banner

“መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

“መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ ዘውእቶሙ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ/ ቅድሚ ኵሉ ብኣካል ፍሉይ ብኽብሪ ሓደ ንዝኾነ ሥላሴ ንሰብኽ። ንሱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ።”

ምሥጢረ ሥላሴ ብስፍሓትን ምልኣትን ዝተገልጸሉ ቅዱስ ጎርጎርዮስ “መቅድመ ኵሉ ንሰብክ ሥላሴ ዕሩየ ወቅዱሰ ዘውእቶሙ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ/ ቅድሚ ኵሉ ብኣካል ፍሉይ ብኽብሪ ሓደ ንዝኾነ ሥላሴ ንሰብኽ። ንሱ ድማ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ እዩ።” ከም ዝበሎ፡ ልዕሊ ዅሉን ቅድሚ ዅሉን ምሥጢረ ሥላሴ ምምሃር ይግብኣና። ምኽንያቱ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መጺእና ምጥማቕና፤ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ምፍጻምናን ሠናይ ግብሪ ክንገብር ምእዛዝናን፤ ብኣርኣያ ሥላሴ ተፈጢርና ዝተዳለወልና ዘለዓለማዊ ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ንምእታውን ንእኡ ምውራስን ስለ ዝኾነ እዩ። ርስቲ ኣቦኡ ኪወርስ ዚደሊ ውሉድ፤ ስም፡ መንነትን ርስትን ኣቦኡ ብዝግባእ ኣለልዩ ኪፈልጥ ከምዝግባእ፤ ንሕና’ውን ርስቲ ሥላሴ ዝኾነት መንግሥተ ሰማያት ንምውራስ ሓድነትን ሠለስትነትን ሥላሴ ብዝግባእ ምፍላጥ ይግባእ።

በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ካብ ብሉያትን ሓዲሳትን ጠቒሳ፤ ሊቃውንት ኣመሳኺራ ናይ እግዚአብሔር ሓድነቱ ንሠለስትነቱ ከይጠቕለለ፤ ሠለስትነቱ ንሓድነቱ ከይከፋፈለ ንዘለዓለም ጸኒዑ ዝነብር ኣምላኽ ምዃኑ ትምህርን ተእምንን። ሓደ ኣምላኽ ክትብል ከላ’ውን ብስም፡ ብኣካል፡ ብግብሪ ሠለስተ፤ ብመለኮት፡ ብህልውና፡ ብሥልጣን፡ ብፍቓድ፡ . . . ሓደ ምዃኑ ብምግላጽ እዩ።

ቅዱስ አትናቴዎስ ሓዋርያዊ ብዛዕባ እዚ፡ “አብ አምላክ፣ ወልድ አምላክ፣ መንፈስ ቅዱስ አምላክ፣ ወኢይትበሀሉ ሠለስተ አማልክተ አላ አሐዱ አምላክ፥ አብ ኣምላኽ እዩ፤ ወልድ ኣምላኽ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፤ ግና ሓደ ኣምላኽ እምበር፡ ሠለስተ ኣማልኽቲ ኣይብሃሉን እዮም።” (ሃይ. አበ. 24፥4) ኢሉ ጽሒፉልና ኣሎ። ሓድነት ብዘይ ሠለስትነት ሠለስትነት ብዘይ ሓድነት ስለዘየልቦ ብምሥጢር፤ ሥላሴ ዝብል ቃል ፍሉይ ሠለስትነትን ሓድነትን ዘመልክት እዩ። “ሥላሴ በተዋሕዶ ወተዋሕዶ በሥላሴ፦ ሠለስትነት ኣብ ሓድነት፣ ሓድነት ኣብ ሠለስትነት” ከም ዝብል ሃይማኖተ አበው።

ቅዱስ ባስልዮስ ዘአንጾኪያ፡ “አንሰ ሶበ እቤ እግዚአብሔር እብል በእንተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ እስመ አሐዱ ውእቱ መለኮተ ሥላሴ ወሠለስቲሆሙ አሐዱ መለኮት፥ ኣነስ እግዚአብሔር ክብል ከሎኹ፤ ብዛዕባ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ምዝራበይ እዩ፤ ናይ ሠለስቲኦም መለኮት ሓደ እዩ፤ ሠለስቲኦም ብመለኮት ሓደ እዮም” ይብል። (ሃይ. አበ. 96፥6)

ቅድስት ሥላሴ ክንብል ከሎና አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ማለትና እዩ። በዚ ስም እዚ ተፈጢርና፤ በዚ ስም እዚ ተጠሚቕና ዳግማይ ንውለድ፤ ነዚ ስም እዚ ኸኣ እናኣመስገንና ንነብር፤ በዓለ ሥላሴ’ውን ነኽብር። (ዘፍጥ. 1፥26፡ መዝ. 33፥20፡ 28፥19)።

ከምዝፍለጥ ኵሉ ጊዜ በዓል ሥላሴ እኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ በብዓመቱ 7 ጥሪ ኣብቲ ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝተረጋገጸሉ ዕለት ግና ብድምቀት በዓለ ሥላሴ ይበዓል እዩ። (ዘፍ. 11፡1-9)

ስብሐት ለአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ይእዜኒ ወዘልፈኒ ለዓለም ወለዓለመ ዓለም፡ አሜን።

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195