ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ኪቕበል እዩ። እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኺስእን እዩ። ንርእሱ ግና ኪድኅን፡ ግና’ኸ ከምቲ ሓዊ ኃሊፉ ዝደኃነ እዩ።” (፩ይ ቆሮ. ፫፥፲፩-፲፭/3፥11-15) ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።

ለ. ሃይማኖት ልዕሊ ኣእምሮ (ፍልጠት) እዩ።
ሰብ ብስምዒት ሕዋሳቱ እዩ መርሚሩ ዝፈልጥ፤ ብኢዱ ዳኅሢሡ ሓርፋፍ ካብ ለማጽ፣ ብዓይኑ ርእዩ ጸልማት ካብ ብርሃን፣ ብመልሓሱ ጥዒሙ ምቁር ካብ መሪር፣ ብኣፍንጫኡ ሸቲቱ ጽቡቕ ሽታ ዘለዎ ካብ ሕማቕ ሽታ ዘለዎ ፈልዩ ይፈልጥ። ካብ’ዚ ወፃኢ ግና፡ ሰብ ንፍልጠቱ ደረት ንኣእምሮኡ ዶብ ስለ ዘለዎ፡ ንርኁቓትን ረቀቕትን ነገራት ብስምዒት ሕዋሳቱ መርሚሩ ክፈልጦም ኣይክእልን እዩ። እግዚአብሔር ድማ ዘይምርመር ስለ ዝኾነ፡ ሰብ ብስምዒት ሕዋሳቱ መርሚሩ ንምሥጢሩ ኪፈልጦን ኪበጽሖን ኣይክእልን እዩ፤ ብሃይማኖት እዩ ዝፈልጦ። ስለዚ ውሱን ዝኾነ ሰብ ወሰን አልቦ ንዝኾነ እግዚአብሔር ዝፈልጦን ምስኡ ዝራኸብን ብሃይማኖት ካብ ኮነ፡ ሃይማኖት ልዕሊ ፍልጠት (ኣእምሮ) ሰብ ምዃኑ ንዅሉ ግሉጽ እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ እምነት ቅድሚ ፍልጠት ከም ዝመጽእ ዝመስከረ። “ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው እግዚአብሔር ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፤” (ዮሓ. ፮፥፷፱/6፥69) ከምዝበለ።

