banner

ወርኃ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ኣብዚ ካብ መስከረም ፳፮(26) ክሳዕ ኅዳር ፮(6) ዘሎ 40 መዓልትታት ዘመነ ጽጌ እትዝክሮ ስደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ እዩ። ቅዱስ ወንጌል ከም ዝነግረና፦ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘመነ ንጉሥ ሄሮድስ ኣብ ቤተ ልሔም ምስ ተወልደ፡ ካብ ሃገር ምብራቕ ዝተላዕሉ ሰብ ጥበብ 'እቲ ዝተወልደ ንጉሥ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧' እናበሉ ኣብ ኢየሩሳሌም በጽሑ። ንጉሥ ሄሮድስ ነዚ ሰሚዑ ኣዝዩ ሰምበደ፣ ናይ ንጉሥ ሞትን ናይ ፀሓይ ዕርበትን ንዅሉ ስለዝኾነ ኵላ ኢየሩሳሌም’ውን ምስኡ ተሸበረት። ካብ ሊቃነ ካህናትን መምህራን ሕግን ኣርጊጹ ብዝተረድኦ ድማ ንጉሥ ሄሮድስ ነቶም ሰብአ  ሰገል ' ብዛዕባ እቲ ሕፃን ኣረጋጊጽኩም መርምሩ፡ ምስ ረኸብክምዎ ኣነ ኸኣ መጺአ ምእንቲ ክሰግደሉ ንገሩኒ' ኢሉ ብተንኮል ናብ ቤተ ልሔም ኣፋነዎም። ናይ ክልተ ዓመት ጕዕዞ ተጓዒዞኦም ሠሚርሎም ነቲ ዝተወልደ መድኃኔ ዓለም ሰጊዶም፡ በቲ ዝተገልጸሎም ሕልሚ ንሄሮድስ ገዲፎም ብካልእ መንገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ንጉሥ ሄሮድስ ከም ዘላገጽሉ ፈሊጡ ኣዝዩ ተቘጥዐ። ኣብ ተመን ተሠዊሩ ንኣዳም ዘስሓተ ዲያብሎስ ሕጂ’ውን ንሄሮድስ " እዚ ዝተወልደ ንጉሥ ናተይ ሥልጣንን ናትካ መንግሥትን ዝስዕር ስለዝኾነ ቅተሎ" ኢሉ ምስ መኸሮ፡ ሄሮድስ ነቲ መድኃኒ ሕፃን ጐይታ ዝረክብ መሲልዎ፡ ነዴታቶም ብረድኤት ቀለብን ክዳንን ኣታሊሉ ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንብዘለዉ ንዅሎም ሕፃናት ቤተ ልሔምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታታ ንዘለውን 144,000 ሕፃናት ኣቕተለ።” ማቴ. ፪፥፲፮/2፥16 ፣ ራእ ፲፬፥ ፩-፲፭/ 14፥1-15

