banner

ሥነ ፍጥረት (፩ይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ልዑል እግዚአብሔር፡ ንኵሉ ፍጥረት ዝፈጠረሉ ሥርዓት እንመሃረሉ ትምህርቲ ሥነ ፍጥረት ይበሃል። ሥነ ፍጥረት ክብሃል ከሎ ኣፈጣጥራ ፍጥረታት፣ ጽባቐ ፍጥረታት (ዘፍ. 1፥3) ፡ ከምኡ'ውን ስምምዕ ፍጥረታት ማለት’ዩ። “ወአስተሠነዐዎሙ በበይናቲሆሙ እንዘ ዘዚአሁ ግዕዘ ጠባይሆሙ/ ነቶም ዝተፈላለዩ ባህርያት ነንሓድሕዶም ኣስማምዖም” ከም ዝብል ድርሳን ዘቅዱስ ዮሓንስ። ብሥነ ፍጥረት ኣቢልና ናይ እግዚኣብሔር ፈጣሪነት ፡ ከሃሊነት ፡ መጋቢነት ፡ ጥበብን ኣብ ሰብ ዘለዎ ፍቕርን ንርዳእ። ፈጣሬ ፍጥረታት እግዚኣብሔር ንኵሉ ብሥርዓት ስለዝፈጠሮ በዚ ናይ ሥርዓት ኣምላኽ ምዃኑ ነስተውዕል። እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም ፍጥረታት ሓደ ብሓደ እንተዝቝጸሩ ፍጡር ቈጺሩ ዝውድኦም ኣይኮነን።

በብወገኖም ካብ ብዙኅ ሓደ ሓደ እናበልካ እንተተቘጽሩ ግና ዕሥራን ክልተን እዮም። “ዕሥራ ወክልኤተ ዘመደ ግብረ ገብረ እስከ ዕለተ ሳብዕ/ ክሳዕ ሸብዓይ መዓልቲ ዕሥራን ክልተን ሥነ ፍጥረት ፈጠረ” ይብል። (ኩፋሌ 3፥9) ዋላ እኳ “ወኵሎሙ እለ ተፈጥሩ ለስብሓትየ ፈጠርክዎሙ/ ኵሎም ዝተፈጥሩ ንኣይ ንምምስጋን ፈጠርክዎም” (ኢሳ. 43፥7-8) እንተበለ ካብዞም 22 ፍጥረታት ግና ሰብን መላእኽትን ስሙ ንምቕዳስን ክብሩ ንምውራስን ዝተፈጥሩ እዮም። ካልኦት ዝተረፉ ፍጥረታት ድማ ንኣንክሮን ተዘክሮን (መዝ. 19፥1) ከምኡ ውን ንመግበ ሥጋ (ኣዝርእት፡ ኣትክልት . . . ) ንመግበ ነፍስ (ሥርናይ ንቅዱስ ሥጋኡ፡ ወይኒ ንክቡር ደሙ፡ ዕጣን ንመሥዋዕቲ) ዝተፈጥሩ እዮም። “ወኵሉ ዘተፈጥረ ለመፍቅደ ነባብያን፣ ቦ እምኔሆሙ ለምህሮ ወቦ እምኔሆሙ ለተገብሮ” ከም ዝብል ኣረጋዊ መንፈሳዊ።
ፈጣሬ ዓለማት እግዚኣብሔር ንዅሎም ፍጥረታት ካብ ሰንበት ክሳዕ ዓርቢ ኣብ ሽድሽተ መዓልቲ ፈጠሮም። ንገሊኦም ፍጥረታት ፦
• እምኀበ ኣልቦ ኀበ ቦ ( ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው)
ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ኵሉ ዓለማት ብቓል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ እቲ ዝርአ ድማ ካብ ዘይረአ ከም ዝተፈጥረ ብእምነት ኢና ነስተውዕሎ” (ዕብ. 11፥3) ዝበሎ፡ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ዝፈጠሮም ፍጥረታት ኣለዉ። ንምሳሌ፦ ማይ፣ መሬት፣ ነፋስ፣ እሳት፣ ጸልማት
• ግብር ዘእም ግብር
ካብቶም ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ዝመጹ፡ ዝተፈጥሩ ፍጥረታት እዮም። “እታ ምድሪ ኸኣ ብቝሊ ማለት ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ሣዕርን፡ ኣብ ውሽጡ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ዚህብ ከከምዓይነቱ ዚፈሪ ኣእዋምን ኣውፅአት።” (ዘፍ.1፥12) ከም ዝብል’ዩ። ንምሳሌ፦ ካብ ማይ፦ ኣብ ማይ ዝነብሩ ፍጥረታት፣ ካብ መሬት፦ ኣብ መሬት ዝነብሩ ፍጥረታት
እዞም 22 ሥነ ፍጥረት ብሠለስተ መንገዲ’ዩ ፈጢርዎም፦
ሀ) ብኣርምሞ፦ ብሓሳቡ ፈቒዱ ብሥልጣኑ ዝፈጠሮም እዮም። ንምሳሌ። ማይ፡ መሬት፡ ነፋስ ፡ እሳት፡ ጸልማት፡ ሸውዓተ ሰማያት፡ መላእኽቲ።
ለ) ብነቢብ፦ ብቃሉ ኣዚዙ ዝፈጠሮም እዮም። ንምሳሌ ፦ ብርሃን፡ ጠፈር፡ ኣዝርእቲ፡ ፀሓይ፡ ወርኂ፡ ከዋኽብቲ፡ ኣብ ማይ ዝነብሩ፡ ኣብ መሬት ዝነብሩ።
ሐ) ብገቢር፦ ነቶም 21 ሥነ ፍጥረት ብኣርምሞን ብነቢብን ድኅሪ ምፍጣሩ፡ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንግበር፡" ኢሉ ብግብሪ ኣእዳው ንሰብ ፈጠሮ። (ዘፍ. 1፥26)
ብዛዕባ ሥነ ፍጥረቱ ክንርዳእ እግዚኣብሔር ምስትውዓሉ ይሃበና!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195