ሐ. ሃይማኖት ንተስፋና ዘረጋግጽ እዩ
“እምነት ግና ተስፋ ዚግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፣ ናይቲ ዘይረአ ነገር ምርዳእ እያ።” (ዕብ. ፲፩፥፩/11፥1)
ሰብ ህልውና ናይቲ ብምኽንያት ርቀቱ ብዓይነ ሥጋ ኪርእዮ ዘይክእል እግዚአብሔር ዝርዳእ ብእምነት እዩ። ከምኡ’ውን ነታ ዘይረኣያ ግና ኸኣ ኪወርሳ ዚትስፈዋ መንግሥተ ሰማያት ብሓቂ ከምቲ ንመርዓዊኣ ተባሂላ ዝተሸላለመት መርዓት ተዳልያ ከም ዘላ ዘረጋግጽ ብእምነት እዩ። (ራእ. ፳፩፥፪/21፥2)። ስለዚ ሃይማኖት ነቲ ዘይንርእዮ እተረድእ፣ ነቲ እንትስፈዎ እተረጋግጽ እያ።
እግዚአብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ ዝቝጸሩ ኣይኮኑን። ንብዙኅ ሓደ እናበልካ በብጕጅለ ኪቝጸሩ ኸለዉ ግና ዕሥራን ክልተን ሥነ ፍጥረት እዮም። ካብዞም ፍጥረታት እዚኣቶም እቶም ክልተ ማለት ሰብን መላእኽትን ስም እግዚአብሔር ንምቕዳስ፣ ክብሩ ንምውራስ ኪፍጠሩ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ግና ንአንክሮ፡ ንተዘክሮ፡ ንምግበ ሥጋ፡ ንምግበ ነፍስ ኪኾኑ እዮም ተፈጢሮም።
በዚ መሠረት ካብ ዕሥራን ክልተን ሥነ ፍጥረት ሃይማኖት ዘድልዮም ሰብን መላእኽትን ጥራይ እዮም። ናይ’ዚ ምኽንያት ድማ ሰብን መላእኽትን፥
፩ይ. ሃይማኖት ከምዝህልዎም ዝገብር፡ ፍልጠት እግዚአብሔር ስለ ዝሃቦም፣
፪ይ. ሕያዋን ማለት ከም ካልኦት ፍጥረታት ፈሪሶም በስቢሶም ዘይተርፉ ስለ ዝኾኑ እዮም።
ስለዚ ሰብን መላእኽትን ንዕላማ ዝተፈጥሩ ብምዃኖም፡ ምስ ፈጣሪኦም ከይበኣሱን ካብ ክብሩ ከይፍለዩን ሃይማኖት ኪኅዙ፣ ሠናይ ግብሪ ድማ ኪሠርሑ ናይ ግድን እዩ።
ሃይማኖት ብእግዚአብሔር ምእማንን እሙን ምዃንን ስለ ዝኾነ፡ መጀመርታ ብኣምላኽነት እግዚአብሔር ዝኣመኑን እሙናት ዝኾኑን ቅዱሳን መላእኽቲ እዮም። ስለዚ፣ ሃይማኖት በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት ኣብ ዓለመ መላእኽቲ እዩ ተጀሚሩ።
ሰብ ብዘይ ሃይማኖት ኪነብር ኣይኽእል እዩ።
ሰብ ዝኣምኖ ዘይብሉ ኪነብር ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሰብ ንእግዚአብሔር እኳ እንተ ዘይኣመነ፡ ባዕሉ ዝኣምኖ ካልእ ኪህልዎ ይኽእል እዩ። “ፈጣሪ ዝበሃል የልቦን፤ ኣብ’ዛ ዓለም እዚኣ ዘሰነፈ እዩ ዝነብር (The fittest will survive)” ኢሉ ዝኣምን ሰብ’ውን እንተ ኾነ፡ ነቲ፡ “ከሰንፈሉ እየ፣” ኢሉ ዝሓስቦ ፍልጠቱ ወይ ኃይሉ የምልኽ ኣሎ ማለት እዩ። ኃይሎም ካብ ዘምለኹ ሰባት ጐልያድ (፩ይ ሳሙ. ፲፯፥፩-፶፰/17፥1-58) ተጠቃሲ እዩ።
ሓደ ሰብ፡ “ኣነ ኣይኣምንን እየ፤ ሃይማኖት ዝበሃል የብለይን፤” እኳ እንተ በለ፡ እቲ ዘይምእማኑ ንባዕሉ መርገጺኡ እዩ። እዞም ብህልውና ፈጣሪ ዘይኣምኑ ሰባት ባዕሎም ዘቕርብዎ ሓሳባት፡ ብግምት ዝተቐበልዎ እዩ እምበር፡ ንጹር መረዳእታ የብሎምን።
እምበኣርከስ፣ ሰብ (ብትምህርቲ ሳይንስ) ብዘይ ኦክስጅን ኪነብር ከም ዘይክእል፡ ብዘይ ሃይማኖት ዚነብር ሰብ’ውን የልቦን። ኵሉ ኦክስጅን ዝጥቀም ሰብ ብዛዕባ ኦክስጅን ኣፍልጦ ዘይክህልዎ ይኽእል እዩ፤ እዚ ግና ንህልውና ኦክስጅን ዝፈታተን ኣይኮነን። ስለዚ ዝኾነ ይኹን ሰብ ነቲ ዝኣምኖ ዘይክፈልጦ ይኽእል ደኣ’ምበር፡ ዝኣምኖ የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ጥቕሚ ሃይማኖት ብሥጋን ብነፍስን