ኣቐዲሙ እቶም ሰብአ ሰገል ምስ ከዱ ግና መልኣኽ እግዚአብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዩ 'ሄሮድስ ነቲ ሕፃን ኪቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንሥእ፡ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኣ ጽናሕ' ምስ በሎ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ምስ ሰሎሜ ብለይቲ ካብ እስራኤል ቤተ ልሔም ወጺኡ መንገዱ ናብ ሃገረ ግብጺ ኣቕንዐ።
እቲ ሕፃን ካብ ሞት ተሪፉ ናብ ግብጺ ከም ዘቕንዐ ዝፈለጠ ዲያብሎስ እናሰዓበን ልቦና ደቂ ሰባት እናኣትረረን፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ብዙኅ ፈተና። "እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። . . . ነታ ወዲ ዝወለደት ሰበይቲ ኣሳጐጓ። . . . ገፊዑ ምእንቲ ክወስዳ ደድኅሪ እታ ሰበይቲ ከም ውኂዝ ዝመሰለ ማይ ብኣፉ ተፍአ "(ራእ. ፲፪፥፬-፲፭/ 12፡4-15) ዝብል ቃል ክሳብ ክንደይ ብክፍኣት ከም ዝተቓለሳን ዝበጽሓ ፀዋትወ መከራ ዓቢይን ብዙኅን ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ኣጻምእ ምድረ በዳ ሃሩር ቀትሪ ናይ ለይቲ ቍሪ መሪር ጥሜትን ጽምእን . . . ዝነበሮ ስደት ኣኅለፉ።
“ሰቆቃወ ድንግል” ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ፡ ምረት ናይቲ ስደት ክገልጽ ከሎ “. . . ዘበጽሑኪ ምንዳቤያተ ሶበ ይሰምዕ በዕዝን፡ ሰብእ አኮ እምበከየ እብን/ . . . ዝረኸበኪ መከራ ብዕዝኒ እንተ ዝሰምዕ ይትረፍ ሰብ እምኒ እኳ ምበኸየ ነይሩ።" ብምባል ንሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ግእዛን ፍጥረታት’ውን ከምዝስምዖም ይገልጽ።
ጐይታ ንምንታይ ተሰደ፧
1. ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተዋሕዶ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ንክገልጽ ተሰደ። ሕፃናት ብሄሮድስ ኪቕተሉ ከለዉ ንናትናኤል ኣዲኡ ኣብ ቆፎ ጌራ ኣብ ትሕቲ ገረብ ምስ ሓብኣቶ ዝረኣዮን ካብ ሞት ዘድኃኖን ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ ነቲ ዝተዋሓዶ ሰብነት ምኽንያት ንክህብ ካብ ሄሮድስ ሃደመ፡ ተሓብአን ተሰደን። ነዚ ከብርህ ከሎ ቴዎዶጦስ ኤጲስቆጶስ ናይ ዕንቈራ ፦ " ዝውእቱ ገባሬ ኵሉ ወበእንቲአነ ኮነ ሕፃን፣ ኢትነጽር ከመ ጐየ ኦ ዕልው አላ ነጽር ከመ ጕየተ ሕፃን አጕየዮ ለዲያብሎስ፣ እስመ ኢጐየ ፈሪሆ አላ ያስተአምን ትስብእቶ ከመ ኮነ ሰብአ በእንቲአከ።" / ትርጕም ንሱ ገባሬ ኵሉ ምእንታና ሕፃን ኮነ፣ ኣንታ ዝንጉዕ ነቲ ዝሃደሞ (ዝተሰጎ) ኣይትርአ፡ ምህዳም ናይቲ
ሕፃን ንዲያብሎስ ከም ዝሰጐጎ ደኣ ኣስተውዕል። ምእንታኻ ክብል ሰብ ከም ዝኾነ ነቲ ሰብነቱ ንከረድእ ደኣ እምበር ፈሪሁስ ኣይተሰደን።”
2. ጀማሪ ስደት ዝኾነ ኣዳም ብውርደት ካብ ገነት ናብ ሲኦል ተሰዲዱ ስለዝነበረ፡ ዳግማይ ኣዳም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስደት ኣዳም ስደቱ ገይሩ ናብቲ ዝቐደመ ናይ ክብሪ ቦታኡ ገነት ንኽመልስ ተሰደ።
3. ነቶም ምእንቲ ጽድቅን መንግሥተ ሰማያትን ክብሉ ምዉቕ ቤቶምን ድሙቕ ንብረቶምን መኒኖም ንዝስደዱ ጻድቃንን ሰማዕታትን ባሪኹን ጥዒሙን ንምሃብ እዩ። “ኮነነ በኵረ ወጥንተ ለኵሉ ምግባረ ትሩፋት/ ንምግባረ ሠናይ ፈላምን ኣርኣያን ኮነና።” ከምዝብል ናይ ግብጺ ዓለም ስቓይን ናይ ሄሮድስ ዲያብሎስ ተፃብኦን ተዓጊሥካ ምንባር ከም ዝግባእ ብስደቱ ምሂርና እዩ።
4. . . . ወዘይመስሎ።

ስለምንታይ ናብ ግብጺ ተሰደ፧
1. ትንቢትን ምሳሌን ንምፍጻም እዩ። (ኢሳ. ፲፱፥፩-፫/ 19:1-3 ፣ ፲፬፥፲፱-፳፩/ 14:19-21 ፣ ሆሴ ፲፩፥፩/ 11:1) ከምዝፍለጥ ግብጺ፡ ብላሕሚን ዕንጨይቲ ጸሪቦምን ዘምልኹ ሰባት ዝበዝኃላ፡ ኵሉ ኣምልኮተ ጣዖት ዝነገሠላ ሃገር ብምንባራ፡ ኣምልኮተ ጣዖት ንምጥፋእ ናብ ግብጺ ተሰደ። ብኻልእ ወገን ድማ ብደኃራዋይ ጊዜ ሃይማኖት ኣብ ዝጐድለሉን ዝጠፍኣሉን ንእግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ምልክትን ምስክርን ኮይና ወልድ ዋሕድ ኢላ ብእምነት ትነብር ግብጺ ምዃና ንምግላጽ እዩ። ኢሳ. ፲፱፥፲፱-፳/ 19:19-20 ግብጺ ብስደቱ ስለዝተባረኸ ድማ ናይ ሎሚ ገዳማት ኣስቄጥስን ሲሓትን ብዙኃት ቅዱሳን ከፍርያ ክኢለን እየን።
2. ኪዳን መልከ ጼዴቅ ንምፍጻም እዩ። መልከ ጼዴቅ 'ንሕዝበይ መሓረለይ' ኢሉ ምስ ለመኖ ብዳኅራይ ዘመን፡ 'ንወደይ ናብ ግብጺ ምስ ጸዋዕክዎ ከድኅኖም እየ' ’ ኢልዎ ስለዝነበረ ነዚ ንምፍጻም ናብ ሃገረ ግብጺ ተሰዲዱ፡ በኪደተ እግሩ ቀደሳ። ቅዱስ ቄርሎስ (መጽ. ሊቃውንት)
3. . . . ወዘይመስሎ።

