banner

ባሕቲ ግንቦት፡ ልደተ ማርያም

በሰመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

  ልደተ ማርያም

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣብ ሕሊና ኣምላኽ ዝነበረት፣ ገና ከይተወልደት ትንቢት ዝተነግረላ፡ ሱባኤ ዝተቘጽረላን ምሳሌ ዝተመሰለላን እያ። ሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ኣባጊዑ እናሓለወ ኸሎ፡ ነበልባል ምስ ሓመልማል ተዋሓሒዱ፡ እቲ ነበልባል ነቲ ሓመልማል ከየቃጸሎ፡ እቲ ሓመልማል ድማ ነቲ ነበልባል ከየጥፍኦ ርኣየ። (ዘፀ 3:2) እቲ ቐንዲ ምሥጢሩ ነበልባል ናይ መለኮት፡ ሓመልማል ናይ ትስብእት ምሳሌ ኾይኑ ተዋሕዶ መለኮትን ትስብእትን የረድእ። ከምኡ’ውን ከምቲ ቅዱስ ኤፍሬም ዝመሰሎ እቲ ነበልባል ምሳሌ መለኮት ኪኸውን ከሎ እቲ ሓመልማል ድማ ምሳሌ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እዩ። (ውዳሴ ማርያም ዘሠሉስ ወዘኃሙስ)።

ነቢይ ኢሳይያስ’ውን ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ትንቢት “ትወፅእ በትር እምሥርወ ዕሤይ ወይዐርግ ጽጌ እምጕንዱ/ ካብቲ ጕንዲ ዕሤይ ሓደ ጠጥዒ ኪጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈር ከኣ ካብ ሡሩ ፍረ ክፈሪ እዩ።’ ኢሉ ተነብዩ ነበረ። (ኢሳ 11:1) ብበትሪ ወይ ጠጥዒ ዝተመሰለት ቅድስት ድንግል ማርያም እያ፣ ዕንባባ ወይ ፍረ ዝተባህለ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብዚ ምድራዊ ዓለም መድኃኔዓለም ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ከምዚውለድ ዘመልክት ትንቢት እዩ።
ከምቲ ሡር ንላዕሊ ይዓቢ ንታሕቲ’ውን ይወፍር እዩ። ንላዕሊ እንተበልና ዕሤይ፡ ንታሕቲ እንተበልና ኸኣ ኢያቄም መራኸቢኦም ዳዊት እዩ። ወለዲ እግዝእትነ ማርያም ኢያቄምን ሃናንን ብሕጊ መውስቦ ምስ ተመርዓዉ ነባሪ ዘይኮነ ጊዜያዊ ምምካን ኣጋጢምዎም ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ውላድ ምስኣኖም፡ መባኦም ስለዘይቅበሉሎም ዝነበሩ ኅዙናት ነበሩ። “እግዚአብሔር እንተ ዝፈትወኩም ውላድ ምሃበኩም ነይሩ ግና ብእግዚአብሔር ዝተጸላእኩም ስለ ዝኾንኩም ንሕና ውን ክንፈትወኩም መባእኩም ክንቅበለኩም ኣይግበኣናን” ይብልዎም ነበሩ።
እንተኾነ ኢያቄምን ሃናንን ብተስፋ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ከይዶም እናጸለዩ ዓመታት ኣኅለፉ። ጸሎቶም ሰሚዑ ከምዘሥመረሎም ብምእማን፡ ቡሩኽ ውላድ ኪህቦም እሞ ወዲ ኾነ ጓል እንተ ወለዱ ናብ ቤተ እግዚአብሔር ከገልግል ክህብዎ ምዃኖም ተመባጽዑ።

እንሆ ድማ እግዚአብሔር ረዲእዎም ሓደ ዕፁብ ራእይ ረኣዩ። ሓና ዝረኣየቶ ራእይ ንኢያቄም ክትነግሮ ከላ “ ምዕሩግ ግምጃ ክትዕጠቕ፡ በትርኻ ድማ ለምሊማን ዕምቢባን ፈርያን ንፍሬኣ ኸኣ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጡር ኪምገቦ ኸሎ ረኣኹ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ብወገኑ “ኣነ ውን ሓንቲ ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ ኣብ ርእስኺ ኮፍ ክትብል ርእየ” በላ ። እዚ ራእይ’ዚ ናይ ውላድ ሰለዝነበረ፡ ኣብ ሾብዓተ ነሓሴ ቅድስት ድንግል ማርያም ተፀንሰት። ኣብ ማሕጸን ኣደኣ ሓና ኸላ ብዙኃት ድዉያን ኣሕውያን ንምዉት ኣተንሢኣን እያ። እንሆ ድማ ባሕቲ ግንቦት መሠረተ ሕይወት ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደት። እዛ ዕለት እዚኣ ካብ ኵለን በዓላታ ዝኸበረት እያ።
ሓደ ባሕታዊ ካብ ፍቕራ ዝተላዕለ “ካብተን ሠላሳን ሠለስተን በዓላትኪ ነየነይቲ ከኽብሩልኪ ትፈትዊ፧” ምስ በላ፡ “ነታ ካብ ጸቢብ ናብ ርኂብ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝወፃእኩላ፡ በዓል ልደተይ ከኽብሩለይ እፈቱ” በለቶ። (ነገረ ማርያም)
ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዛ ዕለት እዚኣ ብውዳሴን ቅዳሴን ስብሐተ ማኅሌትን ክትዝክራን ከተኽብራን ትነብር ኣላ።

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንጊዜኡ እኳ ንኣቦኣን ኣደኣን ይኹን እምበር ንሓዋሩስ ንዅሉ ዓለም ጸጋን ሃብትን ሓጐስን ተስፋን እዩ። ጸጋን ሃብትን (መድኃኔዓለም) ዝተረኽበላ፡ ብኣማላድነታ በረኸት ሥጋን ነፍስን እተውህብ ንኣና ኣደ ክትኮነና ዝተዋህበት እያ። (ዮሓ. 19:27)
ስለዚ ንበዓላት እግዝእትነ ማርያም ምኽባር ማለት ነቲ ዘኽበራን መኅደሪኡ ክትከውን ዝመረጻን እግዚአብሔር ምኽባር ስለዝኾነ፡ ነዚ በዓለ ልደታ ‘ ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም’ እናበልና ብሓጐስ ከነኽብሮ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
ጸሎታን በረኸታን ምሕረት ፍቁር ወልዳን ኣብ ኵልና ጸኒዑ ይንበር፡ አሜን።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

Our Faith

The Eritrean Orthodox Tewahdo Church is the one Apostolic and Universal, and, for authenticatitly,ng righ
A.  It is stated as ‘Eritrean’ for it is located  within Eritrea’s sovereign integrity, 
B.  And it is affirmed that it is ‘Orthodox’ for  the Church has the true faith,
C.  And is called ‘Tewahdo’ for it believes   Read More . . . 

ርኸቡና

ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ፖ.ሳጹን ቁጽሪ 728
ኣስመራ፡ ኤርትራ
ቴለ፡ +291-1-184290/182270
ፋክስ፡ +291-1-182195