ኵሉቲ ሃይማኖት ንሥጋን ንነፍስን ዝጠቕሞ ኣብዚ ሓደ ብሓደ እንተዘይተዘርዘረ ነዞም ዚስዕቡ ዓበይቲ ጥቕምታት ክንርኢ ኢና።


፩. ሃይማኖት ንሥጋዊ ሕይወት ዝህቦ ጥቕሚ

ሃይማኖት ሰላም ይህብ፣
ሰላም ፍጹም ውሽጣዊ ዕረፍቲ እዩ። ብሃይማኖት ዝነብር ሰብ ውሽጣዊ ሰላሙ ንዝዘርጉ ፈተናታት፡ ኣእምሮኡ ንዘጻብቡ ጭንቀታት ብተኣምኖ እግዚአብሔር ስለ ዝስዕሮምን ዕረፍቲ ንዝኸልኡ ኃጣውእ ብንስሓ ስለ ዘወግድን፡ ኵሉ ጊዜ ሰላም ኣይፍለዮን እዩ። እዚ ድማ ንሥጋዊ ሕይወት መሠረታዊ ጥቕሚ ይህብ እዩ። ምኽንያቱ ሰብ ብሥጋዊ ሕይወቱ ዕዉት ዝኸውን ማለት ተመሃራይ ተማሂሩ ኪምረቕ፡ ነጋዳይ ነጊዱ ኪኸስብ፡ ሞያዊ ሠሪሑ ንገዛእ ርእሱን ንቤተ ሰቡን ኪኸውን ዝኽእል፡ ነፍሲ ወከፉ ውሽጣዊ ሰላም ኪህልዎ ኸሎ እዩ። ውሽጣዊ ሰላም ዘይብሉ ሰብ ግና ምስ ገዛእ ርእሱ ስለ ዝጋጮን ዝበኣስን፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ ኃላፍነቱ ዚፍጽመሉ ዓቕሚ የብሉን።
ብሃይማኖት ዝነብር ሰብ በቲ ኵሉ ዝኽእል እግዚአብሔር ተደጊፉ ሓቀኛ ሰላም ይረክብ፤ ልቡናኡ ድማ ካብ ጭንቀት ይሕሎ። እዞም ዚስዕቡ ንባባት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ሓቂ እዚ ዘረድኡ እዮም።
• “ሰላም እኃድገልኩም፣ ሰላመይ’ውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከም’ቲ ዓለም እትህቦ ኣይኮነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።” (ዮሐ. ፲፬፥፳፯/14፥27)
• “እቲ ካብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም እግዚአብሔር ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ ኢየሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊል. ፬፥፯/4፥7)

ሃይማኖት ተስፋ ይህብ፣
ሰብ ኣብ’ዚ ዓለም ብዙኅ ሥራሓት ኣለዎ። ሓደ ሓደ ካብ’ዞም ሥራሓት እዚኣቶም ኣዝዮም ኣድከምቲ፡ ዓቕልኻ ዘጸንቅቑን ተስፋ ዘቝርጹን እዮም። ኣብ ከም’ዚ ህሞት ከኣ ሃይማኖት (አሚነ እግዚአብሔር) ዘይብሉ ሰብ ደገፍ ኪኾኖ ዝኣምነሉ ኣካል ስለ ዘይብሉ፡ ኣማሪሩን ተስፋ ቘሪጹን ኪገድፎም ከሎ፡ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ግና፡ “በቲ ኃይሊ ዝህበኒ ክርስቶስ ንዅሉ እኽእሎ እየ፤” (ፊል. ፬፥፲፫/4፥13) ኢሉ ብተስፋ ይሰግሮ።
ካብቶም ምድረ ከነኣን ኪስልዩ ዝተላእኩ ኣጕባዝ እንርድኦ ሓቂ እዚ እዩ። እቶም ዓሠርተው ክልተ ሰለይቲ፡ እታ ምድሪ ጽብቕቲ ከም ዝኾነት፡ እንተኾነ ግና ኣብኣ ዝነብሩ ሰባት ኣዝዮም ኃያላትን ገዘፍትን ምዃኖም ረኣዩ። እቶም ዓሠርተ እምነት እግዚአብሔር ዝጐደሎም ብምዃኖም፡ ተስፋ ቘረጹ። ነቲ ፈተና’ውን ክኃልፍዎ ኣይከኣሉን። ነቲ ሕዝቢ ኸኣ ብዝነዝሕዎ ክፉእ ወረ ኣነዓዓብዎ። እቲ ምድሪ ተስፋ ኪወርስ ክንደይ በረኻን መከራን ኃሊፉ ዝመጽአ ሕዝቢ ድማ ንእሽቶ መንገዲ ምስ ተረፈቶ፡ “ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ፡ ናብ ግብጺ ንመለስ፤” (ዘኍል. ፲፬፥፬/14፥4) ክሳዕ ምባል በጺሑ። ብእምነት ጽኑዓት ዝነበሩ ኢያሱን ካሌብን ግና፡ “ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፤” (ዘኍል. ፲፫፥፴/13፥30) በሉ።
ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ እቲ ኃይሊ ዝህብ እግዚአብኤር ምስኡ ምዃኑ ስለ ዚኣምን፡ ዝኸበደ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ፈተና ኣተዓባብዩ ንገዛእ ርእሱ ኣንኢሱ ኣይርእዮን እዩ። (ዘኍል. ፲፫፥፴/13፥30)። እኳ ደኣ ነቲ ፈተና ምስ ኃለፈ ዝረኽቦ ጽቡቕ ነገር ስለ ዝጥምት፡ ነቲ ፈተና ብተስፋ እዩ ዝኃልፎ።

