banner

ናይ ዕለተ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ናይ ዕለተ ሠሉስ ሥነ ፍጥረት

ሠሉስ ንፍጥረት ሣልሳይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት’ዚ ሠለስተ ፍጥረታት ማለት ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን ተፈጥሩ።

ዕለር ሠሉስ ብመጀመርታ ሰዓት ለይቲ ሣልሳይ ኣፍ ማይ ተኸፊሉ ኣብዚ ዓለም መሊኡ ኃዲሩ ነበረ እሞ፡ “ኣምላኽ ድማ ‘እቲ ንቝጽ መሬት ምእንቲ ኽረአ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ” በለ። ከምኡ ድማ ኾነ። ኣምላኽ ነቲ ንቝጽ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ። ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። (ዘፍ. 1፡9-10)


ምድሪ ከም ሒላብ (ሰፍነግ) መሲላ ረኣያ እሞ “ወይቤ እግዚአብሔር ለታብቍል ምድር ሐመልማለ ዘርእ ዘይዘራእ በበዘርኡ ወበበዘመዱ/ እግዚአብሔር ድማ ንምድሪ በብዓይነቱ ዚዝራእ ዘርኢ ተውፅእ” ምስ በለ፣ ምድሪ ኸኣ ብፋስ ዝቝረጹ፡ ብማዕፂድ ዝዕፀዱ፡ ብኢድ ዝእረዩ ኣዝርእትን ኣትክልትን ኣእዋምን ኣውፅአት። (ዘፍ. 1፡11-13)

• ነዚኦቶም ኵሎም ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ፈጠሮም። ካብ ኣርባዕተ ባህርያት ምፍጣሮም ብግብሮም ይፍለጡ። ብማይ ይበቝሉ፣ ብንፋስ ይነውሑ፡ ብፀሓይ(ዋዒ እሳታዊ ባህርይ) ይበስሉ፡ ካብ መሬት ወፂኦም መሬት ሓቚፎም ነዚ ምግቦም ገይሮም ይምዕብሉ።

• ነዞም ሠለስተ ፍጥረታት ተግባሮም ዝበላለጽን ዝተኻኸልን ኮይኑ ሾብዓተ ነገራት ኣኅደረሎም። እዚኣቶም ድማ ቈጽሊ፡ ልምላሜ፡ ዕንባባ፡ ፍረ፡ ጣዕሚ፡ መዓዛ፡ ጽቡቕ ትርኢት እዮም።

• ነዞም ፍጥረታት ንደቂ ሰባት መጽለሊ፡ መጸግዒ፡ መግቢ ኺኾኑና ገበረ። ቤት ሠሪሕና ካብ ሓሩር ቀትርን ቍሪ ለይትን ነጽልለሎም፣ ከም መሳልል መደየብን መውረድን፡ መሥርሒ ጃልባ፡ መሞቚ፡ ወሊዕካ ከም መብራህቲ . . . ብሓፈሻ መጸግዒ፣ ከምኡ’ውን ብሱሮም፡ ብጐድኖምን ጫፎምን ዝተፈላለየ ዓቢይን ማእከላይን ደቂቕን ፈርዮም መግቢ ይኾኑና።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ገነት ንኣዳም ሠለስተ ዓይነት ኣእዋም (ዕፀዋት) ገበረሉ። (ዘፍ. 2፡9)

ሓደ ዕፅ ፍረ ዘለዎ ዝምገቦ ፣ ካልኣይ ዕፅ ‘ብላዕ ኣይትብላዕ’ ዝብል ትእዛዝ እግዚአብሔር ዝኃዘ ኣዳም ዝሕልዎ ዕፀ በለስ ፣ ሣልሳይ ድማ ኣዳም ንትእዛዝ እግዚአብሔር ምስ ዝሕሉ ነዚ ዕፅ በሊዑ ተሓዲሱ መንግሥተ ሰማያት ዝኣትወሉ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
***

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195