banner

ነገረ ተዋሕዶ - ምሥጢረ ሥጋዌ 3ይ ክፋል


በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ነገረ ተዋሕዶ

ፍጹም ኣምላኽ ዝኾነ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ፡ ፍጹም ሰብ ዝኾነ ብተዋሕዶ እዩ። ብተዋሕዶ ማለት ድማ እንበለ ውላጤ (ብዘይ ምልዋጥ)፡ እንበለ ሚጠት (ብዘይ ምምላስ)፡ እንበለ ኅድረት (ብዘይ ምኅዳር)፡ እንበለ ቱሳሔ (ብዘይ ምድብላቕ)፡ እንበለ ቡዓዴ (ብዘይ ምፍልላይ)፡ እንበለ ትድምርት (ብዘይ ምድራብ) እዩ።

ካብዚ ቀጺልና ነዞም ነጥብታት ሓደ ብሓደ ብዝርዝር ክንገልጾም ኢና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢሩ ይግለጸልና!

1. እንበለ ውላጤ (ብዘይ ምልዋጥ)

ሓደ ሓደ ሰባት ‘ጐይታና ሰብ ዝኾነ ብምልዋጥ እዩ’ ኢሎም ይምህሩ። እዚ ማለት ድማ ከምቲ ማየ ቃና ዘገሊላ ናብ ወይኒ ዝተቐየረ፡ ሰበይቲ ሎጥ ናብ ዓንዲ ጨው ዝተቐየረት፡ መለኮት’ውን ካብ መለኮትነት ናብ ሥጋነት ተቐይሩ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። መለኮት ናብ ሰብ ምዃን ተቐየረ ፍጹም ሰብ ጥራሕ ኮነ ምባል፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ጥራሕ እዩ ምባል እዩ። እዚ ግና ስሑት ጌጋ ትምህርቲ እዩ። ምስጋና ይብጽሓዮ እግዚአብሔር ኣምላኽ፡ “ኣነ እግዚአብሔር ኣይልወጥን እየ” ይብል። ሚል. 3፡6፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣብ መልእኽቱ “ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለዓለም ንሱ እዩ።” ይብል። ዕብ. 13፡8 ‘ትማሊ’ ምባሉ ቅድመ ሥጋዌኡ፡ ‘ሎሚ’ ምባሉ ኣብ መዋዕለ ሥጋዌኡ፡ ‘ንዘለዓለም’ ምባሉ ድማ ድኅረ ሥጋዌኡ ከምዘይቕየር ንምግላጽ። ብተወሳኺ ቅዱስ ኤፍሬም ኣብ ድርሰቱ “ዘኮነ ሰብአ ዘእንበለ ፍልጠት ወኢውላጤ መለኮት ንጹሕ ዘአልቦ ሙስና/ ብዘይምፍላይን ብዘይምልዋጥን ሰብ ዝኾነ ምቕይያር ዘይብሉ ንጹሕ መለኮት እዩ” ይብል። (ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት)

2. እንበለ ሚጠት (ብዘይምምላስ)

ናይ ሥጋን መለኮትን ተዋሕዶ፡ ናብ ዘይምዋሓድ ዝምለስ ኣይኮነን። ሚጠት ማለት ምምላስ ማለት ክኸውን ከሎ ከም ማየ ግብጽ ኣቐዲሙ ማይ ነይሩ ናብ ደም ከም ዝተቐየረ ተመሊሱ ውን ናብ ማይ ዝተመልሰ፡ ከምኡ’ውን ከም በትረ ሙሴ ኣቐዲሙ በትሪ ነይሩ ናብ ተመን ዝተቐየረ መሊሱ ድማ ናብ በትሪ ዝተቐየረ፡ መለኮት ግና ኣቐዲሙ መለኮት ደኃር ሥጋ ተመሊሱ ድማ መለኮት ከም ዝኾነ ኣይኮነን። ናይ ‘ሚጠት’ ዝብል ስሑት ትምህርቲ ካብ ‘ውላጤ’ ብዙኅ ኣይፍለይን እዩ።
ከምቲ ወንጌላዊ ዮሓንስ “ቃል ሥጋ ኮነ” ዝበሎ መለኮትን ሥጋን ፍጹም ስለዝተዋሓዱ፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ (ሥግው ቃል) ብሰብነት ጥራሕ ወይ’ውን ብመለኮትነት ጥራሕ ዝነበረሉ ጊዜ የልቦን። ትማልን ሎሚን ንዘለዓለምን ንሱ እዩ።

3. እንበለ ኅድረት

ኅድረት ማለት ከምቲ መጽሓፈ ዳዊት ኣብ ማኅደሩ ዝኃድር (ዝቕመጥ)፡ ሴፍ ኣብ ሰገባኡ ዝቕመጥ ከምኡ ድማ ‘መለኮት ኣብ ሥጋ ኃደረ’ ዝብል ናይ መናፍቕነት ትምህርቲ እዩ። ነዚ ናይ ኅድረት ትምህርቲ ንመጀመርታ ጊዜ ዝመሃረ ናይ ቁስጥንጥንያ ሊቀ ጳጳስ ዝነበረ ንስጥሮስ እዩ። ንስጥሮስ ኣብ ትምህርቱ “ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወለደት ኣምላኽ ዘይኮነስ ሰብ ጥራሕ እዩ። ደኃር ግና ክጥመቅ ከሎ ወዲ ኣቦ መጺኡ ኣብኡ ኃደረ፡ በዚ ድማ ናይ ጸጋ ኣምላኽነት ረኸበ” ብምባል ምንፍቕና መሃረ።