ሃይማኖት እሙንን ፍትውን ይገብር፣
ሃይማኖት ዘለዎ መንፈሳዊ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሰብ ብዅሉ ነገር እሙን እዩ። እዚ ኸኣ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ሰብ ሞገስ ስለ ዝህቦ፡ ዚቃወሞ፡ ኪጐድኦ ዝደሊ ወይ ዝጸልኦ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሰይጣን ቀኒኡ ንሓደ ሓደ ሰባት ኣንጻሩ እኳ እንተ ኣተንሥአ፡ ነቲ ፈተና ጸኒዑ ስለ ዝኃልፎ፡ ብድኅሪኡ ዝያዳ ፍትውን እሙንን እዩ ዚኸውን። እዚ ኸኣ ካብ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብ ክንመሃሮ ንኽእል ኢና። ንባርነት ኣብ ዝተሸጠሉ ዓዲ ጓና፡ ሃገር ክሳዕ ምምራሕ ዘብቅዕ ተኣማንነትን ተፈታውነትን ዝረኸበ፡ ፍርሃተ እግዚአብሔር፡ አሚነ እግዚአብሔር ስለ ዝነበሮ እዩ። (ዘፍጥ. ፴፱/39)።

ሃይማኖት ዕጉሥ ይገብር፣
ሃይማኖታዊ ሰብ ኵሉ ብፍቓድ እግዚአብሔር ከም ዝፍጸም ስለ ዝኣምን፡ ኣብ ሥጋዊ ሕይወቱ ሃንደበታዊ ጸገማት እኳ እንተ ኣጋጠምዎ (ሃብትን ንብረቱን ምስ ዝጠፍእ፡ ኣካሉ ምስ ዝጐድል፡ . . .)፡ ይዕገሥ ደኣ እምበር፡ ‘ስሚ ሰትየ፡ ብገደል ጸዲፈ ክመውት’ ኣይብልን እዩ። እኳ ደኣ ከም ጻድቕ ኢዮብ፡ “እግዚአብሔር ሃበ፣ እግዚአብሔር ድማ ወሰደ። ስም እግዚአብሔር ይባረኽ።” (ኢዮ. ፩፥፳-፳፩/1፥20-21) እናበለ ንእግዚአብሔር የመስግን።
ብኻልእ መልክዑ፣ ሃይማኖታዊ ሰብ ሰባት ንዘጻውድሉ ኵሉ ፈተናታት ብትዕግሥቲ ይኃልፎ። ንዅሉ ክፉእ ዘበለ ብጽቡቕ (ብትዕግሥቲ) የኃልፎ እምበር፡ ብኽፉእ ስለ ዘይሰዓር፡ ሕነ ክፈዲ’ውን ስለ ዘይለዓል፡ ገበን ብምፍጻም ኣብ ሥጋኡ መከራ ኣየምጽእን እዩ። “ነቲ እከይ ደኣ ብሠናይ ገይርካ ሰዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።” (ሮሜ ፲፪፥፳፩/12፥21) ከምዝብል።

