banner

ናይ ዓርቢ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናይ ዓርቢ ሥነ ፍጥረት

“ወይቤ እግዚአብሔር ለታውፅእ ምድር ዘመደ እንስሳ፡ ወዘይትሐወስ ወአራዊተ ምድር በበዘመዶሙ”
ዕለተ ዓርቢ ንፍጥረት ሻዱሻይ መዓልቲ ኮይኑ ናይ መወዳእታ ዕለተ ፍጥረት እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ኣብ የብስ ንቑጽ ምድሪ ዝነብሩ ኣርባዕተ ፍጥረታት ተፈጥሩ። ብመጀመርታ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምድሪ ሕይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት ተውፅእ ምስ በለ ብኸብዶም ዝሰሓቡ፡ ብእግሮም ዝኸዱ፡ ብኽንፎም ዝበሩ፡ ብደመ ነፍስ ሕያዋን ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ፣ ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ፡ ሠለስተ ዓይነት ፍጥረታት ተፈጥሩ። ንዅሎም ድማ ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም። (ዘፍ 1፡24)


ሠለስተ ፍጥረታት ዝተባህሉ፡-
- እንስሳታት ፡- ሣዕሪ በሊዖም ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
- ኣራዊት ፡- ሥጋ በሊዖም፡ ደም መጽዮም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ፣
- ኣዕዋፍ ፡- እኽሊ ለቒሞም ኮነ ሥጋ በሊዖም፡ ማይ ሰትዮም ዝነብሩ እዮም።

እዞም ሠለስተ ዓይነት ፍጥረታት ኣብ ኽልተ ይኽፈሉ፡-
1. ናይ ገዛ እንስሳታት (እንስሳ ዘቤት)
* እንስሳ ቤት፡- ብመጓዓዝያ፡ ሕርሻ፡ መግቢ . . . ንሰብ ዘገልግሉ ሰብ ዝለመዱ እዮም። ንምሳሌ፦ ላም፡ ብዕራይ፡ ፈረስ፡ በጊዕ . . . ወዘይመስሎ።
* ኣራዊት ቤት፡- ንሰብ ብሓለዋ ካብ ኣራዊት በረኻ ዝከላኸሉ’ዮም። ንምሳሌ፦ ከልቢ፡ ድሙ . . . ወዘይመስሎ።
* ኣዕዋፍ ቤት ፡- ኣብ ገዛ ዝዓብዩ ንመግቢ ዝኾኑ፣ ንምሳሌ፦ ደርሆ፡ . . . ወዘይመስሎ።
2. ናይ በረኻ እንስሳታት (ኣራዊት ገዳም)
* እንስሳ በረኻ፦ ሰብ እንክርእዩ ዝሃድሙ ኣብ በረኻ ዝነብሩ፣ ንምሳሌ፦ ዓጋዜን፡ ጤለቤዱ፡ ኣድጊ በረኻ . . . ወዘይመስሎ።
* ኣራዊት በረኻ ፦ ንደቂ ሰብ ዝጓድኡ፣ ንምሳሌ፦ ኣንበሳ፡ ነብሪ፡ ዝብኢ፡ . . . ወዘይመስሎ።
* ኣዕዋፍ በረኻ፦ ኣብ ውሽጢ በዓቲ ተቐሚጦም ኣብ ኣእዋም ተንጠልጢሎም ዝነብሩ፣ ንምሳሌ፡- መንካዕ . . . ወዘይመስሎ።
ብዕለተ ኃሙስን ዕለተ ዓርብን ዝተፈጥሩ ፍጥረታት “እንስሳታት” ተባሂሎም እኳ ብሓደ ስም እንተ ተጸውዑ፣ ብኣነባብራኦምን ግብሮምን ግና ዝፈላለዩ እዮም። ናይ ኃሙስ ፍጥረታት ኣብ ባሕሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ምድሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ናይ ዓርቢ ፍጥረታት’ውን ኣብ ምድሪ ጥራሕ እምበር ተፈልዮም ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጥራይ ክነብሩ ኣይክእሉን እዮም።
ልዑል እግዚኣብሔር፡ ኣብ ምድርን ባሕርን ገይሩ ዝፈጠሮም “ኣምላኽ ባሕርን ምድርን ኣነ እየ” ንምባል እዩ። (ራእ. 10፡6)
ብናይ ኃሙስ ፍጥረታት ናይ ምሥጢረ ጥምቀት ምሳሌን ትርጕምን ክንመሃር ከሎና፡ ብናይ ዓርቢ ፍጥረታት’ውን ምሥጢረ ትንሣኤ ምውታን ንመሃር።

ተፈጥሮ ኣዳም 

ይቕጽል፡ . . .

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

 

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195