banner

'ሃይማኖት ኣብ ዘመነ ኣበው'

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሃይማኖት ኣብ ዘመነ ኣበው

“አሐዱ እግዚአብሔር፣ ወአሐቲ ሃይማኖት፣ ወአሐቲ ጥምቀት / ሓደ እግዚአብሔር፣ ሓንቲ ሃይማኖት፣ ሓንቲ ጥምቀት ኣላ።” (ኤፌ. 4፥4) እዛ ሃይማኖት’ዚኣ ካብ እግዚአብሔር ዝተረኽበት፡ በቲ ንሱ ዝፈቐዶን ዝመደቦን ካብ ዘመን ናብ ዘመን እናተሰጋገረት ንዘለዓለም ትነብር። ኣብ ዘዘመኑ ኣብ ዘመነ ብሉይ ዝነበሩ ኣበውን ነቢያትን ከምኡ’ውን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብኸመይ ትግለጽን ትሰጋገርን ከምዝነበረት ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።

ብቐዳምነት ሃይማኖት ኣብ ዘመነ ኣበው ክበሃል ከሎ ካብ ኣቦና ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሊቀ ነቢያት ሙሴ ዘሎ ዘመን እዩ። ኣብ ዘመነ ኣበው ዋላ እኳ ዝተጻሕፈ ሕግን ዝተሸመ መምህርን እንተ ዘይነበረ፡ ኣበው ግና ብሕገ ልቡና እናተመርሑ ሃይማኖቶም ዘፍልጥሉን ንእግዚአብሔር ዘሥምርሉን ዝነበሩ ዘመን እዩ። ዋላ’ኳ ሓድነቱን ሠለስትነቱን ኣራቒቖም ኣይፍለጥዎ እምበር፡ በቲ ዝተዋህቦም ኣእምሮ ሃሰስ ንዝበልዎን ህልውናኡ ኣሚኖም ኪፈልጥዎ ንዝደለዩን ግና ሥዉር ከምዘይኮነ ብርሃን ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡- “ወአንሰ እሜህረክሙ ታምልኩ ለእግዚአብሔር ዘገብረ ዓለመ ወምድረ ወኵሎ ዘውስቴቶሙ። ዘውእቱ እግዚአ ሰማይ ወምድር። ወኢይነብር ውስተ ቤት ዘገብሮ እደ ሰብእ። ወኢይትለአኮ እደ ሰብእ። ወኢይጽሕቅ ምንተኒ። ውእቱ ይሁብ ለኵሉ ሰብእ ነፍሰ ወሕይወተ። ወገብረ ኵሎ ኅቡረ ወኵሎ አሕዛበ እምአሐዱ ዕጓለ እመሕያው ከመ ይንበሩ ዲበ ኵሉ ገጸ ምድር። ወሠርዐ ዕድሜሁ ወዓመታቲሁ መጠነ ይነብሩ። በዘየኀሥሥዎ ለእግዚአብሔር እመ ይረክብዎ ወያደምዕዎ። ኢኮነ ርኁቀ እምኵልነ እስመ ቦቱ ነሐዩሂ ወንትሐወስሂ ወንሄሉሂ። ወሀለዉ ጠቢባን ሰብእ እምውስቴትክሙ እለ ይብሉ ከመ ፍጥረትነ እምኔሁ።/ ኣነ ግና ብዛዕባ እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ እግዚአብሔር ክምህረኩም እየ። ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ ዝተሓንፀ መቅደስ ኣይኃድርን እዩ። ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን፤ ዋላ ሓደ ነገር ኣየድልዮን እዩ። ንሱ ንዅሉ ሰብ ሕይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ዚህብ እዩ። ኣብ ልዕሊ ኵላ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኪነብሩ ኢሉ ንዅሎም ኣሕዛብ ካብ ሓደ ሰብ ፈጠሮም። ዝነብሩሉ ውሱን ዕድመን ዓመታትን ከኣ ሠርዓሎም። ንእግዚአብሔር እንተ ረኸብዎ ይደልይዎ እዮም። ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ካብ ኵልና ዝረኃቐ ኣይኮነን። ብእኡ ኢና ዝተፈጠርና ዝብሉ ካባኻትኩም ጥበበኛታት ሰባት ኣለዉ።” (ግብ. ሐዋ. 17፥24-28) ብምባል ኣረዲኡና ኣሎ።