ሃይማኖት ካብ መከራ ሥጋ የድኅን፣
ኣብ ሃይማኖት ጸኒዑ ዝነብር ሰብ ብሥጋ መከራ እኳ እንተ በጽሖ፡ እቲ ዝኣምኖ ኣምላኹ ብምሕረቱ ይሥውሮ እዩ። እግዚአብሔር ንዘለዓለማዊ ክብሪ፡ ዓስቢ ሰማዕታት ኪረክብ እንተ ዘይኃዲግዎ፡ ንዳንኤል ካብ ኣፍ ዝጠመዩ ኣናብስቲ ከም ዘድኃኖ (ዳን. ፮፥፲-፳፰/6፥10-28)፣ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ ነበልባል ሓዊ ከም ዘናገፎም (ዳን. ፫፥፰-፴/3፥8-30)፣ ንሶስና ብእምኒ ተጨፍጪፋ ካብ ምምዋት ከም ዘድኃና (መጽሓፈ ሶስና)፣ ሓዊ ኮነ ሰይፊ የርኅቐሉ እዩ።
ሃይማኖት በረኸት ሥጋ የውህብ፣
ሓደ ኣማኒ ንእግዚአብሔር ብምእማኑ፡ ብቕዱስ መርዓ እንተ ነበረ፡ ቡሩኽ ውላድ ይወልድ፣ ዕሽሩ እንተ ሃበ፡ ሃብቱን ንብረቱን ይባረኽ፣ እቲ ውኁድ ይበዝኃሉ፣ ጐደሎኡ ይመልኣሉ። ንምሳሌ፥
* ኣብርሃም ብቕዱስ ኃዳር ዘርኡ ከም ዝተባረኸሉ (ዕብ. ፲፮፥፳/16፥20)፤
* እታ በዓልቲ ሰራጵታ ሰበይቲ ንእግዚአብሔር ኣሚና ቃል ነቢይ ኤልያስ ሰሚዓ ኵሉ ዝተባህለቶ ስለ ዝገበረት፡ ቤታ ብበረኸት ከም ዝመልአ (፩ይ ነገ. ፲፯፥፲-፲፮/17፥10-16)፤
* ቤተ መርዓ ዶኪማስ ብተኣምራት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ብኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብበረኸት ከም ዝመልአ (ዮሓ. ፪፥፲፮/2፥16) ማለት እዩ።

ሃይማኖት ድኅነተ ሥጋ የውህብ፣
ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ሕማም ሥጋ (ደዌ) ከጋጥሞ ይኽእል እዩ። ብሃይማኖት ጸኒዑ ዝነብር እንተ ኾይኑ ግና፡ ብእምነቱ ፍጹም ፈውሲ ኪረክብ ይኽእል እዩ። ሃይማኖት ንደዌ ነፍስ (ኃጢኣት) ብንስሓ ከም ዝፍውስ፡ ንደዌ ሥጋ’ውን ብተኣምራት ይፍውስ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ንብዙኃት ብምኽንያት እምነቶም ካብ ዝተፈላለየ ደዌ ሥጋ ከም ዝፈወሶም ኣብ ወንጌል ተጻሒፉልና ኣሎ።

ንምሳሌ፥
* “ጐይታ ኢየሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መፃጒዕ፡ ‘ወደይ፣ ኃጢኣትካ ተኃዲጉልካ፤’ በሎ።” (ማር. ፪፥፭/2፥5)
* “ተንሥእ እሞ፡ ኺድ እምነትካ ኣሕወየትካ፣’ በሎ።” (ሉቃ. ፲፯፥፲፱/17፥19)፤
* “ጐይታ ኢየሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ‘ኣጆኺ ጓለይ፣ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፤’ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብ’ታ ሰዓት እቲኣ ኂዛ ሓወየት።” (ማቴ. ፱፥፳፪/9፥22)
* “ጐይታ ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ‘ኪድ፣ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፤’ በሎ። እቲ ቘልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።” (ማቴ. ፰፥፲፫/8፥13)።

