banner

ሥነ ፍጥረት ዕለተ እሑድ (ሰንበት)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘እሑድ’፡ ካብ አሐደ ዝብል ግእዛዊ ግሢ ዝወፅአ ኮይኑ ‘ቀዳማይ፡ መጀመርታ’ ማለት እዩ። እግዚአብሔር፡ ንፍጥረታቱ ኪፈጥር ዝጀመረሉ ዕለት ብምዃኑ ቀዳማይ መዓልቲ ተባህለ። (ራእ. 4፡11) በዛ ዕለት’ዚኣ ሸሞንተ ፍጥረታት ፈጠረ። ንሳቶም ከኣ፦ ሓዊ፡ ነፋስ፡ ማይ፡ ሓመድ(መሬት)፡ ጸልማት፡ ሰማያት፡ መላእኽቲ፡ ብርሃን እዮም። (ዘፍ. 1፡1)
• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ነቶም ናይ ሥነ ፍጥረት መሠረታውያን ዝኾኑ ኣርባዕተ ባህርያተ ከምኡ’ውን ኃሙሻይ ጽልመት ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ፈጠሮም። እቶም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ነቲ ባህሪኡ ንምግላጽን መርሚርና ንኽንፈልጥን ፈጠሮም። (ኢዮ. 12፡7-10) እዚ ድማ ፦
1. ሓድነቱን ሠለስትነቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦ እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ሠለስተ ጠባያት እኳ እንተለዎም ብባህሪኦም ይጽውዑ። እግዚአብሔር ድማ ብስም፡ ብግብሪ፡ ብኣካል እኳ ሠለስተ እንተኾነ ብባህርይ፡ ብመለኮት፡ ብሥልጣን፡ . . . ግና ሓደ እዩ።
2. ሃብቱን ርኅራኄኡን ኃይሉን ክእለቱን ንምግላጽ ፈጠሮም፦

ሀ. መሬት ናይ እግዚአብሔር ሃብትን ትዕግሥትን ይገልጽ። ካብ መሬት ንመግበ ሥጋን ነፍስን ዝኸውን ይርከብ፣ ብዙኅ በረከተ ሥጋ’ውን ኣብ ውሽጣ ኣሎ።
- ‘እስመ ባዕል እግዚአብሔር ወየአክል ለኵሉ/ ሃብታም እግዚአብሔር ንዅሉ ዝኣክል በዓል ብዙኅ በረኸት’ዩ።(ሮሜ 10፡12) እንተለሚንካዮ ዚህብ፡ ዝደለኻዮ ዚፍጽም፡ ዝጐደለካ ዚምልእን ዘይውዳእ ሃብተ ጸጋ ዚውንን እዩ። መዝ. 136፡25
- መሬት ተዓጋሢት እያ። እንተሓረስካያ እንተዀዓትካያ ስለምንታይ ኢላ ዘይትዛረብ ንዅሉ ትጸውር። እግዚአብሔር ድማ ብትዕግሥቲ ንዅሉ ዚጸውር ንጻድቃንን ንኃጥኣንን፡ ኣማንን ከሓድን ብዘይ ኣፈላላይ ዚምግብ እዩ። መዝ. 7፡11።
ለ. ማይ ናይ ልዑል እግዚአብሔር ርኅራኄኡን ለውሃቱን ይገልጽ።
- ማይ ንዝረስሐ የጽርይ፡ ንዝጸምአ የርውይ። እግዚአብሔር ድማ ንዅሉ ብኃጢኣት ረኺሱ ዝነበረ’ሞ ‘ጐይታይ መሓረኒ’ ኢሉ ዝተነስሐ ይቕረ ኢሉ ካብ ርስሓት ኃጢኣቱ የንጽሖ። ከምኡ’ውን ነቲ ጽምኣት ነፍሲ ዘጋጠሞ ሰብ ማይ ሕይወት(ቃሉን ሥጋሁ ወደሙ) ሂቡ የስትዮ፡ ካብ ጽምኣቱ የናግፎ። ዮሓ. 7፡37
- ማይ ንሓዊ የጥፍኦ፡ የዝሕሎ። ልዑል እግዚአብሔር ድማ ንመዓቱ ኣቝሪሩ ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚቱ ካብ መከራና የናግፈና።
- ሰብ ብዘይ ማይ ብሥጋ ኣይነብርን’ዩ ። ወዲ ሰብ ከኣ ብዘይ ፈጣሪኡ ዋላ ሓንቲ ኺገብር ኣይክእልን እዩ። ዮሓ. 15፡5
ሐ. ነፋስ ፍርዲ እግዚአብሔር ይገልጽ።
- ነፋስ ንሥርናይን ክርዳድን ይፈላሊ። ከምቲ ‘ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ዘለዎ እዩ’ (ማቴ. 3፡12) ዝብል እግዚአብሔር ድማ ጻድቃን ካብ ኃጥኣን፡ ምእመናን ካብ መናፍቓን ይፈሊ። ከከም ግብሮም ድማ ይፈድዮም። ጻድቃን ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም፡ ኃጥኣን ድማ ናብ ናይ ዘለዓለም ሥቅያት ይፈርዶም። ማቴ. 25፡32-34