ብኸም’ዚ መንገዲ ብዙኃን አበው ንእግዚአብሔር ደለይዎ፤ ንሱ’ውን ተረኽበሎም። ገለ ካብኦም እኳ ብሕይወተ ሥጋ ኸለዉ ተወሲዶም እዮም። “ሄኖክ ከኣ ምስ እግዚአብሔር ተመላለሰ፤ እግዚአብሔር ስለ ዝወሰዶ ድማ ኣይተራእየን።”፤ “ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ። ቅድሚ ምግዓዙ ንእግዚአብሔር ከም ዘሥመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ እግዚአብሔር ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን።” ይብል። (ዘፍጥ. 5፥22-24፡ ዕብ. 11፥5)። 

ዋላ እኳ አበው ብሕገ ልቡና ይምርሑ እንተ ነበሩ፡ ሃይማኖቶም ካብ ኣብ ካልእ ዘመን ዝነበሩ ምእመናን እንተ ዘይዓብዩ፡ ኣይንእስን እዩ። እስከ ንምሳሌ ኪኾነና ናይ ውኁዳን አበው ሃይማኖት ንርአ።
ሀ. ሃይማኖተ አብርሃም፦

ንኣቦና ኣብርሃም፡ ኣቦ ሃይማኖት ዘስመይዎ ብዙኃን ምኽንያታት ኣለዉ። ንምሳሌ፥
* ኣብርሃም ኣቐዲሙ ታራ ኣቦኡ ዝቐረጾም ጣዖታት ኪሸይጥ ከሎ፡ ነቲ ዝሸጦ ዝነበረ ጣዖት “ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጸምዩኒ ኣሎ እሞ ኣዛርበኒ፤ ጠምየ ኣሎኹ’ሞ እስከ ኣብልዓኒ፤ ጸሚአ ኮይነስ ኣስትየኒ፤” ዝብሉ ሕቶታት ሓቲቱ መልሲ ምስ ሰኣነ፡ “ኣምላኽ ዝበሃል የልቦን” ኢሉ ኣይተጠራጠረን። “ብርግጽ ኣሎ፣ ግና መን’ዩ፧ ፀሓይ’ዶ ትኸውን፧ ወይስ ሓዊ፧ ወይስ ንፋስ፧ ወይስ ማይ፧” ኢሉ መርሚሩ፡ ሕፀፅ ምስ ረኸበሎም፡ ናይ’ዞም ኵሎም ፍጥረታት ፈጣሪ፡ ሓላዊ፡ መጋቢ፡ ሠራዒ ኪህሉ ኣለዎ፣ ባዕሉ ይገለጸለይ ብምባል “ኦ ንፀሓይ ዝፈጠርካ ኣምላኽ፣ ተዛረበኒ!” በለ። በዛ ዓባይ እምነቱ ድማ ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚአብሔር ኣዘራረቦ።

* ኣብርሃም፣ እግዚአብሔር ምስ ጸውዖ፡ ናብ ዘይፈልጦ ሃገር ከይተጠራጠረ (“ናበይ፧ ስለምንታይ፧ ብኸመይ፧” ከይበለ) ካብ ሃገሩን ቤተ ሰቡን ተፈልዩ ከደ። (ዘፍጥ. 12፥1-9)።