፪. ሃይማኖት ንነፍሲ ዝህቦ ጥቕሚ
ሃይማኖት ንሥጋ ዝህቦ ጥቕሚ ክንጠቅስ ከሎና፡ ንሥጋ ዝጠቕሙ ነገራት ንነፍሲ ከም ዝጠቕሙ፣ ንሥጋ ዝጐድኡ ነገራት ድማ ንነፍሲ’ውን ከም ዝጐድኡ ከነስተውዕል ይግባእ። ምኽንያቱ ነፍሲ ብዘይ ሥጋ ኣይትቐውምን እያ። ብሥጋዊ ሕይወቱ ውሽጣዊ ሓጐስ ዘይብሉ፣ ሰላም ዝመልኦን ዕዉትን ናብራ ክመርሕ ዘይከኣለ ሰብ፣ ብዛዕባ ድኅነት ነፍሱ ዘይጭነቕ፣ ንመንፈሳዊ ሕይወቱ ሸለል በሃሊ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ብዘይካ’ዚ ግና ብሃይማኖት ጸኒዑ ዝነብር ሰብ፡ ብነፍሲ’ውን እዞም ዚስዕቡ ጥቕምታት ኪረክብ ይኽእል እዩ።

ሃይማኖት ብነፍሲ ድኅነት የውህብ፣
ሰብ ብነፍሱ ድኂኑ እንብሎ፡ ካብ ዘለዓለማዊ ፍርዲ ኣምሊጡ፣ ገነት መንግሥተ ሰማያት ምስ ዝወርስ እዩ። ነዚ ድኅነተ ነፍሲ እዚ ኪበቅዕ ድማ ርቱዕ ሃይማኖት ኪኅዝ፡ ሠናይ ግብሪ ድማ ከዘውትር የድሊ። ብዘይ ሃይማኖት ግና ድኅነት ነፍሲ ፈጺሙ ኣይርከብን እዩ። “ብእኡ ንዚኣምን ኣይፍረዶን፤ ነቲ ዘይኣምን ግና፡ . . . ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ።” (ዮሓ. ፫፥፲፰/3፥18)። እምነት ናብ ድኅነት ንምብጻሕ ኣብ እንገብሮ ጕዕዞ ሕይወት፡ እታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ እያ። ስለዚ ድማ እዮም ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ሲላስን ነቲ ሮማዊ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ፡ “ብጐይታና ኢየሱስ እመን እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ክትድኅኑ ኢኹም፤” (ግብ. ሓዋ. ፲፮፥፴፩/16፥31) ዝበልዎ።

ሃይማኖት ብነፍሲ ዘለዓለማዊ ዓስቢ የውህብ፣
ሰብ ሃይማኖቱ ሓልዩ፡ ብሠናይ ግብሪ ጸኒዑ ምስ ዝነብር፡ ድኅነተ ነፍስ ይረክብ። ነፍሱ ኸኣ ዘለዓለማዊ ሽልማት ሰማያዊ ዓስቢ ትዕደል። እዚ ዓስቢ እዚ፥
* ሰማያዊ ዓስቢ ኣኽሊል ጽድቂ እዩ። “ኣነስ ካብ ሕጂ እሥዋዕ ኣሎኹ፣ እታ መዓልቲ ምስንባተይ’ውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ እቲ ጒያ ወዲአ፣ ነቲ እምነት ሓልየ፣ ደጊም’ሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ኵላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኮነን። (፪ይ ጢሞ. ፬፥፮-፰/4፥6-8)
* ሰማያዊ ዓስቢ መንግሥተ እግዚአብሔር ምውራስ እዩ። ሰብ ብቕንዕቲ ሃይማኖትን ብሠናይ ግብርን ኃዘን፡ ኣውያት፡ ሕማም፡ መከራ፡ ሞት ዘይብላ ክብሪ እግዚአብሔር ዝመልኣ መንግሥቲ ይወርስ። (ራእ. ፳፩፥፩-፳፯/21፥1-27)።

                                                                                             ወስብሐት ለእግዚአብሔር!
                                                                                                         * * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195