መ. ሓዊ ናይ ልዑል እግዚአብሔር (ክእለቱ) ከሃልነቱ ይገልጽ።
ሓዊ ንዅሉ ንቑጽን ርሑስን የንድድ። ገደል ወይ ቀላይ እንተ ዘይከልኪልዎ ኸኣ መንገዲ ብዙኅ መዓልቲ ከይዱ ከቃጽል ይኽእል። ልዑል እግዚአብሔር ፍቕሩን ርኅራኄኡን እንተ ዘይከልኪልዎ ንዅሉ ፍጡር ከጥፍእ ይኽእል። ዘዳ. 4፡24፣ ‘እስመ ቅንየትከ ወምልክናከ ይሬስየከ ትሣሃል ላዕለ ኵሉ/ ግዝኣትካን ፈጣሪነትካን ይቕረ ንኽትብል የገድደካ’ ይብል። (ጥበበ ሰሎ. 12፡16)
ነዞም ኣርባዕተ ባህርያት ዝበሃሉ መሬት፡ ሓዊ፡ ማይ፡ ነፋስ ሠለስተ ጠባያት ዘለዎም ገይሩ ፈጠሮም።
ሀ. ባህርየ ሓዊ፦ ውዑይነት፡ ብሩህነት፡ ደረቕነት
ለ. ባህርየ ማይ፦ ብሩህነት፡ ግዙፍነት፡ ቈሪርነት
ሐ. ባህርየ ነፋስ፦ ጥሉልነት፡ ውዑይነት፡ ጽሉምነት
መ. ባህርየ መሬት፦ ደረቕነት፡ ጽሉምነት፡ ቈሪርነት
እዞም ኣርባዕተ ባህርያት ዘይሰማምዑ እዮም። ነፋስ ንመሬት ይጸራርጎ ይብትኖ፡ መሬት ድማ ንነፋስ ይጋርዶ ይኽልክሎ፣ ማይ ንሓዊ የጥፍኦ፡ ሓዊ ድማ ንማይ የሕፍፎ የድርቖ። እንተኾነ ግና በቶም ዝተጠቕሱ ሠለስተ ጠባያቶም ከም ዝተዓረቑን ከም ዝሰማምዑን ገበሮም።
ንኣብነት፡ ማይን ሓውን ተጻረርቲ እዮም፣ እንተኾነ ነፋስ ካብ ሓዊ ውዑይነት ካብ ማይ ድማ ጥሉልነት ወሲዱ የተዓርቖም።

• ኣብ ቀዳማይ ሰዓት ናይ ለይቲ ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ዝፈጠሮ ኃሙሻይ ጸልማት እዩ። ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ዝተገልጸ ሰማይን ምድርን ካብ ኣድማስ ክሳብ ኣድማስ ጸልማት ነበረ። ዘፍ. 1፡2
- ጸልማት ኣይድኅሠሥን እዩ፡ ኣብ ጸልማት ዘሎ’ውን ኣይፍለጥን ኣይምርመርን። በዚ ድማ ናይ እግዚኣብሔር ባህርየ መለኮት ዘይምርመርን ዘይድኅሠሥን ሥዉርን ልዕሊ ኣእምሮ ሰብን ምዃኑ ንርዳእ። መዝ. 16፡1
• ካብ ካልኣይ ሰዓት ለይቲ ክሳብ ሻሙናይ ሰዓት ለይቲ ድማ “ቃለ እግዚአብሔር ይመትር ነደ እሳት/ ድምፂ እግዚአብሔር ንናይ እሳት ብርሃኑ ካብ ረስኑ ይፈሊ” ከም ዝበለ (መዝ. 29፡7) ነቲ ናይ እሳት ረስኑ፡ ዋዒኡ፡ ኃዲጉ ብብርሃኑ ሸውዓተ ሰማያት ፈጠረ። (መዝ. 19፡11፣ ማቴ. 3፡17፣ 2ይ ቆሮ. 12፡2 ፣ ዮሓ. 14፡2 ፣ ዕዝራ ሱቱኤል 4፡4) እዚኣቶም ድማ፦
1. ጽርሐ ኣርያም ፈጠረ። ልዕሊ ኵለን ሰማያት እያ። ንመንበረ መንግሥት ከመ ጠፈር ኮይና ተገልግል። መጠናን ስፍሓታን ማንም ፍጡር ክፈልጦ ዘይክእል፡ ብሓዊ ዝተኸበት፡ ብርህቲ ገይሩ ፈጠራ።
2. መንበረ ስብሐት (መንበረ መንግሥት) ፈጠረ። እዚ መንበረ ስብሐት ዝተባህለ ኣርባዕተ መኣዝን ዘለዎ ዝፋን እዩ። ኣጋዕዝት ዓለም ሥላሴ በቲ ዝፈቀድዎ ንቅዱሳን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽሉ ሰማይ እዩ። ዘፍ. 28፡12-17፣ ኢሳ. 6፡1-2 ፣ ሕዝ. 12፡6፣ ራዕ. 4፡2፣ መዝ. 11፡4) ሰማይ ዉዱድ ሠሪቱዋ እዩ።
3. ሰማይ ውዱድ ፈጠረ፦ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተዘርጊሑ ንመንበረ መንግሥት ከም ምድሪ ቤት፡ ከም መሠረት ኮይኑ ዘገልግል እዩ። (ሕዝ. 1፡22 ፣ ሕዝ. 2፡6 )
4. ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ፈጠረ፦ ፈጢሩ ብቀጽሪ ሓዊ ቀጸራ። “ወቀብዓ ቀለመ እሳት መጠነ መፍቅዱ” ከም ዝበለ ከምዚ ገይሩ ኣብ ማእከላ ታቦት ዘዶር ገበረላ። ታቦት ዘዶር ማለት ዘአምላክ ዘመሥዋዕት ዘብርሃን ማለት እዩ፡ ንሳ ኸኣ ብእግዝእትነ ማርያም ትምሰል፡ “ታቦት ዘዶር እንተ ይእቲ እግዝእትነ ማርያም ከምዝበለ (ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም)። ሳጥናኤል ቅድም ዚተፈጥረላ ድኂሩ ድማ ዚወፀላ እያ። (ራዕ. 12፡9፣ ይሁዳ 1፡6) ኣብ ዳግም ምጽኣት ጻድቃን ዚወርስዋ ርስቲ ክርስቲያን እያ። (ገላ. 4፡4-26፣ ዕብ. 12፡22፣ ዮሓ. 14፡2)
5. ንኢዮር ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
6. ንራማ ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
7. ንኤረር ፈጠረ፡ ሃገረ መላእክት እዩ።
ኣብ ዘፍጥረት ‘ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ’ በለ። (ዘፍ. 1፡1) ስለምንታይ ‘ሰማያት ፈጠረ’ ብምባል ኣብዚኁ ዘይተዛረበ፧ እንተበልና ኵሉ ሓደ እዩ። ከምቲ ኣብ ሓደ ፓላሶ ብዙኅ ደርብታት ዘለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሰማይ ብዙኅ ማኅደር ስለዘሎ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙኅ ማኅደርን መዕረፍን ኣሎ” ከም ዝበለ (ዮሓ 14፡2) ። ከምኡ’ውን ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጴጥሮስ “ናይ ክርስቶስ ዝኾነ ሰብኣይ ክሳብ ሣልሳይ ሰማይ ከም ዝተወሰደ ይፍለጥ። 2ይ ቆሮ. 12፡2 ከምኡ’ውን “ሐደሰተ ሰማያተ ወሐደሳተ ምድረ ንሴፎ ዘውስቴቶን የኃድር ጻድቅ/ ንሕና ግን ከምቲ ተስፋኡ ጽድቂ ዝነብረሉ፡ ሓደስቲ ሰማያትን ሓደስቲ ምድርን ንጽበ ኣሎና’ ብምባል ብዙኃት ሰማያት ከምዘለዉ ገሊጹ ኣሎ። 2ይ ጴጥ. 3፡13
• ታሽዓይ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓስራይ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኢዮር ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓሠርተው ሓደ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ራማ ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
• ዓሠርተው ክልተ ሰዓት ለይቲ፦ ኣብ ኤረር ዝነብሩ መላእኽቲ ፈጠረ።
በዚ ኸኣ ኣብ ዕለተ እሑድ ሰዓታት ለይቲ ዝተፈጥሩ እዞም ዝተጠቕሱ እዮም። ኣብ ዕለተ እሑድ ሰዓታት መዓልቲ ዝተፈጥሩ ድማ . . . ክቕጽል እዩ።
                                                                                                                           ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195