እንተኾነ ግና ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምጥማቑ ፍጹም ኣምላኽ ከም ዝኾነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይምህሩና። “ሕፃን ተወሊዱልና ወዲ ተዋሂቡና እዩ ንሱ ኸኣ ገዛኢና ኪኸውን እዩ። ንሱ ግሩም መኻሪ፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ዘለዓለማዊ ኣቦ፡ መስፍን ሰላም ተባሂሉ ኺጽዋዕ እዩ።” ይብል። ኢሳ. 9፡6 ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ’ውን “ንሱ ዓቢይ ኪኸውን ወዲ እቲ ልዑል’ውን ኪበሃል እዩ። . . . መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብሉን” ብምባል ቅድሚ ምውላዱ ኣምላኽ ምዃኑ ኣበሢሩ እዩ። ሉቃ. 1፡32። መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ’ውን ኣብ ማኅጸን ኣደኡ ከሎ ንጐይታ ናይ ኣምልኮ ስግደት ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ናይ ጸጋ ስግደት ቅድሚ ምውላዱ ክሰግድ ከሎ፡ ኣደኡ ቅድስት ኤልሳቤጥ ድማ “ኣደ ጐይታ” ሉቃ. 1፡43 ብምባል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ሰብእ ዘይኮነስ ወላዲተ እግዚእ ወላዲተ ኣምላኽ ምዃና ገሊጻ እያ። ሰብኣ ሰገል’ውን ካብ ርኁቕ ምሥራቕ መጺኦም ሰጊዶምሉን ገጸ በረኸት’ውን ሂቦምን እዮም።

4. እንበለ ቱሳሔ (ብዘይ ምድብላቕ)

‘ቱሳሔ’ ማለት ምድብላቕ ማለት እዩ። ትምህርተ ቱሳሔ ከኣ መለኮትን ሥጋን ምስ ተደባለቑ ነናቶም ባህርይ ገዲፎም ማእከላይ ነገር ይፈጥሩ ዝብል ስሑት ትምህርቲ እዩ። እዚ ኸኣ ከም መዓርን ማይን፡ ከም ቡንን ጸባን ማለት እዩ። መዓርን ማይን ክደባለቑ ከለዉ እቲ ማይ ነቲ መዓር የምክኾ፡ እቲ መዓር ድማ ነቲ ማይ የጥዕሞ። ከምኡ’ውን ቡንን ጸባን ምስ ተደባለቑ እቲ ቡን ነቲ ጸባ የጸልሞ፡ እቲ ጸባ’ውን ነቲ ቡን የፃዕድዎ እሞ ማእከላይ መልክዕ ይኅዙ፡ ክልቲኦም ባህሪኦም ቀይሮም ማእከላይ ነገር ይፈጥሩ። ትምህርተ ቱሳሔ ንእግዚአብሔር ካብ ኣምላኽነቱ ምውራድ እዩ። መለኮት ከመ ቅጽበት እኳ ባህርይኡ ኣይገደፈን ሥጋ’ውን ከምኡ ባህርይኡ ኣይኃደገን። ጐይታና ሰብ ዝኾነ እንበለ ቱሳሔ (ብዘይ ምድብላቕ) ብተዋሕዶ እዩ። ጐይታናን ኣምላኽናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትማሊን ሎሚን ንዘለዓለም ንሱ እዩ።፡

5. እንበለ ቡዐዴ (ብዘይ ምፍልላይ)

ቡዐዴ ማለት ምፍልላይ ማለቱ እዩ። ከም ሓኽልን ምሳርን ኣብ እዋን ሥራሕ ከም ዝጋጠሙ፡ ሥራሕ ኣብ ዘይብሉ እዋን ግና ፈላሊኻ ከም ተቐምጦም እዩ። ትምህርተ ቡዐዴ ድማ “መለኮትን ሥጋን ከምኡ እዮም፡ መከራ መስቀል ዝተቐበል ሥጋ ጥራሕ እዩ። ምኽንያቱ ንመለኮት መከራ ኣይሰማምዖን እዩ።” ዝብል ጊጉይ ትምህርተ ምንፍቅና እዩ። ርቱዕ ትምህርተ ሃይማኖትና ግና ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብተዋሕዶ ስለዝኾነ፡ እቲ ዘይውሰን ዘይውለድ ዘይዓቢይ ዘይጠሚ ዘይጸምእ ዘይሓምም ዘይመውት መለኮት፡ ነቲ ናይ ሥጋ ባህርይ ብተዋሕዶ ባህርይኡ ስለዝገበረ ብሥጋ ጠመየ ጸምአ ሓመመ ሞተ። ስለዚ መለኮትን ሥጋን ፍጹም ስለ ዝተዋሓዱ ንመለኮት ዝንገረሉ ንሥጋ ይንገረሉ፡ ንሥጋ ዝንገረሉ ድማ ንመለኮት ይንገረሉ” ዝብል እዩ። ጐይታና፡ ሰብ ዝኾነ ብቡዐዴ (ብምፍልላይ) ዘይኮነስ ብተዋሕዶ እዩ።

6. እንበለ ትድምርት (ብዘይ ምድራብ)

ትድምርት ማለት ምድራብ ማለት እዩ። እዚ ትምህርተ ትድምርት ድማ ‘ሰብ ክዳን ከም ዝድርብ ከምኡ ድማ ኣብ ልዕሊ ሥጋ መለኮት ተደሪቡ እዩ’ ዝብል እዩ። ዝተደረበ ነገር ክፈላለ ዝከኣል እዩ። መለኮት ግና ሓንሳብ ምስ ሥጋ ምስ ተዋሓደ ኣይተፈለየን።

ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ንቅዱሳት መጻሕፍት መሠረት ገይራ ትምህረና፡- “ጐይታናን መድኅኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ብተዋሕዶ እዩ” ዝብል እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195