banner

ሥነ ፍጥረት ዘዕለተ ኃሙስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥነ ፍጥረት ዘዕለተ ኃሙስ

ኃሙስ፥ ካብ ‘ኀመሰ’ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፀ ኮይኑ ‘ኃሙሻይ’ ማለት እዩ። ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ናይ ሥነ ፍጥረት ካብ ደመ ነፍስ ዘይብላ ባሕሪ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ዝኾኑ ፍጥረታት ተፈጥሩ። አምጻኤ ዓለማት ፈጣሬ ፍጥረት እግዚአብሔር ኣብ ኃሙሻይ መዓልቲ ብቀዳመይቲ ሰዓት ለይቲ “ለታውፅእ ማይ ዘይትሐወስ ዘቦ መንፈሰ ሕይወት፡ ወአዕዋፈ ዘይሠርሩ መልዕልተ ምድር ወመትሕተ ሰማይ፡ ወኮነ ከማሁ/ ማያት ደመ ነፍስ ዘለዎ ተንቀሳቃሲ ፍጥረት ተውፅእ በለ። እንሆ ድማ ብደመ ነፍሲ ሕያዋን ኮይኖም ዘስተንፍሱ ሠለስተ ዓይነታት ፍጥረት ካብ ማይ (ባሕሪ) ፈጠረ። ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ እሞ ‘ፍረዩን ተባዝኁን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ብዝኃ’ ኢሉ ባረኾም። (ዘፍ. 1፡20-23)

እዞም ፍጥረታት ዋላ እኳ ካብ ባሕሪ ይፈጠሩ እምበር ተፈጥሮኦም ካብ ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ (ማይ፡ ሓዊ፡ ንፋስ፡ መሬት) እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ሥነ ፍጥረት ዘዕለተ ኃሙስ

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

 

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት

 

“ብመዓልቲ ክሕጐስ ፀሓይ ኣብራህካሉ፣ ጸልማት ለይቲ ንኸይደፍኖ ንወርኂ ኣብራህካሉ፣ ግብሪ ኣእዳውካ ምእንቲ ኽፈልጥ ከዋኽብቲ ኣድመቕካሉ፣ ምእንቲ ክግዘኣካ መዓልታትን ዓመታትን ዘመናትን ሃብካዮ” (ቅዳሴ አትና. ቍ. 24)

  

“ረቡዕ” ለት ንፍጥረት ራብዓይ መዓልቲ ማለት’ዩ። በዚ ዕለት’ዚ ፀሓይ፡ ወርኂን ከዋኽብትን ፈጠረ። (ዘፍ. 1፡14-16) “ወገብረ እግዚአብሔር ብርሃናተ ዓበይተ ዘየዓቢ ብርሃን ከመ ይምልክ መዓልተ፣ ወዘይንእስ ብርሃን ከመ ይምልክ ሌሊተ ምስለ ከዋክብት/ እግዚአብሔር ዓበይቲ ብርሃናት ፈጠረ፡ እቲ ዓቢይ ብርሃን ብመዓልቲ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ምስ ከዋኽብቲ ብለይቲ ከምዘብርሁ ገበረ።” ከምዝብል ኣብዚ ዓለም ከኣ ንፀሓይ ብመዓልቲ፡ ንወርኅን ከዋኽብትን ድማ ብለይቲ ኣሠልጠነን።

ተውሳክ፡ . . . ናይ ዕለተ ረቡዕ ሥነ ፍጥረት

ናይ ዕለተ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናይ ዕለተ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት

ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን ተፈጥሩ።

ዕለር ሠሉስ ብመጀመርታ ሰዓት ለይቲ ሣልሳይ ኣፍ ማይ ተኸፊሉ ኣብዚ ዓለም መሊኡ ኃዲሩ ነበረ እሞ፡ “ኣምላኽ ድማ ‘እቲ ንቝጽ መሬት ምእንቲ ኽረአ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ” በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ነቲ ንቝጽ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ። ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። (ዘፍ. 1፡9-10)

ተውሳክ፡ . . .ናይ ዕለተ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት

ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት

ኣምላኽ ድማ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን በለ፡ ከምኡ’ውን ኮነ (ዘፍ.1፡6)

ሰኑይ መዓልቲ ብመጀመርታ ሰዓት ካብ ምድሪ ኂዙ ክሳብ ብሩህ ሰማይ ማይ መሊኡ ኃዲሩ ነበረ’ሞ ኣብ ሠለስተ ኸፈሎ፡ ሓደ ኢድ ኣብዚ ዓለም’ዚ ኣስፈሮ(ውቅያኖስ)፣ ሓደ ኢድ ከኣ ልዕሊ እዚ ዝረኣየና ሰማይ ኣስፈሮ ንሱ ድማ ኃኖስ ይበሃል፣ ሓደ ኢድ ከኣ “ለይኩን ጠፈር ማእከለ ማይ” ኢሉ ኣብ ማእከል ኣቖሞ፡ እዚ ንርእዮ ሰማይ ጠፈር ማይ እዩ።

ተውሳክ፡ . . .ናይ ሰኑይ ሥነ ፍጥረት

ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ(ሰንበት) ዘመዓልት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ(ሰንበት) ዘመዓልት

ንግሆ ሰንበት ኣብ ቀዳማይ ሰዓት መዓልቲ፡ “ወይቤ እግዚአብሔር ለይኩን ብርሃን ማእከለ ጽልመት፡ ወኮነ ብርሃን ወርእዮ እግዚአብሔር ለብርሃን ከመ ሠናይ ውእቱ፡ ወፈለጠ ማእከለ ብርሃን ወማእከለ ጽልመት/ ሽዑ እግዚአብሔር ብርሃን ይኹን በለ፡ ብርሃን ድማ ኾነ እግዚአብሔር ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ፡ እግዚአብሔር ኸኣ ንብርሃንን ንጸልማትን ፈለዮም።” ብምባል ብነቢብ ብርሃን ፈጠረ። ዘፍ. 1፡3-4 ሽዑ ንብርሃን መዓልቲ ፡ ንጸልማት’ውን ለይቲ ኢሉ ሰመዮ። ዘፍ.1፡5 ንኽልቲኦም ሓደ ገይሩ ዕለት በሎ። ‘ዕለት ብሂል ዘያስተዛውጎሙ ለሌሊት ወለመዓልት/ ዕለት ማለት ብመዓልትን ለይቲን ሓደ ዚገብር እዩ።’ ከምዝብል።

ተውሳክ፡ . . . ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ(ሰንበት) ዘመዓልት

ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ (ሰንበት)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘እሑድ’፡ ካብ አሐደ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። (ራእ. 4፡11) በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)
• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ነቶም ናይ ሥነ ፍጥረት መሠረታውያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ባህርያተ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ጽልመት ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ፈጠሮም። እቶም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ነቲ ባህሪኡ ንምግላጽን መርሚርና ንኽንፈልጥን ፈጠሮም። (ኢዮ. 12፡7-10) እዚ ድማ ፦
1. ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦ እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ሠለስተ ጠባያት እኳ እንተለዎም ብባህሪኦም ይጽውዑ። እግዚአብሔር ድማ ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል እኳ ሠለስተ እንተኾነ ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ . . . ግና ሓደ እዩ።
2. ሃብቱን ርኅራኄኡን ኃይሉን ክእለቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦

ተውሳክ፡. . . ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ (ሰንበት)

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195