banner

ኣስተርእዮ ወበዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

እግዚአብሔር በቲ ዘይምርመር ጥበቡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ንሰብ ከድኅን ኣብ ዝመደበሉ እዋን፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ምኽንያት ናይዚ ግብረ ምድኃን ኮነት። ከመይ! ንሳ ወሊዳ ዘረከበት፡ ሓዚላ ዝተሰደት ምስኡ ከርተት ኢላ ክሳዕ እግረ መስቀል ዝሰዓበት ኣደ እያ።

ግብረ ምድኃን እግዚአብሔር ኣብ እንሓስበሉ እዋን ንኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያም ክንገድፋ ኣይንኽእል ኢና። እመ ኣምላክ፡ ወላዲተ ኣምላክ፡ እመ ብርሃን . . . እናበልና ንጽውዓን ብኣማላድነታ ንምሕፀንን።
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ ሠለስተ ዓመት ምስ ሥድራኣ፡ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ፡ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ንጐይታ ፀኒሳ፡ ሠለሳን ሠለስተን ዓመትን ሠለስተ ወርሕን ምስ ጐይታ፡ ዓሠርተ ኃሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ወንጌላዊ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባራ ኣብ ስሳን ኣርባዕተን ዓመት ዕድመኣ 21 ጥር 49 ዓ.ም. ዓሪፋ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዓረፈት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ንኺቐብርዋ ናብ መካነ ዕረፍቲ ጌቴሴማኒ ኂዞምዋ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ኣይሁድ ብኽፉእ መንፈስ ተላዒሎም፡ “ኣቐዲሞም ንወዳ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሢኡ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ዳኅራይ’ውን ተመሊሱ ነዚ ዓለም’ዚ ንኬኅልፍ ኪመጽእ’ዩ’ እናበሉ ብምምሃር ነቲ ሕዝቢ ፈጺሞም ወሲዶሞ’ዮም፡ ሕጂ ኸኣ ስቕ ኢልና እንተገደፍናዮም ንእኣ’ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ’ እናበሉ ብምምሃር ኪህዉኹና’ዶ ኣይኮኑን፧ ንዑ! ተኣኪብና ብሓዊ ነቃጽላ” ኢሎም ተማኺሮም መጽኡ። ካብ መንጎኦም ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጐበዝ ተመሪጹ ከይዱ፡ ነቲ ናይ ኣዴና ኣስከሬን ዝተሰከሙሉ ዓራት ንኺግልብጥ ምስ ኃዞ፡ መልኣኽ እግዚአብሔር ብሰይፈ እሳት ንኽልተ ኣእዳዉ ቈሪጽወን ኣብቲ ዓራት ጠልጠል ኢለን ተረፋ። ይኹን ደኣ እምበር ታውፋንያ ብዝፈጸሞ ድፍረት ተጣዒሱ ናብኣ ስለዝተማሕፀነ ብተኣምር ኣእዳዉ ተፈዊሰን ከም ቀደመን ኮናሉ።

ሽዑ መልኣከ እግዚአብሔር ንሥጋ ኣዴና ምስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወሲዱ ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣቐመጦ። ድኅሪ ቁሩብ ጊዜ ቅዱስ ዮሓንስ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ተመሊሱ፡ ሥጋ ኣዴና ኣብ ገነት ምህላዉ ነገሮም። ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን ንሥጋ ኣዴና ንምቕባር ካብ ዝነበሮም ድልየት ዝተላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ኪጾሙን ኪጽልዩን ድኅሪ ምቕናይ ኣብ መበል ዓሠርተው ኣርባዕተ መዓልቲ /መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ/ ጐይታና ንሥጋ ኣዴና ኣምጺኡ ስለዝሃቦም ወሲዶም ኣቐዲሙ ኣብ ዝተዳለወ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌቴሰማኒ ቀበርዋ።

ኣብ ናይ ኣዴና ሥርዓት ቀብሪ ንከርክብ፡ ሓደ ካብቶም ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ካብ ሃገረ ስብከቱ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢየሩሳሌም ኪመጽእ ከሎ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልታ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሢኣ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ንትንሣኤኣ ካልኦት ቅዱሳን ሓዋርያት ርእዮም ንሱ ጥራይ ዝተረፈ መሲልዎ “ወፈቀደ ይደቅ እምደመናሁ” ይብሎ ማለት ቅድም ናይ ወድኺ ትንሣኤ ሕጂ ኸኣ ናትኪ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ ኢሉ ካብቲ ተጻዒንዎ ዝነበረ ደመና ኪወድቕ ደለየ። ኣዴና ግና ብዘይካኡ ካልኦት ሓዋርያት ንትንሣኤኣ ከምዘይረኣዩ ነጊራ ኣጸናኒዓ፡ ከይዱ ንኣኅዋቱ ሓዋርያት ነቲ ኵሉ ዝኾነ ኪነግሮም ኣዚዛ፤ ንምልክት ምእንቲ ምስክር ኪኾኖ መግነዛ ሂባቶ ፈጺማ ብዝማሬን ይባቤን መላእክቲ ናብ ሰማይ ዓረገት።