* ኣብርሃም፡ “ዘርእኻ ከም ሑፃ ባሕሪ፣ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝኃልካ እየ፤” ዝብል ተስፋ ተዋህቦ። ዋላ እኳ ካብ ሰበይቱ ሣራ ውላድ እንተ ዘይነበሮ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ግና ብእምነት ተቐበሎ። (ዘፍጥ. 13፥14-18፣ 15፥5)። ክልቲኦም ኣሪጎም፣ ሣራ’ውን ልማድ ኣንስት ኃዲጉዋ ከሎ ነዚ ተስፋ እዚ ኣሚኑ ተጓዕዘ። ብድኅር’ዚ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ “ንዓመታ ከም’ዚ ቅንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሣራ ድማ እነሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ” (ዘፍጥ. 18፥10) ከምኡ’ውን “ሰበይትኻ ሣራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፣ ስሙ ድማ ይስሓቅ ከተውፅኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ከኣ ምስኡን ብድኅሪኡ’ውን ምስ ዘርኡን ኪዳን ዘለዓለም ከቕውም እየ።” (ዘፍጥ. 17፥19) ኢሉ ኣብ ልዕሊ ቃል ኪዳን፡ ቃል ኪዳን፣ ኣብ ልዕሊ ተስፋ ድማ ተስፋ ወሰኾ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ኸኣ ይስሓቅ ተወሊዱ ዓበየ።

* ድኅር’ዚ ዅሉ ተስፋን ቃል ኪዳንን ኣብርሃም ተፈተነ፤ እግዚአብሔር ንኣብርሃም፡ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ካብ’ቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዚሓርር መሥዋዕቲ ሠውዓዮ።” (ዘፍጥ. 22፥2) በሎ። ኣቦና ኣብርሃም ግና እምነቱ ፍጽምቲ ስለ ዝነበረት፡ “ኣነ ከም’ታ ዝተኣዘዝኩዋ ክሥውዖ እየ፣ እግዚአብሔር ድማ ካብ ምዉታን’ውን ኣተንሢኡ ዝኣተወለይ ቃል ኪዳን፣ ዝሃበኒ ተስፋ ኪፍጽም እዩ፤” ኢሉ ብምሕሳብ ትእዛዝ እግዚአብሔር ካብ ምፍጻም ንድኅሪት ኣይበለን። “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሓቅ ሠውዖ። እቲ ተስፋ ዝተቐበለ ነቲ፡ ብይስሓቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ፡ ተባሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። እግዚአብሔር ካብ ምዉታት ድማ ኬተንሥኦ ኸም ዚከኣሎ ሓሲቡ፤ ካብኡ’ውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” (ዕብ. 11፥17-19)። በዚ እምነቱ እዚ ድማ፡ “እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፣ ነቲ ሓደ ውሉድካ’ውን ካብ ዘይትኸልእ፣ ስለዚ ኣዝየ ክባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከም’ቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን ኣዝየ ኸብዝኆ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኺወርስ እዩ። ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ሕዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ እዮም።”(ዘፍጥ. 22፥15-18) ዝብል ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብታ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝተረኽበት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለቢሱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣምላከ ኣብርሃም እግዚአብሔር ወልድ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ወዲ ኣብርሃም ተባህለ። እንሆ ድማ እዚ ነገር እዚ መጀመርታ ምሥጢር መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኮይኑ፡ “መጽሐፈ ልደቱ ለኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም፤ መጽሓፍ ወለዶ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት ወዲ ኣብርሃም፤” (ማቴ. 1፥1) ኢሉ ብምጥቃስ ፍጻሜ ቃል ኪዳን ኣብርሃም ዘበሥር።

* ኣቦነት ኣብርሃም ድማ ነቶም ብሥጋን ደምን ዚዛመድዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ብሃይማኖት ዚመስልዎ’ውን እዩ። “ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃም’ሲ ካብ’ዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ኬተንሥኣሉ፡ ንእግዚአብሔር ከም ዚከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ።” ይብል። (ማቴ. ፫፥፱/3፥9)። ኣእማን ዝተባህሉ ቃለ እግዚአብሔር ገና ዘይሰምዑ ኣሕዛብ ኮይኖም ደኃር ናብ እምነት ዚመጽኡ እዮም።