ሠለስተ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ግብጺ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ሄሮድስ ምስ ሰዓብቱ ምስ ሞቱ ግና መልኣኽ እግዚአብሔር ብዝሓበሮ መሠረት ጻድቕ ዮሴፍ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣተወ፣ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ድማ ናዝሬት ናብ እትብሃል ዓዲ መጺኦም ተቐመጡ። ማቴ. ፪፥፳፩-፳፫/ 2፥21-23

ኣብዚ ዘመነ ጽጌ (መስከረም ፳፮(26) - ኅዳር ፮(6)) ዝበጽሕ ስብሐተ እግዚአብሔር ' ማኅሌተ ጽጌ ' ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብአባ ጽጌ ድንግል ዝተደረሰ ማኅሌተ ጽጌ እናተባህለ ዝጽዋዕ መልክዕ ፡- ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብጽጌ (ዕንባባ)፣ ንፍቁር ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሬ እናመሰለ ኣብ ስደት ምድረ በዳ ዝበጽሖም ጭንቅን መከራን ልቢ ብዝሰብር ኃዘንን ዝምስጥ ጣዕምን ዘረድእ ክኸውን ከሎ፡- ኣብ ውሽጡ ብዛዕባ ቅድስት ሥላሴ፡ ቅዱሳን መላእክት፡ ቅዱሳን ነቢያት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ቅዱሳን ሰማዕታትን ቅዱሳን ጻድቃንን ካብ ብሉይን
ሓዲስን ከምኡውን ኣዋልድ መጻሕፍን ኣሰማሚዑ ዝገልጽ ድርሰት እዩ። ሊቃውንቲ ኮኑ ምእመናን፡ ንዘመነ ጽጌ ብተስፋ ክጽበይዎ ጸኒሖም፡ ጀሚሩ ክሳዕ ዝውዳእ ካብ ካልኦት ሰናብቲ ብዝተፈልየ መልክዑ ምሸት ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ምሉእ ለይቲ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደታ ብምሕሳብ ብምስጋናን እግረ ልቦናን ምስኣ ኣብ በረኻታት ግብጺ እናተሰዱ ኃዘንን ሓጐስን ዝተሓወሰ ምስጋና ማኅሌተ ጽጌን ሰቆቃወ ድንግልን ከብጽሑ ይኃድሩ።
ካብዚ ዝተላዕለ እዚ ወርኂ እዚ ዝጠመየትሉን ዝጸምኣትሉን ብምዃኑ በረኸት ንክረኽቡ “ ኦ ድንግል ጥሜትን ጽምእን መከራን ኃዘንን ኵሉ ምስኡ ዝበጽሓኪ ጸበባ ኣዘኽሪ” ብምባል ብዙኃት ብፍቓዶም ይጾምዎ እዮም።
“ሶበ ሐለይኩ ፍልሰትየ ርኁቀ ብሔረ፡ ወሑረትየ እምዝ ኀበ ኢይገብእ ድኀረ፣ ብካየ ንግደትኪ ድንግል ኮነኒ መዝሙረ፣ ረስዪኒ ወትረ ማርያም ውስተ አፉኪ ዝኩረ፣ በሕሊናኪ ህልወ ወበልብኪ ኅዱረ፣ እስመ ዘእንበሌኪ ባዕድ አልብየ ማእምረ” እናበልና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ኵሉ ሕይወትና ንኸይትፍለየና ንማኅፀና። “ኃዘነ ዘፈተነ የአምር ኃዘነ/ ንኃዘን ዝፈተኖ እዩ ዝፈልጦ” ከም ዝብል ኃዘን ደቂ ሰባት እትፈልጥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከምቶም ኣቦታትና ብኣማላድነታ ኃዘንና ናዚዛ፡ ፍጹም ሓጐስ ከም እትዕድለና ርጉጽ እዩ። ነዘን ጊዜያት ብሰላም ክንፍጽመን ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ኵሎም ቅዱሳን ጸሎት ረድኤት በረኸት ኣይፈለየና። ኣሜን ።

                                                                                                                                                                                                                                         ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195