ቅዱስ ቶማስ’ውን ሓዋርያት ናብ ዘለውዎ ኢየሩሳሌም ምስ በጽሐ “ንኣዴና ቀቢርናያ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ድማ ከምዘይፈለጠ ኾይኑ “ሞት ብጥሪ ብነሓሰ ቐብሪ ከመይ ጌሩ ይኸውን፧” በሎም። “ንስኻ ብቐደሙ’ውን ንትንሣኤ ጐይታ ተጠራጢርካ ሕጂ’ውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ኢሎም ብቅዱስ ጴጥሮስ መሪሕነት ናብ መካነ መቓብር ኣዴና ኂዞሞ ከዱ። ከርእይዎ መቓብር እንተኸፈቱ ንሥጋ ኣዴና ስኣንዎ። በዚ ጊዜ እዚ ቅዱስ ቶማስ “ኣይትኣምኑንን ኢኹም ኢለ’የ እምበር ኣዴናስ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ” ኢሉ ኵሉ’ቲ ዝተፈጸመ ምስ ነገሮም ንመረጋገጺ ምልክት ኪኸውን ንዝሃበቶ መግነዛ ኣርኣዮም። ንሳቶም ከኣ ነቲ መግነዛ ንበረኸት ተማቒሎም ነናብ ኣህጉረ ስብከቶም ከዱ።

ኣብ ዓመቱ ‘ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ ንሕና ንምንታይ ከይርኣና ንተርፍ’ ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣትዮም ኣብቲ መወዳእታ ሱባኤ 16 ነሓሰ ጐይታ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ንቅድስት ድንግል ማርያም መንበር፡ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቅ ካህን፡ ንቅዱስ እስጢፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቐዲሱ ንዅሎም ድኅሪ ምቝራብ ንዕርገት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምርኣይ ኣብቅዖም።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዋላ እኳ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍስ ዘይብላ፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡሩን እንተኾነት፡ ሥጋ ለበስ ኵሉ ሞት ስለዘይተርፈሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ። ብዛዕባ ሞት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኪገልጽ ከሎ ማኅሌታይ ያሬድ ኣብ ድርሰቱ፦ ‘ ኢያድለወ ክርስቶስ ለሥጋ አባሉ፡ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፡ ሞታ ለማርያም ይዓፅብ ለኵሉ / ክርስቶስ ነቲ ሥጋ ኣባሉ(ወገኑ) ’ውን እንተኾነ ኣብ ሞት ኣየዳለወን፡ ንመዋቲ ሰብ ኪመውት ዚግብኦ እዩ፡ ንሞት ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንዅሉ ዘደንቕ እዩ ’ በለ። እቲ ‘ንዅሉ ዝደንቐሉ’ ምኽንያት ድማ በቲ ዝለበሶ ሥጋ ስለ ድኅነት ዓለም ዝሞተ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ‘ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ እንድየ ወሲደ፡ ኣደይ ስለዝኾነት ሞት ክትጥዕም የብላን’ ከይበለ ዝተወሰነላ ዕድመ ምስ ኣብቅዐ፡ ብሞት ኣቢላ ናብ ሕይወት ክትሳገር ፍቓዱ ብምዃኑ እምብዛ ዘደንቕ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ ሞት ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ዕፁብ ድንቂ’ ዘብል፡ ኵሉ ሥጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብሚዛን ሞት ማዕረ እዩ፡ ሥጋ ለበስ ሞት ይግብኦ ብምዃኑ ኣድለወን። ሞት እግዝእትነ ማርያም ከም ካልእ ሥጋ ለበስ ብሕማም ፡ብስቓይን ጻዕርን ዘይኮነስ ከም ጥዑም ድቃስ እዩ።

በዚ ኸኣ ዓመት መጽአ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ዕለት 21 ጥር ምኽንያት ብምግባር፡‘ ኣስተርእዮ ማርያም’ እናበለት ተብዕሎ። በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ኣስተርእዮ’ ምባሉ ድማ ኣብ ጊዜያት እዋን ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገልጸሉን ዝተጠምቀሉን ስለዝኽበር እዩ።

ስለዚ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ወላዲት ኣምላኽ፡ ናይ ደቂ ሰባት ምኽንያተ ድኅነት፡ ተስፋ ኃጥኣን ፍሥሓ ጻድቃን ብምዃና ናትና ናይ ኦርቶዶክሳውያን መመክሒት እያ። ወትሩ ድማ ብቓል ኪዳና ተማሕጺንና ‘ሰአሊ ለነ ቅድስት’ እናበልና በዓላ ነኽብር ኣሎና።

ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195