banner

መቐረት ጾመ ፍልሰታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

መቐረት ጾመ ፍልሰታ

ቅዱስ ዳዊት ከምዝበሎ ጽሩይን ናይ ጥዕናን መዋዕል ሰብ እንተ በዝኀ ሰብዓ ሰማንያ ዓመታት እዩ። ኣብዘን ዓመታት ሓደ ክርስቲያን 70-80 ጊዜ ጥራሕ ከስተማቕራ ዝኽእል እዩ። ንሳ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓመት፡ ዓሰርተው ሓደ ኣዋርኅ ኣኅሊፍካ እትርከብ ወርኂ ነሐሴ እያ። እዛ ወርኂ’ዚኣ ብዘለዋ መቐረት ብሓፈሻ ኵሉ ሕዝቢ ብፍላይ ግና ምእመናነ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ብሃንቀውታ ዝጽበይዋ እያ። ካብ ባሕታ ክሳዕ ፍጻሜኣ ድማ ጠለለት ክረምት ስለ ዘይፍለያ ፍሉይ ባህታ ኣለዋ። ልዕሊ ዅሉ ድምቀትን መቐረትን ዝህባ ድማ ጾመ ፍልሰታ እዩ።

ጾመ ፍልሰታ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዕለታት ናይዛ ወርኂ’ዚኣ ይፍጸም። እዚ ጾም እዚ ቅዱሳን ሓዋርያት ድኅሪ ዕረፍቲ ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ሥጋኣ ኣበይ ከም ዝተቐብረ እግዚአብሔር ንኽገልጸሎም ብሓደ ነሐሴ ሱባኤ ኣትዮም ኣብ ምፍጻም ካልኣይ ሰሙን ናይ ሱባኤኦም ኣብ ዕለት 14 ነሐሴ ቅዱስ ሥጋኣ ተቐቢሎም ኣብ ጌቴሴማኒ ቀበርዋ። ናብዚ ንኸርክብ ሓዋርያ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ሕንድ ብዓምደ ደመና እናመጸ ከሎ ብ16 ነሐሴ ዕርገታ ንበይኑ ርእዩ ምስክር ዝኾኖ ሰበን ቅድስት ድንግል ማርያም ኂዙ ንቕዱሳን ሓዋርያት ኣበሠሮም። ኣብ ዓመቱ ደጊሞም ኣብ ወርኀ ነሐሴ ቅዱሳን ሓዋርያት ከም ሓዋርያ ቶማስ ዕርገታ ክርእዩ ጾሙ እሞ ዓስቢ ጾሞም ድማ ረኸቡ።

ካብዚ ጊዜ’ዚ ጀሚራ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ሕዝበ ክርስቲያን እናጾሙን ናብኣ እናተማኅፀኑን በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ምእንቲ ኺሳተፉ ክጽውም ኣወጀት።

ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ዓመት መጸ ምስ ዓሚቝ ፍቕርን መንፈሳዊ ሥርዓትን ይጸውም። ለይቲ ብመሪሕነት ውሉደ ክህነት ካብ ሕፃናት ክሳዕ ኣረጋውያን ኵሎም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ጸሎተ ሰዓታት የብጽሑ። ትርጓሜ ውዳሴን ቅዳሴን ስብከተ ወንጌልን ክሰምዑ የርፍዱ። ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጸሎተ ቅዳሴ ተካፈልቲ ይኾኑ። ዝተዳለዉ ድማ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ይቕበሉ። ሠርክ ድማ ብጸሎተ ምህላን ስብከተ ወንጌልን ተጸሚዶም የምስዩ።

ብፍሉይ ጾመ ፍልሰታ፡ ኣብ ክረምቲ ምስ ዕረፍቲ ናይ ኣብያተ ትምህርትን ዓመታዊ ዕረፍቲ ናይ ሠራሕተኛታትን ዝሰማማዕ ወቅቲ ብምዃኑ ፍሉይ መቐረት ኣለዎ። ኣደተታት ምስ ደቀን፡ መንእሰያት ብሕብረት ኣብዘን ጊዜያት እዚአን ማየ ጸሎት ዘይሕጸብ የለን።

መንእሰያት ተማሃሮ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ሠራሕተኛታትን ኣብ ገዳማትን ቅዱሳን መካናትን ብምኻድ ለይቲ ብጸሎት፡ ንግሆ ትርጓሜ ውዳሴን ቅዳሴን ማርያም ብምስማዕን፣ ረፋድ ብማእቶታዊ ንጥፈታት ገዳማት ከምኡ’ውን ብጸሎተ ቅዳሴን አንብቦተ መጻሕፍት ውዒልካ ምሸት ድማ ብጸሎተ ምህላ ዝዓርብ ምቁር ጊዜ እዩ። ብፍቅሪ ገዳማውያነ አበውን ሓልዮት አኅዋትን ማሚቕካ ዝኅለፍ እዋን ብምዃኑ ፍሉይ ጦብላሕታ ዘለዎ እዩ።

ኣብ ማየ ጸሎታት’ውን ብሕማም ዝደኸሙ ሽጉራት፡ ኣላይ ዘይብሎም ጽጉማት፡ . . . ማየ ጸሎት እናሕጸቡ ብጉልበት ዝኣልዩን ዝሕብሕቡን ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝነጥፉ ውኁዳን ኣይኮኑን።
ብሓፈሻ ጾመ ፍልሰታ፡ ንዅሉ ንእሽቶን ዓቢይን ፡ ወድን ጓልን ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንውሉደ ክህነትን ምእመንን ሕልና ዝቕስቅስን ዘነቓቕሕን ወርኀ ጾም እዩ።

ብጸሎት እግዝእትነ ማርያም፡ ቅዱስ እግዚአብሔር ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ንሃገርናን ንዅሉ ዓለምን ሰላሙን ፍቕሩን ይዓድለልና፡ አሜን!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል!!!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195