ለ. ሃይማኖተ ያዕቆብ፦

ኣቦና ያዕቆብ ወዲ ይስሓቅ ወዲ ኣብርሃም፡ ማንታ ኤሳው እዩ። ኣቦና ያዕቆብ፡ ትርጕም ብዅርና ካብ ማሕፀን ኣደ ምኽፋት ዝኃልፍ ምሥጢር ከም ዘለዋ ዘስተውዕል ዝነበረ ኣቦ እዩ። ኃዉ ኤሳው ኣብ ሃድን ውዒሉ መግቢ ክህቦ ምስ ለመኖ፡ “ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፣ በሎ። ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ። እዛ ብዅርና’ኸ ንምንታየይ እያ፣ በለ። ያዕቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ በሎ እሞ መሓለሉ፤ ብዅርናኡ’ውን ንያዕቆብ ሸጠሉ። ያዕቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንሥአ፣ ኸደ’ውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸም’ዚ ገይሩ ነዓቓ።” (ዘፍጥ. 25፥31-34)። ሃይማኖት ያዕቆብ፡ ብዅርና ዓቢይ በረኸት ምዃኑ ምእማኑ እዩ። ብኣንጻሩ ኤሳው ግና በረኸት ስኢኑ እዩ። ነዚ ቅዱስ ጳውሎስ ኪገልጾ ከሎ፦ “ከም’ቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። ንሱ’ውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ኪወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽንሱስ፡ ንንስሓ ሥፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም ዝተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።” ይብል። (ዕብ. 12፥16-17)

ሐ. ሃይማኖተ ሣራ፦

ብርሃን ዓለም ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ሃይማኖት ኣዴና ሣራ ኪገልጽ ከሎ፡ “በተአምኖ ይእቲ ሣራ ረከበት ኀይለ ታውፅእ ዘርአ እንዘ መካን ይእቲ በዘረሥአት እስመ ተአመነቶ ከመ ጻድቅ ዘአሰፈዋ/ ሣራ እኳ ጊዜኣ ምስ ኃለፈ፡ እቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ምዃኑ ስለ ዝኣመነት፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ኃይሊ ረኸበት።” ይብል። (ዕብ. 11፥11)

መ. . . . ወዘይመስሎ

ኣብዚ ዘመነ ሕገ ልቡና ዝነበሩ ኣቦታትን ኣደታትን፡ ብዘይ ሕጊ ጽሑፍን መጻሕፍትን መምህራንን ንእግዚአብሔር ዘሥመሩ እዮም። ብዛዕባ’ዞም አበው ልሳነ ዕፍረት ቅዱስ ጳውሎስ “እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፤ ግና’ኸ ካብ ርኁቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ፡ ኣብ’ዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። እቶም ከም’ዚ ዚብሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዚደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። ነታ ዝወፅኡላ ሃገር ሓሲቦም እንተ ዝኾኑስ፡ ኪምለሱ ጊዜ ነይርዎም። ሕጂ ግና እትኃይሽ ማለት ሰማያዊት ይናፍቑ ኣለዉ።

ስለዚ ድማ እግዚአብሔር፡ ከተማ ኣዳሊዉሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ኪበሃል ብኣታቶም ኣይኃፍርን እዩ።” (ዕብ. 11፥13-16)ከም ዝበሎ፦ በቲ ሃይማኖቶም እግዚአብሔር መጻኢ ሕይወት (ተስፋ ወንጌል) ገለጸሎምን ኣምላኾም ተባሂሉ ኪጽዋዕ ኣየኅፈሮን።

                ወስብሐት ለእግዚአብሔር !

                           * * *

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195