banner

“መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ ዘውእቶሙ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ/ ቅድሚ ኵሉ ብኣካል ፍሉይ ብኽብሪ ሓደ ንዝኾነ ሥላሴ ንሰብኽ። ንሱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

ምሥጢረ ሥላሴ ብስፍሓትን ምልኣትን ዝተገልጸሉ ቅዱስ ጎርጎርዮስ “መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ ዘውእቶሙ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ/ ቅድሚ ኵሉ ብኣካል ፍሉይ ብኽብሪ ሓደ ንዝኾነ ሥላሴ ንሰብኽ። ንሱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ።” ከም ዝበሎ፡ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ምሥጢረ ሥላሴ ምምሃር ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺእና ምጥማቕና፤ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምፍጻምናን ሠናይ ግብሪ ክንገብር ምእዛዝናን፤ ብኣርኣያ ሥላሴ ተፈጢርና ዝተዳለወልና ዘለዓለማዊ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ንምእታውን ንእኡ ምውራስን ስለ ዝኾነ እዩ። ርስቲ ኣቦኡ ኪወርስ ዚደሊ ውሉድ፤ ስም፡ መንነትን ርስትን ኣቦኡ ብዝግባእ ኣለልዩ ኪፈልጥ ከምዝግባእ፤ ንሕና’ውን ርስቲ ሥላሴ ዝኾነት መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ሓድነትን ሠለስትነትን ሥላሴ ብዝግባእ ምፍላጥ ይግባእ።

ተውሳክ፡ . . .“መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ"

ምሥጢረ ጥምቀት (1ይ ክፋል)


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ጥምቀት (1ይ ክፋል)

‘ጥምቀት’፦ ካብ ‘አጥመቀ’ ዝብል ግእዛዊ ልሳን ዝተረኽበ ኮይኑ መላእ ሰብነትካ ብማይ ምሕጻብ ማለት እዩ።
ጥምቀት፡ ባዕሉ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠሚቑ ዝጀመሮ፡ ከምኡ’ውን “ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድኅን” (ማር. 16፡16) ክብል ዝመሃሮ፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣሕዛብ ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ እናኣጥመቕኩምን ዝኣዘዝኩኹም ዅሉ ኺፍጽሙ እናመሃርኩምን ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም”(ማቴ. 28፡19) ኢሉ ኣዚዙ ዝመሥረቶ እዩ።

ተውሳክ፡ . . . ምሥጢረ ጥምቀት (1ይ ክፋል)

ምሥጢረ ሥጋዌ (2ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ወልድ፡ ንሥጋ ብምዋሓዱ ካብ ባህርይ ኣቦኡ አብ፡ ካብ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ ኣይንእስን’ዩ

ወልደ እግዚአብሔር ምእንቲ ድኅነተ ሰብ፡ ሰብ ውን እንተኾነ ካብ ኣምላኽነቱ ኣይተለወጠን። እግዚአብሔር ድማ ብባህርይኡ ውላጤ ስለዘይብሉ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” (ሚል. 3፡6) ብምባል ብምልዋጥ ዘይኮነስ ብተዋሕዶ ሰብ ከምዝኾነ የረድኣና።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ በመለኮቱ፡ ወልደ ማርያም በትስብእቱ እዩ፣ ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን እዩ። ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ስለዝተመላለሰ ካብ ዕሪና አብ ኣይተፈለየን። ካብ ተድኅሮን ተፈልጦን ንጹሕ እዩ። ተለዊጡ ፍጡር ወይ’ውን ኣማላዲ ኣይኮነን። “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ” (ዕብ. 13፡8)።
ኣብ ወንጌል ተመዝጊቡ ዘሎ፡ ግብሪ ኃይልን ድኻምን ናይ ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሥራሕ እዩ። ብዘይ በይና ኃጢኣት ንዅሉ ናይ ሰብ ዝኾነ ናቱ ገይሩ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ዝገበሮ ካብ ጊዜ ፅንሰቱ ክሳዕ ዕርገቱ ዝፈጸሞ ግብረ ትስብእት (ሰብኣዊ ሥራሕ) ናቱ እዩ። (ዮሓ. 8፡46, 1ይ ጴጥ. 2:22, ዕብ. 4:14-15) ።

ተውሳክ፡ . . . ምሥጢረ ሥጋዌ (2ይ ክፋል)

ምሥጢረ ሥጋዌ (፩ይ ክፋል)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ብፍሉይ ኣካሉ ሥጋ ዝለበሰሉን ሰብ ዝኾነሉን ምሥጢር እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣዳምን ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ፡ ኃሙሻይ ባህርየ ነፍስ ኣዋሓሒዱ ንኣዳም ናይ ፴/30 ዓመት ጐበዝ፡ ንሔዋን ከኣ ናይ ፲፭/15 ዓመት ጐርዞ ጌሩ ኣኽቢሩ ፈጠሮም። ብጀካ ዕፀ በለስ ካብ ኵሉ ኣብ ገነት ዘሎ ብልዑ ግዝኡ ኢሉ ክብሩ ክወርሱ ስሙ ክቕድሱ ፈቐደሎም (ዘፍ. ፪፥፲፮/ 2:16)። እዚ ኸኣ ናቱ ኣምላኽነት ናታቶም ፍጡርነት ናቱ ገዛኢነት ናታቶም ተገዛኢነት ኽፈልጡን ሥርዓት ንምግባርን ትእዛዝ ንኽቐውምን እምበር ዕፀ በለስ ዝኸልኦም በቒቑሎም ኣይኮነን። ብእኡ ኣቢሉ’ውን ሥርዓተ ጾም ንምምሃር ነበረ። ንሳቶም ግና ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ኣፍረሱ ሞተ ሥጋ ፡ ሞተ ነፍስ ተፈሪድዎም (ሮሜ ፭፥፲፩/5፡11) ካብ ገነት ተሰጉ ። (ዘፍ. ፫፥፩-፳፫/3:1-23)።
እግዚአብሔር ርኅሩኅ መፍቀሬ ሰብ መሓሪ ብምዃኑ ኣዳምን ሔዋንን ብዝገበርዎ ኣዝዮም ስለዝተጣዕሱ ንስሓኦም ተቐቢሉ ብኽያቶም ሰሚዑ “ድኅሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” ዝብል ቃል ተስፋ ሃቦ። (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ ፲፫/13, መዝ. 89፡1, 2ይ ጴጥ. ፫፥፰/3፡8, ገላ. ፬፥፭/4፡5)

ተውሳክ፡ . . . ምሥጢረ ሥጋዌ (፩ይ ክፋል)

ምሥጢረ ሥላሴ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

            ኣዕማደ ምሥጢር
መሠረታዊ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርትን እምነትን ከምኡ’ውን ዓምዲ ሃይማኖትና እተን ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢራት’የን። እዚኣተን ከኣ፦ ምሥጢረ ሥላሴ፣ ምሥጢረ ሥጋዌ፣ ምሥጢረ ጥምቀት፣ ምሥጢረ ቍርባንን ምሥጢረ ትንሣኤ ሙታንን እየን።
            ምሥጢረ ሥላሴ
ምሥጢረ ሥላሴ፡ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ትምህርቲ ሃይማኖት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ሓደ እንከሎ ከሎ፡ ሠለስተ’ዩ፣ ሠለስተ እንከሎ ድማ ሓደ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ሠለስትነቱ ብስም፣ ብኣካል ብግብሪ ክኸውን ከሎ፡ ሓድነቱ ኸኣ ብባህርይ፣ ብህልውና፣ ብፍቓድ፣ ብሥልጣን፣ ብመለኮት፣ ብምፍጣር እዩ። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት/ ሓደ እንከለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ዝኾኑ፣ በኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ድማ ሓደ እዮም።” ከምዝበሉ ሠለስቱ ምእት።

Read more: ምሥጢረ ሥላሴ

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195